2016-04-29 09:51:00

“ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር”


ሚያ 23 2008 ዓ.ም. (5/1/2018)

 “ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር”

ዛቲ ዕለት ዐባይ ፋሲካ ተዝካረ ትንሣኤሁ ለመድኃኒነ

መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር.. . . ። 

ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ ይብል።

ንባባት አብ ቅዳሴ

 ሮሜ 6፡3-11 (1ቆር 5፡6-8) (ቆላ 3፡1-4)፥ 1ጴጥ 3፡17-24፥ ግ.ሓ. 10፡34-43፥ ማቴ 28፡1-ፍ (ዮሓ 20:1-19). 

ስብከት

1. ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ   ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝዕንድር ጅግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66

ንባባት፡

 ማቴ 28፡1-ፍ፥ ማር 16፡1-ፍ፥ ሉቃ 24፡1-13

ዘመነ ፋሲካ 6ተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። እስራኤላውያን አብ ግብጺ ከለዉ መልአኽ እግዚአብሔር እናተሳገረ ነሓፎም። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ተሳገሩ፥ ባሕሪ ኤሪትራ ተሳገሩ ነዚ ብምዝካር ንመዓልቲ ምሕረቶምን ንሓዲስ ሕይወትን ርክብን ምስ አምላኽ ናይ ዝረኸቡላ ዘኪሮም የብዕሉ ነሮም። አብ ሓዲስ ኪዳን ፋሲካ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ ዘዘኻኽር፥ ብትንሣኤኡ ንሞት ዝሠዓረሉ ንሰይጣን ዝአሰረሉ ናብ ሰኦል ወሪዱ ንአዳም ምስቶም ዝጸደቑ ደቁ ዘውጽአሉ መንግስተ ሰማይ ከፊቱ መሪሕዎም ዝአተወሉ ቦዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ መዓልቲ ፍስሓን ታሕጓስን እዩ። “ክርስትስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንስኤ ሎሚ ብሰንበት ክርስትያን ታሕጓስ ኮነ ንአአ ካብ ኩለን መዓልታት ቀደሳን አኽበራን አልዓላን ብሓቂ ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ”። እናበልና ንጽሊ።

ስለዚ ትንሣኤ ክርስቶስ ቀንድን ማእከልን እምነትና እዩ። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ከረድእ እንከሎ “ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ ድማ ስብከትና ኸንቱ እዩ፥ እምነትኩምውን ከንቱ እያ” (1ቆሮ 15፡14) ይብለና። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ዓርቢ ስቕለትን ሞት ኢየሱስን ዝለዓለ መግለጺ እምነትና ክኸውን የብሉን ትንሣኤ እዩ ዝለዓለ መግለጺ እምነትና። ኵሉ አገባብን አቀራርባን ተተሓሒዙ አብ ትንሣኤ ዝዓለመ ክኸውን አለዎ። ዓርቢ ስቕለት ምስ ትንሣኤ ተተሓሒዙ ክርአ እንከሎ ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ትርጉም ዘለዎ።

ገለ ክርስትያን አብ መስቀል ናይ ኢየሱስ ሰውነት አይገብሩን ንአብነት ካብ መጀመርያ አብ ስርዓተ ግዕዝ አብ ስቕለት ሰውነት ክርስቶስ አይግበርን እዩ። ብርግጽ መስቀል ዝለዓለ ናይ ገዛእ ርእሱ ህያብ ነብኡ ምእንቲ ድሕነትና እዩ፥ ግን ሕጂ አብኡ የለን አብ ግርማ አብ የማን አብኡ አብ ሰማይ እዩ ዘሎ እዚ ንመስቀል ፍሉይ ትርጉምን ክብርን ይህቦ፥ እንተ ዘይኮነ ከም አብ ትርጉም ዘይብሉ መገዲ ሒዝካ ምጉዓዝ እዩ።

ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ሓዲስ መንፈስን ትብዓትን ለቢሶም። ፈርሓት ተጠራጠርቲ ከምኡ ግጉይ ርድኢት ሒዞም ዝጉዓዙ እዮም ነሮም፥ ድሕሪ ትንሣኤ ግን ሕይወቶምን እምነቶምን ጨሪሹ ተቐይሩ ብድፍረት ነቲ አብ መስቀል ዝሞተ ኢየሱስ ደፊሮም ተንሢኡ እዩ፥ ሕያው እዩ ምስኦም ከምዘሎ ክሰብኩ ጀሚሮም። ብሰንኪ ስብከቶምን ምስክርነቶምን ምስ አሳደድዎምን አሰርዎምን ምኽንያት ሓጎሶም ኮይኑ በዚ ኸአ ብዝያዳ አብ ሕይወት ጎይትኦምን መምህሮም ከምዝተወሃሃዱ ክርእዩ ክኢሎም። አብ ስቓዩ ምስተሳተፉ አብ ግርማ ክብሩ ኸአ ተሳቲፎም። እዚ ርድኢትን መንፈስን ሒዝና ሎሚ ፋሲካና ነብዕል አሎና። 

ትንሣኤ ጻውዒት ንተሓድሶ እዩ።

ትንሣኤ ክንዝክር ከሎና ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ምዝካር ወይ አብ ቀዳሞት አርድእት ዘምጽኦ ጽልዋ ጥራሕ አይ ኮነናን ንዝክር፥ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍናን እምነትናን ዘምጽኦ ትርጉም ርኢና ክንክእል አሎና። ብዓለ ትንሣኤ ከምኡ አብ ሶሙነ ሕማማት ዝገበርናዮ ምቅርራብ ኵሉ ከምቲ አርድእቲ ኢየሱስ ዝገበርዎ ለውጢ ንሕና እውን ክንቅይር እኳ ደአ ቅጽበታዊ ምቕያር ክንገብር ከም ዘሎና ጻውዒት እዩ።

አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ብምሉእ ከም ዝተሳተፍና ፍሉይ ምልክት ክኸውን ዝኽእል አብ ምሉእ ሕይወትናን ጠባያትናን ቀጻሊ ምዕባሌ ወይ ለውጢ ክንገብር ከሎና ጥራሕ እዩ። አመንቲ፥ ሰበኽቲ ጥራሕ፥ አይኮናን ነቲ እንአምኖ እንሰብኮን ንገብሮ።

ስብከትን ምስክርነትን።

ብዓልና ቅዳሴና ኵሉ እንገብሮ ስርዓተ አምልኾና መግለጺ ስብከትናን ምስክርነትናን እዩ። ካብ  ግ.ሓ. ዝተነበ ጴጥሮስ ድሕሪ ጥምቀት ቆርነሌዎስ መጀመርያ ካብ አህዛብ አብ ክርስትና ምስ ስድርኡ ዝአቶ አብ ዝሃቦ ምስክርነት፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ዝበሎ ኢና ሰሚዕና። ንሓደ ሓቀኛ ረእድኢ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ስብከትን ምስክርነት ተመክሮ ክልተ ዘይፈላለ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ዘለኦ ተመክሮ ብምሉእ እምነትን አፍልጦን ኢየሱስ እቲ አብ መስቀል ዝሞተ ሕጂ ሕያው ዘሎ፥ ብእኡ ሓጎስ ዝመልኦ ስለ ዝኾነ ነቲ ሓጎሱ ምስ ካልኦት ከካፍል ይርከብ፥ በዚ ኸአ ናይ ኢየሱስ ሓጎስ ናታቶም እውን ይኸውን።

አብ ዝተነበና ካብ መልእኽት ጳውሎስን ወንጌልን ተመሳሳላይ ሓሳባት ንረክብ። ጳውሎስ ፈሪሳዊ ብምሉእ ተወፋይነት እምነቱን ስርዓቱን ዘተግብር እዩ ነሩ። ንክርስትያን ከሳድድ ክቐትልን ዝተበገሰ እዚ ኸአ ካብ አይሁድ ዝፍንጨሉ፥ ሓዲስ ትምህርቲ የተአታትዉ ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦ እዩ። እንተ ኾነ ንሱ ካብ ሊቀ ካህናት ምሉእ ስልጣን ተዋሂብዎ አብ መገዲ ደማስቆስ እናኸደ እንከሎ ኢየሱስ ብሃንደበት ምስ ተራእዮን ስለምንታይ ተሳድደኒ ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ አብ እምነት ክርስትና ተመሊሱ። እዚ ተመክሮ አብ ሕይወት ጳውሎስ ጨሪሹ ከም ዝቕየር ገርዎ፥ ንነገራት ብሓዲስ አረኣእያ ክርእዮም ክኢሉ ብፍሉይ ትርጉም ሕይወት ኢየሱስን መልእኽቱን። ንዝተረፈ ሕይወቱ ኵሉ ሓይሉን ክእለቱን ከምቲ ብምሉእ ሓይሉ ንክርስትያን ከጥፍእ ዝጽዕር ዝነበረ ንካልኦት አይሁድን አህዛብን ክሕግዝ ንኢየሱስ ክፈልጡን ክፈትዉን ንጎይትኡ ከም ዝስዕብዎን ገሩ።

