2016-04-23 16:35:00

Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት ኣብ ሓቂ ዝቖመ ኣተዓራቒ ርእየት


ምሕረትን ውህደትን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት በገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስትን ስዒቡ ድማ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ጸዋዕታን ተልእዀን ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ዝተኻየደ ኣብ ስድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ ዝዘተዩ ክልተ ሲኖዶሳት ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስድር ቤት ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘነጽር ዕለት 9 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ቅዱነቶም ፊርማኦም ዘንበርሉ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዕለት 8 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክዝከር፡ ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣመልኪተን ናይ ኢጣሊያ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ማሕበር ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሰረና ኖቸቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምዕዳን ብዛዕባ ፍቕርን ሓድሽ ቃል ብምቕራብ እታይነቱ ዝትንን ሓድሽ ስነ ሰብእን ስነ ክርስቶሳዊ ርእየት ዘቕርብ እዩ ኢለን፡ ምልስ ቢለን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ርእየት ካልኣይ ጉባኤ ዝትንት ምዃኑ እንክሕብራ፡ ማለት ካብቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆም ውሳኔታት ሓደ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባእያውነት ወይ ድማ ሲኖዶሳውነት ዝብል ኣብ ዙሪያ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቐውም ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሕድነት ቅዋመ ዘቃልሕ እዩ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ጊዜ እዚ ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ብተዛማዲ ባህሊ ኣብ ዝተጠቕዓሉ እዋን ዘለዎ ኣገዳስነት ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ምዕዳን እዩ። እቲ ምዕዳን ናይቲ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየዱ ክልተ ሲኖዶስ ጻማሬ እዩ። ጽማሬ እዩ ክበሃል እንከሎ ግና ቆሪጽካ ምልጋብ ማለት ዘይኰነስ ነቲ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ዘካትዔን ሓሳብ ዝተገብረሉ ምይይጥን ዝተውሃቦ ርእዮትን ግምትን ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተመረሔ ምሉእነትን ሓድነትን ዘልብሶ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ፡ ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሲኖዶስ ዝዝትየሉ ርእሰ ጉዳይ መሰረት ዝገብረ ናይ ሕቶ ሰነዳት ቅድመ ሲኖዶስ ኣብ 2014 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንብፁዓን ጳጳሳት ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያን ተመሓላሊፉ እዩ። ስለዚህ እቶም ዝተኻየዱ ናይ 2014 ደሓር ድማ ናይ 2015 ዓ.ም. ሲኖዳት ብፁዓን ጳጳሳት ጥራሕ ዘይኰኑስ ብዝተፈላለየ መገዲ መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ኣሳቲፉ እዩ፡ ኣብቶም ሲኖዳት እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጻኡ ምእመናን ሰብ ሓዳር ተሳቲፎም እዮም፡ እዚ እዩ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ ሲኖዶሳዊ ሱታፌ ስለዚህ እዚ ድማ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳዊ-ጉባእያዊ ኣስተውዕሎ እንክብል ዝገልጾ፡ ቤተ ክርስቲያን ሲኖድሳዊትን ጉባእያዊትን እያ እዚ ድማ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቐውም እዩ፡ ስለዚህ እቲ ብዛዕባ ስድራ ዝዘተየ ሲኖዶስ ስድራ ቤታዊ መልክዕ ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ እዩ፡ ካብዚ ተበጊሰን ድማ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነዚ ኵሉ ዘቃልሕ እዩ፡ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘዋስአ ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን ዝመስከረ እዩ ኢለን።

ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ትምህርቲ ዓንቀጸ እምነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነትን ቲዮሎጊያውን ኣስተንትኖ የሎን ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ ስድራ ቤትን መርዓን  ሰነ ስብኣውን ቲዮሎጊያውን  ኣብ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍስሓን ተስፋን ኣብ ዝብል ኣዋጅ ዝተመርኰዘ እዩ፡ እቲ ናይ 2014 ዓ.ም. ደሓር ድማ ስዒቡ ዝተኻየደ ናይ 2015 ዓ.ም. ሲኖዶስ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝዘተየ እዩ። ስድራ ቤት ወላድን ኣፍራይን ስድራ ቤታዊ ርክባትን ዝብሉ ባህርያት ስድራ ቤት ብፍቕሪ ዝግለጸን ዘንበበን እዩ። ነዚ እዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ሓዋርይዊ ምዕዳን ኣርእስቲ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት እንክብሉ ዝሰመይዎ፡ ቅዱስነቶም ፍቕሪ ዝብል ቃል ብዘይጭበጥ ረቂቕ ስን ሓሳብ ዘይኰነስ ብስነ ግብሪ እንታይነት ትርጉሙ እዮም ዝገለጹ። ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ምዕ. 13 ዘሎ ትርጉም ፍቕሪ ዘቃልሕ እዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ምዕራፍ ብዛዕባ ፍቅሪ እንክዛረብ ዝጥቀመሎም 15 ቃላት መገልጺ ፍቕሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ይትንትንዎ። ፍቕሪ ዝስባእ እምበር ዘይጭበጥ ረቂቕ ነገር ከምዘይኰነ ዝግለጽን ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ፍቑራትን ወለድን ውላድን ናይ ፍቕሪ ፍሪያማነት ብድላይ እግዚኣብሔር ዝተውሃበ ጸጋ ምዃኑን ስድራ ቤት ኣብ ሕብረተሰብን ቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻኡ ፍቕሪ ብስድራ ቤት ዝግለጽ ጭቡጥ ትርጉም ይትንትኑ፡ ስለዚህ እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ቲዮሎጊያዊ መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን መሰረት ዘለዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ ኢለን።

 ቀጺለን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ነቲ ዝካይድ ዝነበረ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣፍራዪት እንክብል ዝተጠቀሙሉ ቃል ዘኪረን ስለዚህ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሰብኣውን ቤተ ክስቲያናውን ማሕበራውን መንነት መለለዪ እዩ፡ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማሕበረሰብን ማእከል እዩ። ናይ ፍቕሪ ሓሴት እዋናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ ስድራ ቤትን ፍቕርን ቃል ኪዳንን ምስጢረ ተክሊልን እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.