2016-04-19 15:46:00

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ለስቦ ንኤውሮጳ ጻዋዒት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ለስቦ ድሕሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ዓለም ንናይ ስደተይናንታትን ተመዛበልትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ የተባብዕ ምህላዉ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ሎሚ እውን ኣብ ማያት ባሕሪ ዓለም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕይወት ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዘጋጥም ሞትን ህልቂት ብሓቂ ዘሰንብ እዩ። እዚ ሕልቂት’ዚ ንምግታእ ዝካአል ክነሱ ብሱቕታ ምርአይን እቲ ዘጋጥም ዘስካሕክሕ ሞት ልሙድን ዘየስቆርቁርን ሕሊና ዘይትንክፍ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ብሓቂ የደንጽው፡ ብነኣሽቱ ጀላቦ ተጓዒዞም ክንድዚ ዝዀኑ እትዮም ገሊኣቶም ድማ ሬሳኦም ዝተረኽበን ገና ዘይተረኽቡ እናተባህሉ እዩ ዝግለጽ። ቅዱስ ኣቦና ስደተይናን ተመዛበልትን ሰባት ድኣ እምበር ቁጽሪ ከምዘመይኰኑ ድማ ዝተሓሳስቡ፡ እቲ ንሶም ዝፍጽምዎ ምብጻሕ እቲ ናይ ሰብኣዊ ዓቢይ ሽግር ብዓለም ሓቆፍን ብብሔራዊ ሓቖፍን ብዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ብቐዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ ዝክረ ነገር ክኸውን ከምዘለዎ እዮም ዝምዕዱ፡ ጸኣት ስደተይናታት ብኸመይ መገዲ ክፍታሕን ክመሓደርን ከምዘለዎ እዮም ዝሕብሩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰብኣውነት ክማእከል ዝብል እዩ። ዝሳቐዩን ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ሓለዋ ክግበረሎም እዮም ዘተሓሳስቡ። ነቲ ንሶም ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይ ብዙሓት ብዝተፈላለየ መልክዕ የንብብዎ ይዀኑ ናይቲ መልእኽቲ ዘየማትዕ ትርጉሙ ድማ ግብረ ሰናይ ንዝሳቐይን ንዝተናዕቀን ንዝሳደድድን ዝብል እዩ ኢሎም።

ኣብ ለስቦ ዘሎ ኩነታት ተመዛበልትን ስደተይናታት ዘንብዕ እዩ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ጸኣት ስደተይናታት ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዝገለጽዎን ገና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኽታሊ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኢጣሊያ ደሴት ላምፔዱዛ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስድተይናታት እዮም ዝገበሩ። ናብቶም ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ዝርከቡ ዘብሉ እዮም። እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን ጉዕዙ ክኸውን ይምዕዱ፡ እዚ ንሶም ብቓልን ሕይወትን ዝገልጽዎ ዘለዉ መልእኽቲ፥ ፍትሕን ሰላምን ዘረጋግጽ እውን እዩ፡ ሰላምን ፍትሕን ንደሊ እንተድኣ ኰይንና ክንገብሮ ዝግብኣና ንጹር ጉዕዞ ድማ ንሱ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብኽትዕን ባዶ ብዙዀኑ ተስፋታትን ኣይኰነን ዝፍታሕ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ ግና ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስታትን ኣብዚ ክትዕን ባዶ ተስፋን እዮም ዝመላለሱ ዘለዉ። ኩሉ መፍትሒኡ ድማ ይፈልጦ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.