ጳውሎስ ንክርስቶስ አብ ኵሉ ሰቢኽዎ ምእንትኡ ኩሉ ስቓያት ተቐቢሉ አብ መወዳእታ ምእንትኡ ሕይወቱ አወፍዩ። ፍቕሪ ክርስቶስ ንሞት ከም ዝደፍር ገርዎ። ማርያም መግደላዊት ንኢየሱስ ትንሣኤኡ ክተበስር ላዕልን ታሕትን ኢላ። አብዚ እንርእዮ ምስጢር ትንሣኤ ዝቐሰመ ንስብከት ንምስክርነት እዩ ዝወፍር። ክንሰብኽ ክንምስክር የድሊ አሎ። ሰባት ንአምላኽ ዘዘኻክሮም ዘፍልጦም ይደልዩ አለዉ፥ ክንልአኽ ሕራይ ንበል።

ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር፡

አብ ወንጌል ምልክት ትንሣኤ ኢየሱስ እቲ መቓብር ጥርሑ ብምጽንሑ ከም ዝኾነ ነንብብ። ማርያም መግደላዊት እቲ እምኒ ተፈንቂሉ ምስ ረአየቶ (ዓቢ እምኒ ስለ ዝነበረ መን ክፍንቅሎ ይኽእል) እናጎየየት አብ አርድእቱ ከይዳ ነጊራቶም፥ ጴጥሮስን እቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ረድእን እናጎየዩ አብ መቓብር ከዱ፥ እቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ረድእ ንእሽቶይ ስለ ዝነበረ አቐዲሙ አብ መቓብር በጽሐ ግን ጴጥሮስ ቅድም ክርኢ ተጸበዮ። ክልቲኦም ርእዮም ተረዲኦም አመኑ። ወንጌል ነዚ ክገልጽ እንከሎ ክስባ እዚአ ጊዜ ነቲ “ካብ ሙታን ክትንሥእ ይግብኦ እዩ ዝብል ጽሑፍ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብል አየስተውዕልዎን ነበሩ” ይብል። ነቶም ክልተ አርድእት ንኤማሁስ ገጾም ዝኸዱ ዝነበሩ እውን እቲ ስቓያት ኢየሱስ አብ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ክርእዩን ክርድኡን ዝኽእሉ ተጠቒሱ ከም ዝርከብ ተነጊርዎም።

ትንሣኤ ክርስቶስ ትንሣኤ ሥጋ ጥራሕ አይ ኮነን።

ትንሣኤ ክንብል ከሎና ሰውነት ኢየሱስ እቲ አብ መስቀል ዝሞተ ካብ ሞት ተንሢኡ ጥራሕ ማለት አይኮነን። ኢየሱስ ከም ዝተንሥኤ ዝረአዮ የለን ምኽንያቱ አብ ትንሥኤ ሓንቲ ዝርአ ነገር የለን። አብ መስቀል ምማት አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ። ትንሣኤ ግን ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ሓዲስ ሕይወት እዩ አትዩ። ኩሎም ናይ ድሕሪ ትንሣኤ ጽሑፋት ከም ዝሕብርዎ እቶም ናይ ቀረባ አርድእቱ ከለልይዎ ከም ዘይከአሉ ኩሉ ጊዜ ሓዋርያቱ አብ ዘለውዎ አብኡ ከምዘሎ ነንብብ። እዚ ኸአ ሎሚ ንሱ አብ መንጎና ክህሉ ንሕና አርድእቱ አብ ዘሎናዮ ከም ዘሎ ከረድአና እዩ። ንሕና ሰውነት ክርስቶስ ኢና ብኻልእ አዘራርባ ከም ማሕበር ክርስቶስ ነቲ ዝተንስኤ ሰውነት ክርስቶስ ሕያው ንገብሮ። እዚ እዩ እቲ ብዓይኒ ትንሣኤ ዝርኤ። ንሕና ደቂ ትንሣኤ ዘብለና ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ መንጎና ከምዘሎ አሚና ንኻልእ ከም ዝአምኑ ክንገብር ከሎና እዩ።

