2016-03-31 16:12:00

ኡጋንዳ፥ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ጻውዒት


ብላቲን ስርዓት ዕለት 29 መጋቢት 2016 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ከምእተብዓለ ክዝከር እንከሎ። ኣብ ኣንጐላ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ፥ እቶም መንግስቲ ኣንጐላ ካብ ዕለት 19 የካቲት 2016 ዓ.ም. ኣትሒዙ   ነታ ሃገር ንሳላሳ ዓመታት ዝመርሑ ዘለዉ ርእሰ ብሔር ዮወሪ ሙሰቨኒ ሰዓሪ ዘበለ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ዝተዛብዐ ኔሩ እንክብሉ ተቓውሞኦም ነዘቕረቡ ንቤታዊ ቀይዲ ዝፈረዶም ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ኪዛ በሲግየ ናጻ ክብሎም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ በሲግየ ናጻ ክልቐቑ ይሓቱ

ናይ ማሳካ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ባፕቲስት ካግዋ ኣብ በዓለ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ናይ ኡጋንዳ ሕዝቢ ክሓብርን ሓደ ሕዝቢ መታን ክኸውን ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ክዋሳእ ጻውዒት ኣቕሪቦም መንግስቲ ነቶም ቤታዊ እሱር ዝበሎም ናይ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ ናጻ ክበሃሉ እንክሓቱ ናይ ኡጋንዳ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስታንለይ ንታጋሊ ብወገኖም ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ስለ እቶም ናይ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ በሲግየ ክጽልይ ሓደራ እንክብሉ፡ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሰሜናዊ ከባቢ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆንሶን ካኩምባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖሊቲካዊ ወጥሪ ብዘተ መዕለቢ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣነ ይብሉ ርእሰ ብሔር ሙሰቨኒ ኔረ እንተዝኸውን ምስ በሲግየ ምዘተኹ፡ ስለምታይ ዘተ ንሓንቲ ሃገር ንቕድሚት ዘሰጉማ ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ቤታዊ እሱር በሲግየ

ርእሰ ብሔር ሙሰቨኒ ነቶም ናይ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ፖለቲካዊ ሰልፊ መራሒ ኪዛበሲግየ ቢታዊ እሱር እንክብሉ ዝፈረድዎም ኣብ እዋን ከይዲ ሕዝባዊ መረጻ ኽከውን እንከሎ። ሕዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ነኸየለዓዕሉ ብዝብልን ምእንቲ ሰላማዊ ከይዲ ሕዝባዊ መረጻ ዝወሰድዎ ስጉቲ ምዃኑ መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት እቲ ውሳኔ ማእሰርቲ ናይቲ ሕዝባዊ መረጻ ዘይስሩዕነቱን ኢፍትሓውነቱን ካብ ሕጊ ወጻኢ ምንባሩን ከይቃላዕ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ዝብሉ ምዃኖም የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.