2016-04-26 20:10:00

ጸሎተ ኃሙስ ፳ ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. (4/22/2016)


ጸሎተ ኃሙስ ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ ዝተራእየላ ዕለት እያ። ክርስቶስ ቅድሚ ሞቱ ንሓዋርያቱን ኩሎም ተከተልቱን ኵሉ ጊዜ ምስኦም ከምዝነብር ክገልጸሎም ኢሉ ምስጢር ቅዱስ ቍርባንን ክህነትን ሰሪዕሎም። “እዚ ኩሉ ጊዜ ብሓደ ክትእከቡ ከሎኹም ንዝኽረይ ግበርዎ እናበለ” ተማሕጺንዎም። “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ክእከቡ እንከለዉ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ” እናበለ ኵሉ ጊዜ ብሓደ ልብን መንፈስን ክጉዓዙ ከለዉ ከምኡ አብ ጸሎትን ሰናይ ግብርን ክጽመዱ ከለዉ ምስኦም ከምዘሎ ገሊጽሎም።

አብ ባህሊ ብዙሓት “ለበዋ” ከቢድን ሓላፍነታውን እዩ። ብለበዋ ዝተሓድገ ብሕጊ እውን ዳርጋ አይቅየርን እዩ ከም ዘለዎ ኢኻ እትፍጽሞ። ኢየሱስ ነቶም ዘፍቅሮም ዝነበረ አብ መንግኦም ከምዘሎን ከም ዘፍቅሮም ዝገልጽ ለበዋ ገዲፍሎም። ነዚ ለበዋ እዚ ክገብሩ ከለዉ ኵሉ ጊዜ ምስኦም ስለ ዘሎ ዝመጽአ ይምጻእ ካብ ፍቕሩ ዝፈልዮም ሓይሊ አይተረኽበን። መአዲ ቅዱስ ቍርባን ሓይልናን ተስፋን እዩ በዚ ኢና ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እንብሎ። ንሱ ብርእሱ አብኡ ስለ ዘሎ ዝኸብደና ነገር የብልናን ወላ እኳ አብ ገለ እዋናት ነገራት እንተ ኸበዱና።

ቤተ ክርስትያን አብቲ ለበውኡ ዝሃበና ዕለት ምስጢረ ክህነት ከም ዝተሰርዐ አብ ትምህርታን  ትውፊትን ትነግረና። ነቶም ናይ ቀረባ ተኸተልቱ በዚ ዕለት ንፍሉይ ዓላማ ከም ዝሓረዮም ብዝያዳ ገሊጽሎም። አብ ትምህርቱ ብዙሕ ንጸዋዕትኦም ዝገልጽ ተዛሪብዎም እዩ፥ “አነ እየ ሓርየኩም” “ተፍቅሩኒ እንተ ኾንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ” “እቲ ካባኹም ዓቢ ክኸውን ዝደሊ አገልጋሊ ይኹን” “ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዓ”. . . . እናበለ ፍሉይነት ሕርየቶምን ተልእኮኦምን ተዛሪብዎም ነሩ። አብ ዕለተ ኃሙስ ናይ እቲ ኹሉ ዝበሎም ጠርናፊ ሓላፍነት አልቢስዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ የካቲት 22 2007 “Sacramentum Caritatis” “ምስጢር ፍቕሪ” ዝብል ሓዋርያዊ መግለጺን ትምህርትን ሂቦም ነሮም አብዚ መሰረት ገረ ናይ ሎም ዘበን ጸሎተ ኃሙስ ክነስተንትን።

