2016-04-16 18:50:00

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ደሴት ግሪኽ ለስቮስ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብናይ ቁስጢንጥያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ባርይቶሎሞዮ ቀዳማይ ብናይ አተንስን ኩላዊት ግሪኽን ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ወቅዱስ ሄረኒሞስ ካልአይ  ከምኡ ክአ ብናይ መንግስቲ ግሪኽ  ርእሰ ብሔር  ዝተገብረሎም ዕድመ መሠረት ሎሚ  ንግሆ ነቶም አብ ደሴት ግሪኽ  ለስቮስ  ዝርከቡ  ስደተኛታት  ክበጽሑ ሎም ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ነቂሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ሎሚ  ረፍዲ  ካብ ለአናርዶ ዳ ቪንቺ ዓለም ለኸ መዕረፍ ነፈርቲ  ነቂሎም  ሚቲለነ  ሀገራት ለኸ  መዕርፍ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናይ አተንስን ኩላዊት ግሪኽን  ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት  ብጹዕ ወቅዱስ  የረኒሞስ ካልአይ ናይ ቁስጢንጢንያ ፓትርያርክ  ብጹዕ ወቅዱስ  ባርቶሎሞዮ  ቀዳማይ ናይ መንግስቲ ግሪኽ  ቀዳማይ ሚኒስተር  አለክሲስ ትሲፕራስ  ብድሙቅ  አገባብ  ተቀቢሎምዎም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስን  ናይ ግሪኽ  ቀዳማይ ሚኒስተር አለክሲስ ትሲፕራስን  አብቲ ሀገራት  ለኸ   መዕረፍ ነፈርቲ  ሚቲለነ  ዝርከብ መቀበሊ አጋይሽ  ብብሕቲ ተራኺቦም  ሐሳብ ንሐሳብ  ተለዋዊጦም።

ብድሕሪ”ዚ  ሰለስቲኦም  ብጹዓን አበው ማለት  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክሶ ብጹዕ  ወቅዱስ የረኒሞስ ክልአይ ብጹዕ ወቅዱስ ባርቶሎሞዮ  ቀዳማይን  ብሐባር ናብቲ 2.500   ስደተኛታት ዝርከብሉ  ቦታ ተጓዒዞም ንስደተኛታት ቃሎም አስሚዖም  ናይ ሐባር መግለጺ ክአ ሂቦም።

‘ሓባራዊ መግለጺ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ በርተለሜዎስን ሊቀ ጳጳስ የሮኒሞስን

ንሕና፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ኤኩመኒካዊ ፓትርያርክ በርተለሜዎስን ናይ ኣተንስ መላእ ግሪኽን ሊቀ ጳጳስ የሮኒሞስን ናይቶም ብዙሓት ካብ ዝተፈላለየ ግጭታትን ውግኣትን ንኸምልጡ ብዙሕ ግዜ ከኣ ንናብራኦም ዕለት ዕለት ዝፈታተን ኩነታት ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ሓተቲ ዑቊባን  ዘሕዝን ኩነት ዘሎና ዓሚቊ ሻቅሎትን ስግኣትን ንምግላጽ ኣብ ደሴት ለስቮስ ናይ ግሪኽ ተራኺብና ኣሎና፣ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዓለምና ነቲ ብዓመጽን ብብረታዊ ግጭትን ስደትን ብሰንኪ ሃይማኖትምን ዓሌቶምን ዝፈናቀሉን ንስድራቤታት ካብ መረበቶም ዘባርር ዘሎ ክብሪ ወዲ ሰብን መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብን ነጻነቶምን ክግፈፍ እንከሎ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክኸውን ኣይክእልን፣

ናይ ሚልዮናት ስደትን ምዝንባልን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንኩልና ቅልጡፍ ናይ ምትሕብባርን ርሕራሔን ልግስን በልሲ ብምሃብ ቅልጡፍ ተግባራዊ መብጽዓ ክንገብር ይዕድመና፣  ካብ ደሴት ለስቮስከስ ነዚ ደረት ኣልቦ ቅልውላው ደቂሰባት ብምርኣይን መሰረታውያን ምኽንያታቱን ብዲፕሎማሲያውን ፖሎቲካውን ግብረሰናያውን ተግባራት እናኣለየ ብሓባራዊ ጻዕሪ ኣብ ማእከላይ ምስራቅን ኤውሮጳን ብትብዓት ንክምልስ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንጽውዕ፣

