2016-04-02 16:15:00

ብፁዕ ካርዲናል ኰማስትሪ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ልኡኽ


ዕለት 2 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልድሉ ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ዝሕሰበሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ልክዕ ዕለት 2 ለካቲት 2005 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱላ ዕለት ቤተ ክርስቲያን ዋዜማ ዓመታዊ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ዘብዓለትሉ ዕለት ምንባሩ ህየንተ ሃገረ ቫቲካን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኰማስትሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፡  ለምዝበን ድማ ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዋዜማ ዓመታዊ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ምዃኑ ገሊጾም፡ ምሕረትን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎን እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ማእከል እያቶም ኢሎም።

30 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ዕለቱ ረቡዕ እዩ ነሩ ኩላትና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ብርቱዕ ጻዕረ ዕረፍት ከምዝነበሩ ንፈልጥ ነርና ኢና፡ ምእንቲ’ዚ ኵሉ ስሌኦም ይጽልይ እዩ ኔሩ። ፍርቂ መዓልቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሓዋርያዊ መስኰቶም ተቐልቂሎምን ምዝራብ ግና ተሳኢንዎን የምነይቲ ኢዶም ኣልዒሎም ንኹሉ ባሪዀም ናይ መወዳእታ ቃሎምን ሰላምታኦምን ትእምርቲ መስቀል እዩ ነሩ፡ ስለዚህ እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትእምርተ ሰላም እዩ። ሰላም ንሕዝብን ዓለምን፡ በታ ዕለት ብሞስኰት ክቕልቀሉ ዝወሰኑ ድማ ባዕሎም እዮም፡ እታ ዝዓረፉላ ዕለት ናይ መለኰታዊ ምሕረት ዓመታዊ በዓል ዋዜማ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ ኣብ ዝዓርገሉ እዋን እዩ ኔሩ፡ በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ሰማይ ቤት ምውላዶም ምስ ዓመታዊ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ምግጣሙ ብዓለማውነት ኣርአእያ ናይ ኣጋጣሚ ከበሃል ይከኣል፡ ኣብ እግዚኣብሔር ግና ኣጋጣሚ ዝበህል ነገር ግና የሎን። መለኰታዊ ምሕረት መልእኽቱ ዘመሓላለፈላ ዕለት እያ ኔራ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መላእ ሕይወቶም እቲ ምዕሩግን ውህበትን ውብትን ዝዀነ ወጅሂ እግዚኣብሔር ዘበሰሩ እዮም እዚ ማለት ድማ ምህረት እግዚኣብሔር ዘስፍሑ ብምዃኖም ልክዕ ኣብ ዋዜማ ዓመታዊ በዓል መለኰታዊ ምሕረት ሱታፌ ቅዱሳን ኣብ ቤት ኣምላኽ ክቕበልዎም ማለት ኣብ ሰማይ ቤት ክውለዱ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን፡ ክሳብ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱላ ዕለት ናይ ምሕረት ልኡኽ ምዃኖምን ቅዱስና ምስ ተኣወጀሎም ቅዱስ ዘምሕረተ መለኰት ምዃኖምን እዩ ዘረጋግጸልና ኢሎም።