መዓርገ ክህነትን ምስጢረ ቅ. ቍርባንን አብ ጸሎተ ኃሙስ እዩ ሰሪዑልና። እዚ ኸአ ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን አብ ዘፅ 12፡8-14 ዘሎ ብዛዕባ ፋሲካ አይሁድ መሰረት ገርና ኢና ክንርድኦ ዘሎና። ፋሲካ አይሁድ ቀንዲ ተዘክሮኡ እስራኤላውያን ነቲ ካብ ባርነት ግብጺ ዝወጽኡሉ ዕለት ንምዝካር እዩ እዚ ኸአ መስዋዕቲ ገንሸል ብምሕራድ ይዝክርዎ። እስራኤላውያን ነዚ ብዓል ከብዕሉ እንከለዉ እግዚአብሔር አብ ዝሓለፈ ንዝገበረሎም ንምዝካርን ከምኡ ነቲ አብ መጻኢ ንዝገብረሎም ናይ ምድኃን ሓልዮቱ ከይፍለዮም ንማለት እዮም ዘብዕልዎ ነሮም። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ነዚ ክገብሩ ዝግድዶም ዝነበረ ህዝበ እስራኤል ብተደጋጋሚ ነቲ አምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ከውጽኦም ንዝገበረሎም ይዝንግዑን ይጠልሙን ስለ ዝነበሩ ከምኡ አብ ሕይወቶም ብምዕዛብ እቲ ጎደና ሓርነት ጌና ካብ ባርነት ኃጢአትን ባርነት መግዛእትን አብ መፈጸምታ ከምዘይበጽሐ ይርእዩ ስለ ዝነበሩ ከዘኻኽሮም አምላኽ ጥራሕ ከምዝኾነ ክረድኦም ዝኽእል ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ነዚ ብዓል ብፍሉይ መንፈስ ይዝክርዎ ነሮም። በዚ ምክንያት አብ መጻኢ ዝበለጸ ተስፋን ነባሪ ድሕነትና ዝረኽቡሉ ክምነዩን ክርእዩን ጀሚሮም። ነዚ አብ ግምት ብምእታው እዩ ኢየሱስ ቅ. ቍርባን ዝሰርዐ።

ናይ ኦሪት ገንሸል ጎደሎ አካል ዘይኮነ ተባዕታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ደም ናይ እቲ ገንሸል አብ ልዳቶምን መዓጽኦምን ክለኽይዎ አለዎም እዚ ኸአ ንምድኃኖም ካብቲ ዝመጽእ ምዓት ንኹሎም በዅሪ ግብጺ ዝቐተለ እዩ ነሩ።

እዚ ደም ናይ እዚ ገንሸል ካብ ባርነት ግብጺ ከም ዝወጹ አብ ምድሪ ተስፋ አብ መሬት ነጻነት ከም ዝአትዉ ገርዎም። እዚ ፍሉይ ነገር እዩ እዚ ገንሸል ምስ ተበልዐ ነቶም ህዝቢ አብ መገዲ አብ ጉዕዞ አጽኒዕዎም ሓደ ህዝብን ወገንን ከምዝኾኑ ገርዎም።

አብ መዓልቲ ጸሎተ ኃሙስ ኢየሱስ ንሱ እቲ ሓቀኛ ገንሸል መስዋዕቲ ከምዝኾነን ካብ ናይ ኃጢአት ባርነትን ካብ ኵሉ ባርነት ዓለም ነጻ ዘውጽእ ከም ዝኾነ ገሊጹ። ንሱ ዝኾነ ጉድለት ዘይርከቦ ንህዝበ አምላኽ ምሉእ ነጻነት ዘጎናጽፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይኑ ንርእሱ ከም መግቢ ሕይወት ዘቕርብ እዩ።

ኢየሱስ ነዚ ናይ ፋሲካ ገንሸል አብ ባህሊ አይሁድ አብ ርእሱ ተኪኡ ብምቕራቡ ትርጉም ሞቱን ትንሣኤኡን ሓቀኛን ዘለዓለማዊ ነጻነት ንኹልና ከምዝኾነ ገሊጹልና። በዚ ምኽንያት ከአ ንብሉይ ኪዳን አብ ፍጻሜ አብጺሑ ሓዲስ ኪዳን ፍቕሪ መስሪቱልና።

