2016-04-26 20:13:00

ዓርቢ ስቕለት ሚያዝያ 29 2008 (5/29/2016)


ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ክሳብ ሞት ከም ዝተአዘዘ ክገልጽ እንከሎ “ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ” (ፊሊጵ 2፡8) ይብል። ናይ ክርስቶስ ተአዝዞ ካብ ፍቕርና ዝተበገሰ ምእንቲ ድሕነትና እዩ እምበር ካልእ ተጽዕኖ ሃልይዎ ወይ ዝገደዶ አልዩ አይ ኮነን። ቅ. ዮሓንስ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና እዚ ኸአ ኵሉ ንሱ ዝገብሮ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ እምበር ዝግድዶ የለን። ባህሪ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ክጸልእ አይ ክእልን እዩ፥ ሰብ እዩ ንፍቕሪ አምላኽ ሓዲጉ አብ ክኾኖ ዘይግብኦ ዝኸውን። አምላኽ ዝልዓለ ፍቕሩ ሓደ ወዱ አብ መስቀል ምእንታና ክስቀል እንከሎ ገሊጹልና ነዚ ፍቕሪ ኢና ሎሚ ዘኪርና ዘሎና።

አምላኽ ሰብ ክኸውን እንከሎ ንርእሱ ኢሚንት ቆጺሩ እዩ ዝኸውን እዚ ማለት ከአ አብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ፈጣሪ መልክዕ ፍጡር ለቢሱ ንአና መሲሉ ቀሪቡና፥ እዚ ኹሉ ንሕና አብኡ ክንምለስ ምስኡ ዕርቂ ክንረክብ እሞ ደቂ ሰማይ ክንከውን እዩ። አምላኽ እምብአር ክንሰምዖ ንአኡ ክንመስል ወትሩ ምስ ደለየና እዩ። አብዚ ዕለት ዓርቢ ክንሰምዖ ክንመስሎ ክንእዘዞ ሕራይ ክንብሎ ኢና ንሕተት ዘሎና። ክርስቶስ ንአይ ምሰሉ ይብለና። ተፈጥሮና ንአምላኽ ክንመስል እዩ ስለዚ መልክዐይ ንመን ይመስል አሎኹ ኢልና አብ ዕለተ ዓርቢ ዝተገልጸልና ፍቕሪ አምላኽ ከም መስትያት ተጠቒምና መልክዕና ንርአ።

አብ ዘሎናዮ ዘመን እቲ ዝኸበደ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ብኻልእ ክእዘዝ ወይ ክንገር አይደልን። ሕይወት ብዙሓት አብ ንአይ ጥዓመኒ ዝዘምበለ ስለ ዝኾነ ክእዘዝ ይጽግሞ። ተአዝዞ ከም ተጽዕኖ ወይ ከም መሰልካ ምግፋፍ ተወሲዱ አይ ግድሰካን/ክን እናበልና ብሰባት ዝመጽእ ዝኾነ ምኽርን ሰናይ ቃልን ምስማዕ ንአቢ። እዚ አብ ርክብ ሰብ ሓዳር ከምኡ አብ መንጎ ስድራ ቤት ንስለ ፍቕሪ ኢልካ ምእዛዝ ስለ ዝተረፈ ክንደይ ስድራ ቤታት ዘይተበታተና ዘይተሳቐያ።

ንመን እየ ክእዘዝ ዘሎኒ? እዚ ሕቶ እዚ አብቲ አብ መን እየ ክአምን ዘሎኒ አብ ዝብል ከብጽሓኒ ይኽእል። እቲ መልሲ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ናይ ቤተ ክርስትያነይ ትምህርቲ ድየ ክእዘዘ ዘሎኒ? ናይ ብዙሓት ዝብልዎ ድየ ክአምን ዘሎኒ? ብዙሓት ዝአምንዎ ዝስዕብዎዶ ክአምን ክእዘዝን? ወይስ ንገዛ ርእሰይ ክእዘዝ?

