2016-04-21 16:37:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ዓውደ ዘተ ዛዕባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ


ዕለት 18 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ተመሪሑ ዝተጀመረ ዛዕባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ ዝተመያየጠ መበል 14 ስሩዕ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ምሕደራ ዓውደ ዘተ ዕለት 20 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ከምእተጠናቀ ክምልከት እንከሎ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝደረስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓጐስ ከምእተቐበለቶ እቲ ጉባኤ ከምዘረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዝቕጽል ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ ከም ሓሳብ

ብናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ላዕለዎት ብፁዓን ካዲናላትን ብፁዓ ጳጳሳትን ዝምራሕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ምስ ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናይ ምስራቕ ስርዓት ምስ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲይን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ ናይ መላእ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ጠቕላሊ የሕሉቕን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ድሕሪ ዘካይዶ ርክባትን ምይይጥን ናይቲ ቐጻሊ ሲኖዶስ መርሕ ኣርእስቲ እንታይ ክኸውን ከምዝግብኦ ሓሳብ ከም ዘተኣኻኸበን እቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ዘጠቓልል ሰነድ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ ግምገማ

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ Ordo Synodi Episcoporum-ናይ ብፅዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምሕደራ ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ቅድስ ኣቦና ር.ል.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝሃብዎ ምዕዳን መሰረት በቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምሕድራ ሓልዩ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መምርሒ ሕጊ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕትን ዘቕረቦ ሓሳባትን ኣሞርኵይዞም ነቲ ዓውደ ዘተ ጸብጽብ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ዓውደ ዘተ ድማ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተመልኪቱ ርእዮቶ ከምዝሃበሉ ኣሊጡ።

ጉባእያውነት ብፁዓን ጳጳስት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ሓላፍነት ክጣመር

እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳስቦ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባእያውነት ዝብል ኣምር ጠሩሹ ካብቲ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍጻሜ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተነጺሉ ዝርአይ ከምዘይኰነ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ብምግላጽ ስለዚህ እቲ ጉባእያውነትን ሲኖዳሳውነትን ወትሩ ምስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥልጣን ዝተጣምረ እዩ ከምዝበለን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ዘተ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ብፁዓን ጳጳስት ናይ ሲንዶስ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣመስጊኖም ብፍላይ ሱታፌኣዊ ከይዱ ከምዝነኣዱ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.