“ነዚ ንዝኽረይ ግበሩ እናበለ” ክእዝዘና እንከሎ ነቲ ዝህበና ዘሎ ህያብ ፍቕሪ መልሲ ክንህበሉን ከምኡ አብ መንጎና ብምስጢር ህያው ክንገብሮ ይደልየና። ንሓዋርያቱ መስዋዕቲ ቅዳሴ ጥራሕ ከዕርጉ ከለዉ አብ መንግኦም ሕያው ከምዝኸውን አይነገሮምን እንታይ ድአ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩ ከምኡ ነነድሕዶም ብፍቕሪ ክወሃሃቡ አዚዝዎም። ነዚ ክንገብር አብ ጭቡጥ ኩነታት ሕይወትና አብ ሕማማቱ ክንሳተፍ ንርእስና ከም ገንሸል ክነቕርብ ፍቕደኛታት ክንከውን የድልየና።

በዚ አገባብ ቅዱስ ቍርባን ተሓድሶን ለውጥን ሕይወትና ከም ሓቀኛ መግብን ወይንን ኮይኑ አብ ሥጋኡን ደሙን ከም እንልወጥ ይገብረና። አቦና በነዲክቶስ XVI “ነዚ ቅጽበታዊ ለውጢ . . . ከም ኑክለራዊ ምምቕቓል አብ ልቢ ኩሉ ፍጥረት ሰንጢቑ አትዩ ለውጢ የምጽእ፥ እዚ ለውጢ እዚ ሓቀኛ ለውጢ ዘምጽእ፥ አብ ናይ ምሉእ ዓለም ተለውጦ ራእዩ ዝመርሕ፥ አብቲ አምላኽ ብምልኡ ዘልኦ ዘምርሕ እዩ” ይብሉ።

በነዲክቶስ ብምቕጻል “ብቃሉን ብህብስትን ወይን ጎይታና ቀንዲ ዝኾነ ነገር አብዚ ሓዲስ ስርዓት አምላኾ ገሊጹልና። ቤተ ክርስትያን እታ መርዓቱ መአዲ ቅዱስ ቍርባን መዓልታዊ ምእንቲ ዝኽሩ ክትሰርዕ ተሓርያ/ተጸዊዓ። ንሳ ነቲ መድኃኒ መስዋዕቲ መርዓዊአ ክፍሊ ታሪኽ ደቂ ሰብ ትገብሮ እሞ ምስጢራዊ ህላዌኡ አብ ኵሉ ባህልታት ህያው ትግብሮ።

ሎሚ ፍሉይ ርክብ አብ መንጎ ቅ. ቍርባንን ጸጋ ክህነትን ዘሎ ኢና ነብዕል ዘሎና። እዚ ናይ ክልቲኡ ምስጢራት ርክብ ካብቲ ኢየሱስ ባዕሉ አብ ናይ መጨረሻ ድራር እንከለዉ ዝበሎ እዩ ምንጩ “ነዚ ንዝኽረይ ኢልኩም ግበርዎ”።

ኢየሱስ ቅድሚ እታ ዝሞተላ ለይቲ ቅ. ቍርባን ሰሪዑ ሽዑ ክህነት ሰሪዑ። ዝኾነ ካህን አብ ክህነት ክርስቶስ ይሳተፍ አብዚ ክነስተውዕል አሎና “ይሳተፍ” ኢና ንብል ዘሎና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ XVI ዘገድስ ርክብ ነዚ ብዝርኢ ንሕና ካህናት ከአ አብ ልብና ክነሕድሮ ዝግብአና ነገራት አልኦ፡

       1. ቤተ ክርስትያን ብቝዕ ክህነት ሓደ ካብቲ ቀንድን አድላይን አብ ምስራዕ ቅዱስ ቍርባን ኢዩ ኢላ ተስተምህር። እዚ ማለት ከአ ዘይብቝዕ ክህነት ቅ. ቍርባን ክሰርዕ አይክእልን፥ ክርስቶስ ብሓቂ አብኡ የለን፥ ዘዕርጎ መስዋዕቲ አይኮነን፥ ቍርባን የብሉን። ብዙሓት ምስቲ ቤተ ክርስትያን እተፍቅዶ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝመሳሰል ዝገብሩ አለዉ ግን ማንም ህብስትን ወይንን እዩ እምበር ቅ. ቍርባን አይኮነን። ዝኾነ ቅዳሴ ብቝዕ ክኸውን ብብቝዕ ክህነት ዝተቐበለ ክዓርግ አለዎ።