አብ ፍርቂ ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ ኢና እንርዳእ። ጴጥሮስን ዮውሓንስ ነቲ ዝረአይዎ ክነገሩ አብ ብጾቶም ከይዶም ማርያም መግደላዊት ሓጢአተኛ ሰበይቲ ዝነበረት ሕጂ ግን ናይ ብሓቂ እምንቲ ተኸታሊት አብ መቓብር ተሳፋ ቆሪጻ እናነብዔት እያ ተሪፋ። እቲ እተፍቅሮ ምምህራ መይቱ ጥራሕ ዘይኮነ ሰውነቱ እውን አይረኸበቶን። አብ መቓብር ክልተ መላእኽቲ ርእያ (እዚ ኸአ ምልክት ህላዌ አምላኽ እዩ) ስለምንታይ ትበኽዪ አሎኺ ኢሎም ሓቲቶማ። ንጎይታይ ወሲዶሞ ኢላ እና ተዛረበት ግልጽ እንተበለት ንኢየሱስ ርእያቶ እንተኾነ አየለለየቶን። እዚ አብ ድሕሪ ትንሣኤ ብተደጋጋሚ እንርእዮ ነገር እዩ አየለልይዎን። ኢየሱስ ከም ማንም ሰብ ይመስል። ማርያም ሓላው አታኽልቲ መሲልዋ ንሱ ወሲድዎ እንተኾነ ክህባ ሓቲታቶ። የውሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስ አብ ቦታ አታኽልቲ ከም ዝተቐብረ ይነግረና። ናይ አዳምን ሔዋንን ውድቀት አብ ገነት እዩ ተፈጺሙ። ድሕነት አብ ገነት እዩ ጀሚሩ፥ ሓዲስ ሕይወት ከአ አብ አታኽልቶ ኖታ ጀሚሩ። 

ኢየሱስ ስማ ምስ ጸውዓ አለልያቶ። አብ ወንጌል የውሓንስ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ክዛረብ እንከሎ “ንእኡ እቲ ሓላው አፍደገ ይኸፍተሉ፡ እተን አባግዕ እውን ድምፁ ይሰምዓ፥ ነተን አባግዕ ኸአ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። ንኹለን ነተን አባግዑ ምስ አውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን አባጊዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ ንጓና ግን ድምፁ ስለ ዘየለልያ ኻብኡ ይሃድማ እምበር አይስዕባኦን እየን፥” ዮሓ 1፡3~6 ይብል። ማርያም ድምፂ መምህራ ምስ አለልየት ካብአ ከይከይድ ክትሕዞ ደልያ እንተ ኾነ ክኸይድ ክትሓድጎ አልአ ምኽንያቱ ንሳ ምስቲ ቅድሚ ትንሣኤ ዝነበረ ኢየሱስ እያ ዘላ። ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ክብሪ አብኡ ክኸይድ አልኦ። ክምለስ እዩ ግን ብኻልእ መልክዕ። ካብ ሕጂ ንድሓር አብ መንጎ ኩሎም እቶም ናቱ ዝኾኑ ከም ሓደ ሰውነት አብ ሓደ ዝርከቡ አብ መንግኦም አሎ። አብ ቤተክርስትያንን ኩሎም አባላታን አብ መንግኦም አሎ።

ማርያም ነዚ ዝረአየቶ ነገራት ክተካፍል ጎያ ናብ አርድእቱ ከይዳ “ንጎይታ ርእየዮ” ኢላቶም። ሰበይቲ እሞ ሓጢአተኛ ዝነበረት እያ እታ ንመጀምርታ ነዚ ዓቢ ብስራት ክትነግር ዝተዓደለት። እዚ እዩ ስብከተ ወንጌል ዝብሃል። ዓምዲ እምነታት ምምሕልላፍ አይኮነን ንዝረአኻዮ ንዝሰማዕካዮ ምክፋል እዩ። አምላኽ አብ ሕይወትና ዝነገረናን ዝረአናዮን ከምኡ ዘሎና ተመክሮ ክንምስክር እሞ ሰባት ነቲ ንሕና ዝተመከርናሉ ከም ዝምከሩ ምግባር እዩ ሕርየትና።