ከም መራሕቲ ናይተን እንውክለን ኣብያተ ክርስትያን፣ ንሰላም ብዘሎና ድሌትን ንግጭታት ብዘተን ዕርቅን ኣብ ምፍታሕን ብዘሎና ቊሩብነት ኩልና ሓደ ኢና፣ ነዚኦም ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ሓተቲ ዑቊባን ሓገዝ ንምብርካትን ንምንክብካቦን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እናኣመጎስና ኩሎም ፖሎቲካውያን መራሕቲ ኩሎም ግለ ሰባትን ማህበራትን እንኮላይ ክርስትያን ኣብ መረበቶም ዓዶም ክቅመጡ መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ከስተማቅሩን ብሰላምን ርግኣትን ከምዝነብሩ ክትግብሩ ዝተኻእለኩም ኩሉ ክትገብሩ ንምሕጸን፣ ዝሰፈሐ ዓለምለኻዊ ሓባራዊ ስምምዕን ናይ ሓገዝ መደባትን ብህጹጽ የድልዩ እዚ ከኣ ሕጋውነት ንምኽባርን መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ንምክልኻልን ምናዳ ንትሕቲ ዕድመ ንምክልኻልን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ሱልኳ ኮንትሮባንድ ንምውጋእን ከምዞም ኣብ ከባቢ መዲተራንያን ዘገልግሎ ዘለው ወለንተኛታት ውሕስነት ንዘይብሉ መንገድታት ንምውጋድን እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ነተን ብቀጥታ ነዞም ዝሳቀዩ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትና ዝቅበላ ዘለዋ ሃገራት ክንሕግዝ ንኽእል፣ ብሕልፊ ነቶም ናይ ገዛእ ቊጠባዊ ሽግሮም ሰጊሮም ብልግሲ ነዚ ቅልውላው እዚ መልሲ ንዝሃበ ሕዝቢ ግሪኽ ኣብ ጐኑ ምህላውና ንገልጽ፣

ኩልና በሓባት ካብ ማእከላይ ምብራቅ ውግእን ዓመጽን ደው ክብል ንምሕጸን፣ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንኽነግስን እቶም ካብ መረበቶምን መሬቶምን ዝተሰዱ ብክብሪ ክምለሱ ንምሕጸን። ሃይማኖታውያን ማህበራት ከምቲ ዝገብርዎ ዘለዎ ንኩሎም ስደተኛታት ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት ክቅበልዎምን ክሕግዝዎምን ክከላኸሉሎምን ንዘኻኽር፣ ሲቪላዊ ሓገዛትን ሃይማኖታውያን ማህበራት ዘበርክትዎ ሓገዝን ኩሉ ብሕብረት ክኸውን ሓደራ ንብል፣ እዚ ህጹጽ ኣድላይነት ክሳብ ዘሎ ኩለን ሃገራት ግዝያዊ ናይ ፖሎቲካዊ ዑቅባ ከበርክታ ነቶም ናይ ስደተኛ መሰል ዘድልዮም ከኣ ክልግሳሎም ናይ ረድኤት ስራሓቶም ከስፍሓን ምስቶም ኩሎም ግጭታት ከብቅዕ ዝጽዕሩ ዘለው ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ክሰርሑ ነዘኻኽር፣

ሃገረ ኤውሮጳ ሎሚ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝሓሰመ ሰብኣዊ ቅልውላው ክትርኢ እዚ ናይ መጀመርያኣ እዩ፣ ነዚ ከቢድ ጸገም እዚ መልሲ ንምርካብ ንኩሎም ተኸተልቲ ክርስቶስ ነቲ ቃላት ጐይታ ማለት ኣብ መወዳእታ ዓለም እንፍረደሉ ‘ጠምየ ነረ ኣብሊዕኩምኒ ጸሚኤ ነረ ኣስቲኹምኒ ጋሻ ኰይነ ተቀቢልኩምኒ ዓሪቀ ከዲንኩምኒ ሓሚመ ብጺሕኩምኒ ተኣሲረ ነረ ክትርእዩኒ መጺእኩም . . . ሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ነዞም ነኣሽቱ ኣሕዋተር ዝገበርክምዎ ነዓይ ኢኹም ገርክምዎ’  (ማቴ 23.35-40) ንዝብላ ቃላት ጐይታ ክትዝክሩ ንምሕጸን፣

