2016-04-26 16:44:00

ብሔራዊ መዓልቲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህራን፥ ምሕረትን ሓሴትን


ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምሕረት ብቓልን ብግብርን እናተግበርካ ሓሴት ምምሃር ብዝብል ቃል ዝተመርሔ ናይ ቺለ ብሔራዊ መዓልቲ መምሃራን ትምህርተ ክርስትስ ዕለት 7 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ክበዓል ምዃኑ ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቲያን ካሮ ኮርደሮ ከምዝገለጹን በቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ተልእኾ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንሰብኣዊ ፍጥረት ምስክርነት ምሕረት እግዚኣብሔር ዝብል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ማምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ንደቁ ዘለዎ ርህራሄ መሰኻኽር እያቶም

ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ካሮ ኮርደሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣገልግሎት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ህያው ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ምምስካር ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ብሔራዊ መዓልቲ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕ. 12፡ 8 “..ክንምሕር (ክንርህር) ከሎና ብሓጐስ ንምሓር (ንራህርህ)” ዝበሎ ቃል ዘርምሔ ምዃኑ ገሊጾም፡ በዚ ቃል’ዚ መሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ናይ ትምህርት ክርስቶስ መምሃራን እግዚኣብሔር ንደቁ ዘለዎ ርህራሄን ምሕረትን ብምምስካር ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ እግዚኣብሔር ከቕንዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ኰይኖም ዝሓንጹ እያቶም ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.