ሓደ ዓይነት ተልእኮ አሎና።

ትንሣኤ ክነብዕል ከሎና ሓደ ዓይነት ሓላፍነት የልብሰና ከም ጴጥሮስ ከም ማርያም መግደላዊት ከም ኩሎም ሓዋርያት ትንሥኤ ክርስቶስ ክነበስር። አብ 1ቆሮ 5፡ ከም እንረኽቦ ትንሣኤ ንፍጹም ተሓድሶን ተቐይሮን የዘኻኽረና። ነፍሲ ወከፍና ክነጽሕ የዘኻኽረና። አይሁድ አብ ፋሲክኦም ነቲ ዝበኹዐ እንገራ በቲ ዘይ በኹዐ እንጌራ መታን ክትክእዎ ንኹሉ ይጉሕፍዎ። እቲ መባኹዕቲ ነቲ ብኹዕ የሙቶ እዩ ስለዚ ዘይሞተ ሓዲስ እንጌራ ይበልዑ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስቲ ክርስትያናዊ ትንሣኤ አተሓሒዙ ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ማለት ካብ ኩሉ ናይ ቀደም ሕይወትና ወጺእና አብ ክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ይዕድመና።

ከምቲ ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ነቲ ሰናይ ወረን ጸጋን አብ ሕይወቶም ጥራሕ ሒዘሞ ዘይተረፉ ነፍስወከፍና አብዚ ብዓል እንሳተፍ ዘሎና ነዚ ክነግር አብኡ ከም ዝሳተፉ ክንገብር። ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ኩሉ ክንምስክሮን ክነግሮን ንሕተት አሎና። ንአምላኽ ረኸበዮ እሞ ንስኹም ከአ ርኸብዎ ብሃልቲ ክንከውን። ሓጎስ ትንሣኤ ኩሉ ጊዜ ክንለብሶ። ንሎሚ መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ጊዜ ትንሣኤ ክነብዕል።

ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝብሎ ንሕና መሰኻኽር ኢና፥ ነቲ ኢየሱስ ዝሰበኾን ዘሕወዮን ከምኡ ማእሰርቱን ሞቱ ትንሣኤኡ ኩሉ እንምስክር ኢና። ድሕሪ ትንሣኤኡ ምስኡ በሊዕና ሰቲና እናበለ መስኪሩ። ንሕና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ ከሎና ነዚ ኢና እንገብር፥ ምስ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ንበልዕ ንሰቲ። እዚ ንሓዲስ ተልእኮ ይዕድመና ማለት ክርስትያናዊ ግቡእና ክንፍጽም ሰንበት ሰንበት ብምምጻእና ኩሉ ከም ዝፈጸምና ገርና ከይንሓስብ። ተልእኮና ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ አለሊና ክንክእል እዩ።

ከም ሰባት መጠን ብምልኡ ምስ ክርስቶስ ዘራኽበና መገዲ ክንሕዝ። አብ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ክንበጽሕ እሞ አብ ምሉእ ዕርቅን ንስሓን ምስ አምላኽን ሰብን ክንአቱ። እዚ ነጻነት ርትዕን ሰላምን አብ ዓለምናን ነቲ ሓደ መዓልቲ አብ ቅድሚ ፈጣሪና አምላኽ አቦ ሓቅን ፍቕርን ሓደ ዝገብረና ዕለት ከም እንሰናዶ ይገብረናን የልብሰናን።

ትንሣኤ ክንገር ክስበኸ ዘልኦ ዓቢ ሓላፍነት ኩልና አመንቲ እዩ። ኩልና ሰበኽቲ ኮና ክንወፍር ሕይወትና ርድኢትና ኩሉ ክንቅይር ይግብአና። አብ ስብከት ክንወፍር ክንቅየር አሎና። ንኢየሱስ አብ መቓብር ዘይኮነ አብ ርክብ ነፍሲ ወከፍና አብ ሓዳርና አብ አገልግሎትና አብ ዓለምና ክንረኽቦ አሎና። ንመምህር ርእየዮ ዝበለት ማርያም መግደላዊት ሎሚ ንሕና እውን ረኺበዮ ርእየዮ ክንብል እሞ ንኹሉ ክንቅይር።

ትርጉምን ጣዕምን ትንሥኤ ልዕሊ ኹሉ ዘስተማቐረት ማርያም ሎሚ እውን ምስ ዝተንሥኤ ወድኺ አራኽብና ንበላ። አብ ኩሉ ዝገጥመና ጸገምን ፈተናን ብዓወት ክንሓልፎ ሓግዝና ንበላ። ከምቲ ንስኺ ዝረአኽዮ ርኢና ክንክእል ለምንልና ንበላ።

ንኹልኹም ርሑስ ብዓለ ትንሣኤ እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

 








All the contents on this site are copyrighted ©.