2016-04-21 16:49:00

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፥ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ምእንቲ ስደተይናት ሓልዮ ክተግሁ


ብእንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ናይ ሮማ ሰበኻ ዘበገሶ ናይታ ሰበኻ ናይቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ መበል 38 ዓውደ ጉባኤኡ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳክሮፋኖ ዕለት 18 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ከምዝጀመረ እንክንገር፡ ኣብዚ ዕለት 21 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ዝተጠናቀ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ታግለን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ማሕበራውያን ጉዳያት ላዕለዎት ኣካላት ዘረባ ከስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ባርቢ እንከምልክታ፥ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራቸስኮ ሶዱ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከም ኣቦ መሓሪያን ኩኑ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ምንባሩ ሓቢሮም፡ ናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ካብ ዝቐውም መበል 45 ዓመት የቑጽር ምህላዉ ኣዘካኺሮም ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት ድማ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት የሳልጥ ከምዘሎን እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነብርዎን ዝገልጽዎን ዝምዕድዎን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ምኻኑን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ መዋቕራት ከከም ዕላማኦም ዝትግብርዎ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም ኣብ ናይ ዕለት 20 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ’ቲ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ብዙሕ እዋን ዳርጋ ኩላ ሳዕ ክበሃል እውን ይከኣል መራሕቲ ሃገራት ዓለም ድኻታት ስለ ዘየለዉ ዘይኰነስ ድኻ ክርእዩ ዘይደልዩ ብምዃኖም እቲ ድኻ ዘይምርአይ ዝብል ድላዮም ድኽነት ብምጥፋእ ዘይኰነስ እቲ ድኻ ከምዘየለ ጌርካ ብሓሳብን ብምንባርን ዝገልጽዎም ምዃኑን፡ ሓልዮትን ደገፍን ንምቕራብ በራት ሃገራት ምኽፋታ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቢ ዘሎ ማዕጾ ክዕጾው ዝድርኽ ተግባር እዮም ዘነቓቕሑ።

ኣብ ዓለም ድኽነት ካብ ምውጋዱ ብዝተፈላለየ መገዲ እናሰፍሔ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሕብረተሰብ ምዕራብ ከባቢ ዓለም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ሕጹጽ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕቖኦም ዝህቡን እቲ ሽግር ካብ ሱሩ ክመሓው ኣክንዲ ምዕያይ ፈላላይ መናድቕ ምቛም ከም መፍትሒ ገይሮም ዝሓስቡ ኮይኖም እዮም ዝረአየ ዘለዉ ከምብዘሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ናይቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ድምጺ ክስማዕን መራሕቲ ሃገራት ዓለም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ኣብ ለስቦ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘካይድዎ ምብጻሕ ከካይዱን ኩነታት ስደተይናታትን ድኻታትን ብቐረባ ከስተውዕሉ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ከምዘየለ ገርካ ምሕሳብ ማለት እቲ ጸኣት ስደተይናታት የሎም ማለት ኣይኰነን፡ መናድቕ ካብ ምቛም በራት ልባትናን ሃገራትናን ይከፈቱ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ መበል 38 ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዘተን መደባት ዘጠቓለለ ከምዝነበረ ጓራሺ ሓቢሮም ቤተ ክርስቲያን ንልብን ሕሊናን ሰብ እትዛረብ ምዃና ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝገልጽዎ ዝነበረ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣምር ሎሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጽዎ ከምዘለዉን ምእንቲ’ዚ ናይ ካሪታስ ማሕበር ቀንደይና ዕላማኡ ሰብኣዊ ፍጡርን እቶም ዝሳለጡ መደባቱ ድማ ኣተኵሮኦም ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝገበረ ምዃኑ አቲ ቅዱስ ኣቦና ብሓጹሩ ኣብ ለስቦ ብዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብተግባር ዝገለጽዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝስዕብ እዩ ከምዝበሉ ጋራሺ ኣፍሊጦም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝዘተየሉ ዝክረ ነገር ኣመርኵይዙ ኣብ ፍጻሜ ዘጠቓለሎ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሚሮምን ዝማላእ እንተሎ ወሲኾም ዝእረም እውን እንተሎ ኣሪሞም ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባር ኰይኑ ክግለጽን ክንበርን ንናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ኣገልግሎት መርሕ ንኽኸውን ክልግስዎ መታን ንኣኦም ከምእተረከበ ናይ ሰበኻ ሮማ ጨንፈር ካሪታስ ዘውጽእ መግለጺ ዝጠቐሱ ጓራሺ ገሊጾም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.