ካብ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዝመጽእ ነገራት ምእዛዝ ንመሰላት ወይ ግቡአት ብዓል ስልጣን ምቕባል እዩ። እዚ ኸአ እዩ አብ ዘመና ንብዙሓት ሰባት አጸጊሙ ዘሎ። ንመን እየ ክእዘዝ ዘሎኒ? መን እዩ ዝለዓለ ብዓል ስልጣነይ ክኸውን ዘለዎ?

ንአና ካቶሊካውያን እቲ ጉዳይ ንጹር እዩ። ንትምህርቲ አምላኽ ብክርስቶስ ዝተመሃርናዮ ብቤተ ክርስትያን ዝመጽአና ኢና እንአምን። ንቤተ ክርስትያን ክንእዘዝ እንከሎና ንኢየሱስ ከም እንእዘዝ ንፈልጥ ኢና፥ ንኢየሱስ ክንእዘዝ እንከሎና ኸአ ንሰማያዊ አቦና ከም እንልአኽ ዘሎና ንአምን ኢና።

አብ ታሪኽ ክርስትናና ዝተፈላለዩ መናፍቓን ንአይ ስምዑ አነ እየ ሓቂ ሒዘ ዘሎኹ እናበሉ ንብዙሓት ካብ ሓቅን ካብ ክርስቶስን ዘርሓቍ ውሑዳት አይ ኮኑን። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ባህሊ ክርስትና ዝሓዘ ዝመስል ግን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ጨሪሹ መንፈስ ክርስቶስ ዝርሓቖ ንብዙሓት መንእሰያት ብፍላይ ካብ እምነቶምን ስድራቤቶም ፈልይዎም ዳርጋ ወራር ኮይኑ ንርእዮ አሎና። ንክርስቶስ ረኽቢዮ እናተብሃል ጥዑም ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ እናጠቐስካ እዚ እዩ እቲ ሓቂ እዚ እዩ ክርስቶስ ዝመሃሮ እናበሉ ንብዙሓት ደቅናን አሕዋትናን ዋና ከምዘይብለን አባግዕ ይምንጥሉ ንርኢ አሎና እቲ ሓቂ አበይ አሎ? ከመ ገርና ኢና ንሓቀኛ እምነት ክርስትናና ክንምስክሮ ወይ ክነረድኦ እንኽእል? ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ ንአይ ዝሰምዐ ንአኹም ሰምዐ ንአይ ዝአበየ ንአኹም አበየ ኢልዎም። ንፍሉያት ሓዋርያት እዩ ሓላፍነት ምምራሕ ሂብዎም። ነፍስወከፍ ከም ዝተረድኦን ዝሰምዖን ንእምነት ክገልጽ ባህሪ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ አይ ኮነን ነዚ ክትፈትሕ ቤተ ክርስትያን አብ ታሪኻ ዝተፈላለየ ጉባኤታት እምነት አካይዳ። ብጉባኤ ኸአ ክንአምኖ ዘሎናንን ክንእዘዞ ዘሎና መምርሒ በብእዋኑ ትህበና። እምበር ነፍስወከፍ ከም ዝተረድኦን ዝስምዖን እንተ ገበረ ባህሪ ቤተ ክርስትያን ክንቅይር ንፍትን አሎና ስለዚ ነታ ክርስቶስ ዝሃበና ቤተ ክርስትያን ከምቲ ንሱ ዝበለና ንስዓባ።

ተራ ናይ ሓደ ክርስትያን በቲ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሓ እትህበና ትምህርቲ ክንምራሕ አብ ገለ እዋን ክንርድኦ ክንቅበሎ ይኸብደና ይኸውን እንተ ኾነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ክንቅበሎ እዩ ዝግባእ። ክርስቶስ አብ ዕለተ ዓርቢ ክስቀል ክመውት እንከሎ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያቱ ከይተረፈ ክርድእዎ ክቕበልዎ አጸጊምዎ። ቅ. ጴጥሮስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕማማቱ ምስ ነገሮም እዝስ አባኽ እይረድ ንየው በሎ ምስ በሎ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ ንስኻ ናይ ሰብ ኢኻ እትሓስብ  እናበለ ገኒሕዎ። ድሕሪ ትንሣኤ ኩሉ በሪህሎም ደፊሮም አብ አደባባይ አብ ቤተ መቕደስ ንትንሣኤ ክርስቶስ ሰቢኾም እዚ እዩ ምስጢር ምእነትና። መለክኢ እምነት አፍልጦና አይኮነን ስለዚ ክንቅበል ክንሰምዕ አሎና።

ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ርድኢት ወይ አፍልጦን ድለትን ጥራሕ ክኽተሉ እንከለዉ ምልክት ጥፍአት ዓለም እዩ። እዚ እዩ ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ዝገበርዎ ኃጢአት። አምላኽ ክገብርዎ ዘለዎም ክሳብ ክንደይ ዝፍቀዶም አነጺሩ ነጊርዎም። “ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፥ ካብአ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብአ አይትብላዕ” (ዘፍ 2፡17) እናበለ አዚዝዎም ግን ንቃል አምላኽ ምእዛዝ ምኽባር አብዮም ነቲ ሓሶት ዝኾነ ናይ ተመን ዘረባ ሰሚዖም። ኃጢአቶም ከስ ዘይምእዛዝ እዩ፥ እቲ እንኮ ምድኃኖም ዝመጽእ ብምእዛዝ ጥራሕ እዩ። አብዚ ክነስተንትኖ ዘሎን ብምእዛዝ ከም ዝደኃና ሓሲብናዮ ንፈልጥዶ? ቅ. ጳውሎስ ነዚ ብተአዝዞ ዝመጽአ ድሕነትና ክገልጽ እንከሎ “ብዙኃት ብዘይ ምእዛዝ እቲ ሓደ ኃጥአን ከምዝኾኑ ከምኡ ኸአ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ብዙኃት ጻድቃን ኪኾኑ እዮም” (ሮሜ 5፡19) ይብል።

አብዚ እዋን ሓደ ዓቢ ምልክት አብ ኵሉ ክርአ እሞ ክፈልጥዎ ክንገብሮ ዘሎና “ተአዝዞ የድሕን” ዝብል እዩ። አብ መስኖ ተአዝዞ እዩ ድሕነት ዝዛሪ። ኢየሱስ ነዚ አብ ሕይወቱ ጽቡቕ ገሩ ገሊጹልና “ኦ አቦይ ፍቓድካ እንተ ኾይኑ ነዛ ጽዋዕ እዚአ ኻባይ አኅልፋ ግናኸ ፍቓድካ ድአ እምበር ፍቓደይሲ አይኹን እናበለ ጸለዩ” (ሉቃ 22፡42)። ክሳብ ክንደይ ኢና ንፍቓድና እንፈቱ። ሰብ ዝስምዖ ዝደልዮ ክገብር ኵሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ፥ አብዚ እዩ እቲ ውሽጣዊ ውግእ ድላይና ወይ ድላይ አምላኽ አብ ምግባር ዝጅምር። ክርስቶስ ጽቡቕ ገሩ ምሂሩና። ንአይ ምሰሉ ኢሉና ንሱ ኽአ ንሰማያዊ አብኡ እዩ መሲሉ። ንክርስቶስ ምምሳል ማለት ንድላይ አምላኽ ምግባር ማለት እዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ከቢዱና ዘሎ ድላይና ክንገብር ስለ እንደሊ ንሱ ኸአ አብ ጸላም አብ ህውከት አብ ስሳዐ ኮታ አብ ኩሉ ግብረ ክፍአት ስለ ዝወስድደና እዩ። ዕለተ ዓርቢ ንድለትና ክንሓድግ ክሳብ ሞት ክንበጽሕ ከም ዘሎና እዩ ዝነግረና። ንፋስ አብ ዝነፈሶ እንተ ተጎዓዝና አብ መንጎ ጸልማት ከርኽበና እዩ ሽዑ ብርሃን ኢየሱስ ከይረአና አብ ሓሸውየ ክነብር ኢና ስለዚ ንጠንቀቕ ድላይ መን እገብር አሎኹ ንበል።