ንሕና ብወገና ንፍቃድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእዛዝ ብምሉእ ልብናን ብጽንዓትን ንሓድነት ኩሎም ክርስትያን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና፣ ከምቲ ኣብ 2001 ኣብ ኻርታ ኤኩመንካ ዝብል ኣዋጅ ዝተገልጸ ሎሚውን ‘ኣብ መንጎ ክርስትያን ዕርቂ ማለት ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ መጎናን መንጎ ኩሎም ሕዝብታትን ከምዝነግስ ምግባር ስለዝኾነ ብሓባር ንስደተኛታትን ተፈናቀልትን ሓተቲ ዑቊባን ኣብ ኤውሮጳ ሰብኣዊ ኣቀባብላ ክንገብረሎም ኢና’ ክንብል ቃልና ነሐድስ። ናይ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ሓተቲ ዑቊባን  ከማኡ እውን ኣብ ማሕበረሰባትና ተገሊሎም ናይ ዘለው ሕዝቢ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምክልኻል ነቲ  ንኣገሎት መላእ ዓልም ዝብል ናይ ኣብያተ ክርስትያናትና ተልእኮ ኣብ ግብሪ ክነውዕል ቈሪጽና ተንሲእና ኣሎና፣ ናይ ሎሚ ርክብና ንክልቲኦም ነቶም ዑቊባ ዝሓቱ ዘለውን ንስደተኛታት ተቀቢሎ ዝሕግዙን ጽንዓትን ተስፋን ንክህብ ዝዓለመ እዩ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሕይወት ሰባት ንምክልኻል ምናዳ ከኣ ንኩሎም ናይ ሃይማኖት ማሕበረሰባት ብሓደ ዓይኒ ዝጥምትን ንኩሎም ዘሳትፍን ፖሊሲ ከደንፍዑ ሓደራ ንብል፣   በዚ ኣሰቃቂ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተጸልው ኩሎም ምናዳ ኸኣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኾኑ ክርስትያን ብቀጻሊ ክንጽልየሎም ይምሕጸኑ፣ ለስቮስ ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓም  የሮኒሞስ ካልኣይ  ፍራንቸስኮስ  በርተለሜዎስ ቀዳማይ’

ሰለስቲኦም  ማራሕቲ ሃይማኖታት  ፍርቂ መዓልቲን ፈረቃን   ምስ ዝተወሰኑ  ስደተኛታት ንምሳሕ መአዲ  ቀሪቦም።  ድሕሪ ምሳሕ  ብጹዓን አበው  ቅዱስ  አቦና  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ ብጹዕ ወቅዱስ  የረኒሞስን  ብጹዕ ወቅዱስ  ባርቶሎሞዮ  ቀዳማይን  ምእንቲ”ቶም  ካብ ዝተፈላለያ ሀገራት ብዝተፈላለየ  ምኽንያት  አብ ጉዕዞ  ስደት አብ ባሕሪ  ሕይወቶም ዝስአኑ  ስደተኛታት  ብሐባር  ናይ ሕልና ጸሎት  አዕሪጎም። አብ መጨረሻ ክአ ብፁዓን አበው ግሪኽን ቁስጢንጥንያን ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽን  አብ  ሀገራት  ለኸ መዕረፍ ነፈርቲ  ሚቲለነ ተረኺቦም   ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ አፋንዮምዋም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ካብ ደሴት ለስቮስ  በታ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት   ሽዱሽተ ትሕተ ዕድመ  ዝርከብዎም ሰለስተ ስድራ ቤታት  12 ስደተኛታት  ሒዞም  ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ  ከም ዝተመልሱ  አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ ሂቦም ።  እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዑቅባ ዝሀብዎም 12 ስደተኛታት  እምነተ ክርስትና ዝኽተሉ ዜጋታት ሶርያ ከም ዝኾኑ  ክአ አተሐሒዞም   አረዲኦም ።  ቅድሚ ሎሚ  ሐሙሽተ  ሕጻናት  ዝርከብዋ   ኤርትራዊት ስድራ ቤት ዝርከብዎብ  ስድራ ቤታት  ቫቲካን  ዑቚባ ከም ዝተዋህቡ  ይዝከር። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ሮማ ሰዓት  አቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተን  ፈረቃን ብድሐነ  ሰላም  ንመንበረ ሐዋርያ  ቅዱስ  ጰጥሮስ  ተመሊሶም።   