ዓለም ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ምለኰታዊ ምሕረት ምስክርነት የስተዕል ኔሩ እዩ። እዚ ኣብሳሪ መለኰታዊ ምሕረት ምዃኖም ድማ ምሕረትን ሓቅን ዘጣመረ እዩ። ስለምታይ ይቕረ ምባልን ሓቅን ናይ ምሕረት ክልተ መገዲታት እያቶም። ከም እንዝክሮ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣሊ ኣግካ ኣብ ዝፈጸመሎም ናይ ቅትለት ፈተና እዋን ገና ናብ ቤት ሕክምና እናተወስዱ እንከለዎ ነቲ ኣብ ልዕለይ ናይ መቕተልቲ ፈተና ዝፈጸመ ሓው ይቕረ እብል ከምዝበሉን ስለ እቲ ዘጓነፎምን ስለ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ግብረ መቕተልቲ ዝፈጸመ ኩሉ ክጽልይ ጥራሕ እዮም ሓደራ ዝበሉ። እቲ ኵሉ መንፈሳዉነት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Vertitas Splendor-ድሙቕ ሓቂ, Evangelium Vitae-ወንጌላዊ ሕይወትን e Fides et ratio-እምነትን ምርምርን (ተራትዖን) ኣብ ዝብሉ ዓዋዲ መልእኽትታቶም ክጠቓለል ይከኣል፡ ሓቂ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ዘበሰሩ ስለምታይን ሓቂ ምብሳር ንምሕረት ምግልጋል ማለት እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር ንዅሉ እዩ። ኣብቲ ልቡ ንዝኸፈተሉ ድማ ይኣትው ምስኡ ኣብ መዓዲ ይሓብር፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ እዮም ብዓውታ ዝመስከሩ ኢሎም።

ናይ ዘመንና ፍጥረ ሰብ ምሕረት እዚዩ ዘድልዮ ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ድሕሪ እታ Redemptor hominis-መድሃኔ ሰብእ ብዝብል ኣርእስቲ ስደረስዋ ቀዳመይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ቀጺሎም ኣብ 1980 ዓ.ም. Dives in misericordia-ብምሕረት ሃብታም (ኤፌ,2.4) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ይትንትንዎ። እዚ ድላይ ምሕረት’ዚ ሎሚ እውን ሕጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ተቃልሖ ኣላ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ኣብታ ብምሕረቱ ሃብታም ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍስሓን ተስፋን ኣብ ዝብል ውሳኔ ምዕራፍ 9 ዘንብሮ ሓሳብ ይጠቕሱ። ኣብዚ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንነብረሉ ዓለም ሎሚ መገዲ ናጽነትን ወይ ከኣ ናይ ጊልያነትን ብርቱዕን ድኻምነት ዘህልውን ብሉጽ ንምፍጻምን ወይ ድማ ዝኸፍኤ ንምፍጻምን ናይ ምዕባሌን ምንቁልቋልን ሕውነትን ጽልእን መገድታት ኣብ ቅድሚኡ ኸፊቱሉ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ተነቢሩ ንረክብ። ሰብ ሎሚ እቲ ዝተበጽሔ ምዕባለ ስነ ምርምር ዘዕተሮን ዘዕትሮን ዘሎ ብጽሖታት ሕጉስ ንኽገብሮ ብቑዓት ዘይብሉ ከምዝዀነ የስተውዕል ኣሎ። ብምልኣት ንልቡ ዘዕግቦ ሓቂ ሓሰው ይብል ኣሎ። ኣቚሳሉ ዝፍውሰሉ ፍቅሪ የድልዮ ኣሎ፡ ማለት ኣቚሳሉ ዝፍውሰሉ ምሕረት የድልዮ ኣሎ፡ እቲ ፍቱን ፈውሲ ምሕረት እዩ። እዚ ኵሉ ዘብቅዕ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ። ስለዚህ ሎሚ ካብ ቀደም ንዝቖሰለ ሰብኣዊ ፍጥረት እዚዩ ኣገዳሲ ብስራት ቃል ምሕረት እዩ። ነዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዑምቀት የንብብዎ ኣለዉ። እግዚኣብሔ ምሕረት እዩ ዝብል ብስራት ብርግጽ እቲ ፍቱን ፈውሲ እዩ። እቲ ናይ ዝማዕበለ ልዑል ሓያል ዝብል ሰብ ኒች ዝሓልሞ ዝነበረ ሕልሚ ሓላሚ ናይ ሎሚ ሰብ ሎሚ ድኻ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለ እዚ ምስትውዓል’ዚ ድማ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘድልዮ ምዃኑ ንኸስተውዕል ይድርዀ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሓር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ሊሚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መለኰታዊ ምሕረት ጸዋዕታን ተልእዀን ሓላፍነትን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ምዃኑ የተሓሳስቡ ኣለዉ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.