2016-04-23 16:45:00

ዛምቢያ፥ ዛዕባ ተፈጥሮን ከባብን ዝዝትይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ጉባኤ


ምዝባዕ ካባቢ ኣየር ኣብ ልዕሊ ናይ ሕርሻ ኤኮኖምን ብሓፈሻኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያትን ዘለዎ ማሕታ ምግምጋም ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዛዕባ ምህዳር ዝዝትይ ዓወደ ጉባኤ ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብብሔራዊ ሓቆፍ ዘዳለዎ ዓበይቲ ምሁራትን ክኢላታት ስነ ምህዳርን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 25 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሉሳካ ክካይድ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ክሳተፉን ኣስተምህሮ ከቕርቡን ምዃኖም ኣመልኪቱ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ኣገዳስነት ክንክን ሓባራዊ ቤት ዝትንትን ዓዋዲ መልእኽቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘድምዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዛምቢያ ዘሎ ጸገም ምህዳር

ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ኣብ ሃገረ ዛምቢያ ዘኸትሎ ዘሎ ጸገም ዓቢይ ከምዝዀነን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ስነ ተፈጥሮ ኣየር ከይዲ ቢሉ ስነምርምራዊ ግምት ዘይሃበሉ ዝኽሰት ዘሎ ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ኣብ ናይታ ሃገር ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዓቢይ ዕንወት የስዕብ ምህላዉን ኣቲ ኣብቲ ዛምቢያን ዚምባብዌን ዘዳብው ከባቢ ዘሎ ዲጋ ካሪባል እውን ዋሕዲ ቅሙጥ ማይ የጋጥሞ ምህላዉን ሓይሊ ኤለትሪክ ክንክይ ብምግባር ድማ ሓይሊ መብራህቲ ብተባራረይ ኽባጻሕ ከምዘገደደ እውን እንክምልከት እዚ ድማ ንውድመት ናይታ ሃገር ሃብቲ ገርብ ይዳርግ ምህልዉ ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

እዚ ዅሉ ዝተተሓሓዘ ሽግር ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ክለኦፋስ ሉንጉ ብዛዕባ እቲ ንኽካይድ ዝተወሰነ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ከምዘመልከቱን እቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ክንክይ ዝድለ እንተድኣ ኰይኑ እንስዕቦ መደብ ልምዓትን ኣብ ምጥቃም ሃብቲ ተፈጥሮ ዝትግበር ሜላ ክግምገምን ክእረም ግድን እዩ ቢሎም” ከም ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ ጉባኤ ምንቅቓሕ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዝዀነን ስለ እቲ ኢደ ሰብ ዘስዕቦ ዘሎ ብከላ ከባቢ ኣየርን ሳዕቤናቱን ምስትውዓል ካብቢ ንምክልኻልን ንኽንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ዘሎና ሓላፍነት ዘበራብር እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.