እዚ ሎሚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ናይ ቁስጢንጢንያ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ አተንስን ኹላዊት ግሪኽን  ቤተ ክርስትያን  ሊቀ ጳጳሳት  ብጹዕ ወቅዱስ  የረኒሞስ ካልአይን አብ  ግሪኽ  ደሴት ለስቮስ  ተረኺቦምን  ተራኺቦምን ነቶም  አብ ደሴት ግሪኽ  ዝርከቡ  ስደተኛታት ዘካየድዎ  ምብጻሕ   ሰብአዊን ክርስትያናውን  ምብጻሕ  ከም ዝኾነ። ብጹዓን  አበው  ተሳተፍቲ ሽግርን ጸበባን  ስደተኛታት  ከም ዝኾኑን   ቅድስቲ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን  ናይ ቁስጢንጢንያን ግሪኽን   አብያተ  ክርስትያናት  አብ ጐድኒ  ስደተኛታት  ከም ዘለዋን  ምስኦም  ከም ዝተሐባበራን ብሐደ  ወገን  በቲ ካልእ  ወገን ክአ  ዓለም  ለኸ  ማሕበረ ሰብ   ንጉዳይ  ስደተኛታት አቃልቦ ክህብን   ሰብአዊ ክብሮም ዝተሐለወ  ክኸውን  ንሽግር  ስደተኛታት  መሰረታዊ ፍታሕ  ክደሊ  ንምትሕስሳብን ንምምሕጻንን  ከም ዝኾነ  ብወገን  ቫቲካን ዝተዋህበ  መግለጺ የገንዝብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። አብ  ኮስን  ኪዮስን  ለቮስን ዝተባህላ ደሴታት ግሪክ  4.200  ስደተኛታት  ከም ዘለዉ ክምልከት እንከሎ  አብ ግሪክ  ንእሽቶ  ካቶሊካዊ ማሕበረ  ሰብ ከም ዘሎ  ክፍለጥ እንከሎ ናይ ሄላስ  ካሪታስ አቀባሊት ቃል  ማርስተላ ትሳማትሮፖሉ   ከም ዘምለከትኦ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ምስ ብጹዕን   አበው ሐቢሮም  ንስደተኛታት  ምብጽሖም  ነቶም  ስደተኛታት ዓቢ ተስፋን ሞራልን ከም ዝኾነን  ንተግባረ  ሰናይ ስራሕ ሄላስ ካሪስታስ ማለት ካሪታስ ግሪኽ ዘተባብዕ ከም ዝኾነ  መግለጺ ሂበን። እዞም አብ ደሴት ለስቮስ ዝርከቡ ስደተኛታት አብ ክልተ ዝተኸፍሉ ኮይኖም  አብ ሀገራት ኤውሮጳ ፖሊቲካዊ ዑቅባ ክሐቱ  ዝተፈቅደሎምን  በቲ  አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ አብ ሞንጎ  ሕብረት ኤውሮጳን  መንግስቲ ቱርክን ዝተግብረ ስምምዕ  መሰረት ናብ ሀገሮም ክምለሱ ተሰናድዮም ዘለዉ ከም ዝኾኑ  አቀባሊት ቃል  ካሪታስ ሄላስ  ማሪስተላ  ትሳማትሮፖሉ አገዝንዚበን። ስደተኛታት ሶርያን  ዒራቅን ፖሊቲካ ዑቅባ  ክሐቱ  መሰል ከም ዘለዎም ካብ ካልኦት ሀገራት ካብ አፍጋኒስታን ፓኪስታን ኢራን  ዝመጹ  ግን ናይ  ስደተኛታት ኤኮኖሚ ተባሂሎም ንድሕሪት ከም ዝምለሱ ጠቂሰን  ካሪታስ ሄላስ ንኹሎም ስደተኛታት ዓቅሚ ብዝፈቅዶ ብፍላይ ንደቀ አንስትዮ ሕጻናትን ንሽማግለታትን ከም ዝሕግዝ አተሐሒዘን ገሊጸን።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.