ካህን መስዋዕቲ ቅዳሴ ከዕርግ እንከሎ ክርስቶስ እዩ ባዕሉ ዘዕርጎ ዘሎ። አብ ነፍሲ ወከፍ መንበረ ታቦት ኮይኑ ብአካልነት እቲ ካህን ኮይኑ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝሰርዕ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። በነዲክቶስ ካብዚ ዛዛሚ ሓሳብ የቕርቡ ሓዲስ አይ ኮነን ግን ንካህናትን ንኹልናን ብሓቂ ዘሕስበና እዩ።

       2. ነዚ አብ ግምት አእትዩ ዝኾነ ካህን አብ አገልግሎቱ ግላዊ ርድኢቱ ወይ ሓሳቡ ንአገልግሎትን ትምህርትን ቤተ ክርስትያን ከእቱ ክፍትን እውን የብሉን ናይ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ከእቱ ዘለዎ። ምናልባት ሓደ ክህን ከምኡ ክገብር እንተ ተፈተነ ምስቲ መሰረታዊ መንነት ክህነቱ ዝገራጮ እዩ ዝገብር ዘሎ። ካህን መጀመርያ አገልገሊ ናብ ካልኦት ልኡኽ እዩ። አምላኽ ብቤተ ክርስትያን ገሩ ልአኺ እዩ። ንሱ አብ ክርስቶስ ገጹ ዝሕብር ምልክት ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ናይ ጎይታ ቀሊል መጋበሪ ክኸውን እዩ ዘለዎ። ንሰባት ምስ ክርስቶስ ምፍላጥቶም እዩ ቀንዲ ተልእኮኡ።

ካህን ነዚ አብ አብ ተግባር ብትሕትና አብ ስርዓተ አምላኾ አብ ዝገብሮ አገልግሎት ከርእዮ ይግባእ።  ዝኾነ ግላዊ ክእለቱ ወይ ጠባያቱ ዝገልጽ ከይከውን አብ አገልግሎቱ ዓቢ ምጥንቃቕ ከርኢ አለዎ። ክህነት ብቐሊል አብ ናይ ግልና ነገራት ክንጠውዮ ስለ ዝክአል ምስትውዓል የድሊ። ካህን ዕለት ዕለት ክህነተይ ከመሎ ክብል አለዎ።

ብሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ክንውድእ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝተሰርዐ ንክርስቶስ ከምስለና ንማለት እዩ። እዚ ሓዲስ አይኮነን ንአና። ዕለት ዕለት ቅዱስ ቍርባናዊ ሕይወት ክነብር አሎና እዚ ማለት ከአ ንኻልኦት እንገራ ክንከውን አሎና። ሓደ ካብቲ ዘሰንብድ ዝብልዎ አብ መወዳእታ ነዚ ክንገብር እንተ ኸአልና አብ ሰምዕትነት ገጹ ክወስደና እዩ ይብሉ። እዚ ሓዲስ ሓሳብ እዩ ንኹልና። ኢየሱስ ንአና ሕይወት ምእንቲ ክህበና ኢሉ ደሙ አፍሲሱ ስለዚ ንሕና እውን ቅ. ቍርባን አባና ከምቲ ዝግባእ ክዓዪ እንተ አፍቀድና ንርእስና መን መኳና ክንፈልጥ ኢና ማለት ሓደ መዓልቲ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንሕና እውን ምእንቲ ፍቕሪ አምላኽ ኢልና ደምና ክነፍስስ ኢና።

በዚ ፍሉይ ብዓል እምብአር አብ መአዲ ክርስቶስ ብምልኡ ንጽሕና ክንቀርብን ክንቅበልን ብዝያዳ ንሰናዶ። ክህነት ህያብ እዩ ንወሃቢ አምላኽ እናአመስገና ንቤተ ክርስትያኑ ብቅዱሳን ካህናት ክባርኻ ኩሉ ጊዜ ምእንቲ ካህናት ንጸሊ።

 ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ተሳቲፍና አብ ብርሃን ትንሣኤኡ ብሰላምን ፍቕርን የብጽሓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

 








All the contents on this site are copyrighted ©.