2016-03-12 16:11:00

ቅድስቲ መንበር፡ ኤኮኖሚያዊ ስስዔ ንድኻታ ኣዚዩ የጥቅዕ


ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ማሕበር ብዛዕባ ሕማም ኤይድስን ኤይድስ ንምጥፋእ ዝካይዱ ጻዕርታት ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳትፉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብቲ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናይ ቅድስት መንበር ጊዚያዊ ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ግይህራ ቅድስቲ መንበር ኣብ ጸረ ሕማም ኤይድስ እተካይዶ ጻዕርን እተቕርቦ ሕንጸትን ደገፍን ኣማኪሎም፥

ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሓደ እቲ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝጠልቦ ረቛሒ ከምዝዀነን እዚ መሰል’ዚ ዝተነፍጐ ሰብ ኣብ ዓለም ምህላዉ ዓቢይ ዕንቅፋት እዩ ኢሎም። ካብ ምርካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝተነጸለ ሰብ ከይህሉ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ናይ ወዲ ሰብ ኵላዊ መሰሉን ክብሩን እዩ። ቀረብ ኣፋውስን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕልን ብፍላይ ጸረ ሕማም ኤይድስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እቲ ናይ ሰብኣዊ ኵላዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ናይ ግድን እዩ፡ መድሃኒት ዝተረኽበሎም ሕማማት ኣብ ድኻታት ሃገራት ናይ ሞት ምኽንያት ኰይኖም ክግለጹ ብሓቂ ንሰኣውነት ዕንቃፋት እዩ፡ መምዘኒ ናይ ዝተማልአ ሕክምና ምርካብ ሃብቲ ገንዘብ ወይ ድማ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ክኸውን የብሉን። ሰብ ክማእከል ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

መኽሰብ ሰብኣውነ ይኹን

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ኵለ መዳያዊ ጸረ ሕማም ኤይድስ ጻዕርታ እወታዊ ውጽኢት ዘዕተረ እውን እንተዀነ ሕጂ እውን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ጉዕዞ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ግይህራ ኣስዒቦም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ናይ መድሃኒት ኅብረ ትካላትን ኣባይቲ ሕክምናታትን ካብ ጽምኢ ኤኰኖሚያዊ መኽሰብ ተላቒቐን ሰብ ኣብ ምኽሳብ ከተኵራ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ስቓይ

ካብ ሰላሳ ዓመታ ንላዕሊ ሕማም ኤይድስ ንብዙሓት ሕጻናትን ዓበይትን ንሞን ስቓይን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንዝኽትምናን ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ማሕበራዊ ጉዳያት ከምዝዳረገ ዝዘከሩ ብፁዕ ኣቡነ ግይህራ እቲ ሕማም ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም ስቓይ ከምዘስዓበን የስዕብ እውን ኣሎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ማሕበራዊ ክንክንን ማሕበራዊ ሓለዋን መደባት ዘይምውጋድ

ብፁዕ ኣቡነ ግይህራ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኤኮኖሚያዊ ጽጋዔን ተማላእነትን ናይ ማሕበራዊ ክንክንን ማሕበራዊ መደባት ሓላዋ ዝብሉ ማሕበራዊ መዋቕራት ዘዕንው ዘይኰነስ በንጻሩ እቶም ናይ ማሕበራዊ መዋቕራት ዝህብዎ ኣገልግሎት ስሉጥ መታን ክኸውን ዝድግፍ ይኹን። ገለ ገለ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ዝምልከቱ መዋቕራት እያቶም። ስለዚህ ካብ ዝዀነ ይኹን ኤኦኖሚያውን ቁጠባውን ፖለቲካውን መኽሰብ ናጻ ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይሮቢ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣባይቲ ጽሕፈት ሰራሕተይናታ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.