ብዙሓት ሎሚ እዚ እየ ዝደሊ. . . እቲ ባ. . . . ድለተይ ክገብር እየ ዝደሊ፥ ነዚ ትምህርቲ እየ ዝቕበል ነቲ አይቅበሎን፥ ነዚ ትእዛዝ እየ ዝእዘዝ ነቲ ግን አይፋለይን ምኽንያቱ ብርድኢተይ እቲ ትእዛዝ ጌጋ እዩ። ቤተ ክርስትያን እዚ ኃጢአት እዩ ትብለና አይሰማምዓሉን እየ፥ ነዚ ክትገብር አሎካ ትብል አነ ግና ከምኡ ክብሃል አይደልን እየ ንአብነት ሰንበት ቅዳሴ ስማዕ ትበለና አነ ግን እንተ ጠዓመኒ እየ ዝሰምዕ ወይ ደስ እንተ በለኒ እየ ዝሰምዕ ንብል።

ከምዚ ዝአመሰለ ርድኢትን መንፈስን ዘልኦ ክትእርሞም ክትቅይሮም ብጣዕሚ ከቢድን ዘሕዝንን እዩ። ብዙሓት አብቲ ዝበልዎ ጸኒዖም ንሓቅን ንድሕነትን ነቒጾም ይአብዩ። አነ ሓሳበይ አሎኒ ንስኻ ሓሳብካ አሎካ ቤተ ክርስትያን ናታ አልአ ኢየሱስ እውን ናቱ አለዎ ግን ካብ ኩሉ ዝበለጸ ሓሳባተይ እዩ ዳርጋ ኢና እንብል ዘሎና።

ንጸጋ አምላኽ ምእዛዝ ምስ አበና አባና ድሕነት የለን። ዘይምእዛዝ ናይ ሰይጣን ሓላገት እዩ፥ እቶም ንእኡ ዝኸተሉ ኸአ “አየገልግሉን” እዮም። ተአዝዞ ፍሉይ ሕላገት ሓቀኛታት ስዓብቲ ክርስቶስ እዩ። ማርያም “ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ” ምስ በለት ኵሉ ኩልንትናአ አብ ኢድ አምላኽ አንቢራቶ፥ ንምሉእ ድላያ ምስ ድላይ አምላኽ ሓደ ገራቶ።

ኢየሱስ ተአዚዙ አገልጊሉ ንፍቓዱ ሰማያዊ አብኡ ልዕሊ ዝኾነ ሰሪዑ። ተአዝዞ እምብአር ምልክት ወይ ሓለገት ናይ እቶም አብ መገዲ ወይ ጉዕዞ ድሕነት ዘለዉ እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ ስብከቱን ትምህርቱን ብዛዕባ አብ እምነት ክህሉ ዘለዎ ትእዛዝ አብ ሮሜ 1 አግፊሑ ይገልጾ። መገዲ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ንአምላኽ ጽን ኢልና ክንክእል አሎና።

አብዚ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ሓንቲ ብርህቲ ነገር እንዕዘባ አምላኽ ፍቕሩ አብ ግብሪ የርእን ይገልጽን አሎ። ተራና ነዚ ፍቕሪ ዘርአየ አምላኽ ነቲ ንሱ ዝገበረልና አብ ከማና ዝበሉ አሕዋትና ክነርኢ። ክርስቶስ ምእንታይ አነ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ መይቱ ስለዚ ክበራበር አሎኒ ነዚ ብመስዋዕቲ ክርስቶስ ዝረኸብክዎ ድሕነተይ ከመይ እሕልዎ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ አሎና።

ከምቲ አብ የማኑ ዝነበረ ፈያታይ ዘየማን “አብ መንግስትኻ ተዘከረኒ” እናበልና ብኃጢአትና ክንእመን እሞ አብ መንበር ንስሓ አቲና ኃጢአትና ክፍአትን ክንሳሕ ይግብአና። ጽባሕ ምስ ክርስቶስ ክንትንሥእ ሎሚ አብ ሕማሙ አብ ስቕለቱ ንሳተፍ ።

በዚ ዕለት ዘዕረግናዮ ጸሎትን ምህልላን ስግደትን ተቐቢሉ ሕድገት ኃጢአትና ሂቡ ሰላም ፍቕርን የውርደልና አብ ብርሃን ትንሣኤኡ ኸአ የካፍለና።

ርሑስ ብዓለ ትንሣኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.