2016-04-26 16:07:00

ናይ ኵዩበክ ብፁዓን ጳጳሳት መልኽቲ ብምኽንያት መዓልቲ ሰራሕተይናታት


ዕለት 1 ግንቦት ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስራሕተይናታት ምኽንያት ኣብ ካናዳ ናይ ኵዩበክ ብፁዓን ጳጳሳት፤ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብዝብል ኣርእስቲ ሰነድ ከምዘውጽኡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፥ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግብእነትን ብምትሕሓዝ ድማ እደ ጥበባዊ ምዕባለን ብፍላይ ድማ ኣብ ሕይወት ሰራሕተይናታት ዘለዎ ማሕታ ከምዝተንተኑ ገሊጹ።

እደ ጥበባዊ ለውጢ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘለዎ ሳዕቤን

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለን ለውጥታቱን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጥቕምን ስራሕ ኣብ መልዕሎን እቶትን ምክፋልን ኣብ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ጥርናፌ ዓቢይ ማሕታ ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ኵይበክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰነድ ተንቲኖም ብዝተራቐ እደ ጥበብ ዝመሓዙ ዘለዎ መጋበርያታት ፍጥረት ሰብ ይትክኡ ዶ? ኣብ ልዕሊ ክፍሊት ደሞዝ ስራሕተይናታት ዓቢይ ጸቕጢ ይህልዎ ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም እደ ጥበባዊ ምዕብለ ንሓይልን ብቕዓትን ሰብ ንምትካእ ዘይኰነስ ብሉጽ ዓለምን ሕብረተሰብን ምሕናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ደገፍ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ስለዚህ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንማሕበራዊ ኢፍታሓውነትን ዘይተመዓራረየ ሕብረተሰብን እቶትን መሰረት ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስራሕ ካብቲ ናይ ሕይወት ኣብ ምድሪ ትርጉም  ሓደ እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ኵዩበክ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ በቶም ብእደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝብጽሑ ዘለዉ መጋበርያታት ኣቢልካ ንዕዮ ስብኣዊ ፍጥረት ምትካእ ክብሪ ሰብ ምንሻው እዩ ዝኸውን። ስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ሕይወት ኣብ ምድሪ ሓደ ትርጉም እዩ ናይ ብስለትን ሰብኣውን ንናይ ሰብኣዊ ተራኻብነት ምዕባለ ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፍላይ ጠቒሶም እቲ እደ ጥበባዊ ምዕባል ኣብ ሕይወት ስራሕተይናን ስራሕን ዝፈጥሮ ማህሰይቲ ክውገድን ሕብረተሰብ ናይ ሰራሕተይና ክብሪ ንምዕቃብ ኣብ ሓደ ዓቢይ ናይ ስራሕ ሕንጸት እማመ ክጠራነፍ ይግብኦ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዘና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብ ምዕባለ ሰብኣዊ ሃብቲ ክትኰር

ናይ ኵዩበክ ብፁዓን ጳጳሳት ከም ኣብነት ምዕባለ ናይ ኢድ ተለፎንን ካልኦት ዝረአዩ ዘለው ኣብ ልዕሊ ዕዮን መነባብሮን ብሓፈሻኡ ኣብ ኵነት ሰብኣውነት ዓቢይ ለውጢ ዘተኣታትው ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕበል ጠቒሶም እዚ ዅሉ ምዕባለ ናብ ናይ ሰብኣውነት ሃብቲ ዝድርኽ ኽከውን ኣለዎ፡ ናይ ስራሕ ዕድልን ዝተመዓራረየ እቶት ዘረጋግጽን ብጠቕላላ ማሕበራዊ ውህደት ዘምጽእ ክኸውን ይግብኦ ቢሎም፥ እደ ጥበባዊ  ምዕባለ ብዘይምዅናን ኰይኑ ግና ንድኻታትን ጽጉማትን ዝተነጸሉን ነዚ ዝረአይ ዘሎ ምዕባለ ክስዕቡ ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ዘይነጽግ ክኸውን ብትኽክል ምምሕዳሩ የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ፍጥረት ሰብ ከም በዓል ቤት ድኣ እምበር መጋበርያ ከምዘይኰነ ምፋላጥ ማለት ንናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ መጋርበሪያ ዘይኰነስ ኣብ በዓል ቤታውነት ምሕናጽን ብዝተፈላልየ ዕዮ ኣቢሉ ድማ ዘለዎ ናይ ምህዞ ብቕዓት ክገልጽን፥ ስለዚህ ኩሉ ብቑዕ ሙያዊ ሕንጸት ናይ ምርካብ መሰሉ ክኽበረሉን ኣብዚ መዳይ ብመድብ ሕንጸት ክስነይ ይግብኦ ከምዝበሉ የመልክት።

ንናይ ከባቢ ትካላት ዕድል ምፍጣር

ነቲ ብስእነት ስራሕ እዚዩ ዝጥቓዕ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሉ ክብ ንኽብል ብዝድግፍ መገዲ ናይ ከባቢ ትካላት ምድጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ብፁዓን ጳጳሳት ኵዩበክ ኣብ ዘውጽእዎ ሰነድ ሓቢሮም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን በዚ መገድ’ዚ ድማ ማሕበራዊ ውህደት ምሕያል ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፥

ኵሉ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ግዴኡ ከበርክት ምድጋፍ

ብፁዓን ጳጳሳት ኵዩበክ ዘመሓላልፍዎ ሰነድ እንከጠቓልሉ፥ ኵሉ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ከከም ጸዋዕታኡ ግዴኡ ከበርክት ጻውዕቲ ብምቕራብ ኵሉ ሽግር መፍትሒ ንኽረክብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ ዝጥርንፍን ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ግዴታኡ ከበርክት ዘብቅዕ መደብ ክሕንጹን መንግስትን ናይ ሕንጸት ተቛማትን ሓነጽትን ትካላትን ብሓፈሻኡ ኵሉ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣሚቱ ነናቱ ግደ ከበርክት ከነቓቕሑ ይግባእ ቢሎም፡ ኵል ዘለዉ ዑቑር ሓይሉ ብስራሕ ኣቢሉ ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ፍጥረት ዘንበሮ ኣሰሩ ክዅላዕ ክገብሩ ዝተጸውዔ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.