2016-04-30 11:37:00

Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት


Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ምሕረትን ውህደትን ንመላእ ኣባይቲ ስድራ

ምሕረትን ውህደትን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት በገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስትን ስዒቡ ድማ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ጸዋዕታን ተልእዀን ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ዝተኻየደ ኣብ ስድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ ዝዘተዩ ክልተ ሲኖዶሳት ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነዳት መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስድር ቤት ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝገልጽን ዘነጽርን ዕለት 9 መጋቢት ክታሞም ዘንበርሉ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዕለት 8 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ከዝበቕዔ እንክሕበር፡ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን 9 ዓንቀጽ ዘጠቓልልን ኣተኵሮኡ ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት ዝገበረን ብፍላይ ናይቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ዘይብተኽ ነባሪ ዝዀነ ቃል ኪዳን ዝፈጥሮ ስድራ ቤታውነት ኣገዳስነቱን ጻባቔኡን ዘድምዕ ኰይኑ፡ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ንናይ ኩሉ ስድራ ቤትን ንመላእ ህዝብን ንመንእሰያትን ኣረጋውያንን ረብሓ ከምዝዀነ ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ሓሳብ’ዚ ከቃልሑ ሓደራ ዝበሉሉን ስድራ ቤት ንሓለዋ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ዘወከፍሉ እዩ።

Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ እቲ ኣብ 2014 ከምኡ ድማ ኣብ 2015 ዓ. ናይ ዝተኻየዱ ክልተ ሲኖዶሳት ውጽኢት ምዃኑ ይምልከት።

ጽማሬ

Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት

ቀዳማይ ምዕራፍ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ስድራ ቤትን ጽንኩር ኵነት ተመዛበልትን

ናይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዓንዲ ምሕረትን ውህደትን ዝብሉ ክልተ ነጥብታ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰረት ማለት ናይ ዓንቀጸ እምነት ትምህርትን ትግባሬኡን ሓድነቱን ውህደቱን ዘለዎ ፍሉዩ ኣገዳስነት ብምዝኽኻር፡ እዚ ድማ ዝተፈላለያ ሃገራት ብመሰረት ባህልን ያታን ዘለወን ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ክትግበር ዝከኣል ምዃኑ የተሓሳስቡ።

እዚ ቀዳማይ ምዕራፍ’ዚ ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ብምትኳር በቶም ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ብዝተፈጥሩ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ዝምድና ጽባቔኡ ዳግም ብምቅላሕ ኣብታ ረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነት እደ-ጥበናዊ ጭቡጥ ስድራ ቤት ዘተን ሓድነትን ሓልዮትን ዘለዎ ኣገዳስነት የተሓሳስቡ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንስእነት ስራሕ ዘቃልዕን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገራት ዝመዛብሉ ኣባይቲ ስድራ ድኻምን ጸበባን ዝተመልኦ ዕለታዊ ሕይወት ዝነብሩ ክርስዑ ከምዘይግብኦም የመክልቱ።

ካልኣይ ምዕራፍ

ጭቡጥ ኩነትን ብድሆታትን ስድራ ቤት፡ ዓቢይ ፈተና ናይ ተገፋዕነት

ቅዱስ ኣቦና ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብሲኖዶስ ኣቢሎም ጠመተኦም ኣብ እዋናዊ ህሉው ኩነት ኣንቢሮም ውልቃውነትን ኵሉ ሓላፊ እዩ ዝብል ተዛማዲ ባህልን ምውላድ ምቅዋም ዝኣመሰሉ ዕለታዊ ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብድሆታት ዘኪሮም፡ ስእነት መንበሪ ቤትን ስእለ ጽዩፍን ጽሑፈ ጽዩፍን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ክርስቲያን ተቛማትን ክፍጸም እንከሎ እዚዩ ዘነውር ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ዓመጽ ቤተክርስቲያን ብምሉእ ሓይላ ትነጽጐ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ ዝተፈላለዩ ስደት ብፍላይ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዓቢይ ፈተና ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝፍጸም ኣሳዶ ዘኪሮም ምዕናው ሕጋውነት ስድራ ቤትን እዚ ማለት ድማ መርዓ ምስ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ክውንነት ምዝማድን ምስቲ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ኣብ ዘለዎም ሰባት ምስ ዝፍጸም ተዛምዶ ዘተኻኽል ተግባራትን ዝዀነ ይዅን ዘይርጉጽን ሓደገይናን ውህደት ወይ ድማ ነቲ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ መጻኢ ንዘረጋግጽ ሕይወት ዕጹው ዝዀነ ዝምድና ዝኣመሰሉ ነጥብታት ይጠቕሱ።

ዘሻቕልን ዘቖጥዕን ሓድሽ ዓይነት ርእየተ ዓለም ዛዕባ ጾታዊ ትምህርቲ

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ እቲ ግብረ በድባድን ውርደተይና ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ሰብነት ጓለንስተይቲ ከም መጋበሪያ ዝሓስብን፡ ምክራይ ማሕጸንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣዚዮም ዘሻቕሉ ርእየተ ዓለም ምልካዊ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘነቓቕሕዎን ንሕጻናት እውን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክቐርቡ ኣለዎም ዝበሃል ሓድሽ ዓይነት ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒት (ነቲ ባህርያዊ ኣንስትን ተባዕትን ዝብል ጾታዊ ስምዒት ብምሕካኽ ህብረ ጾታዊ ስምዒት ኣሎ ዝብል ትምህርቲ) ጠቒሶም ኣብ ቅድሚ እዚ ዅሉ ዘሻቕል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ክርስቲያን ምስ ጊዜ ንምኻንድ ምስ ሓድሽ ዓይነት ኣገባባት ክመሳሰል ብዝብልን ወይ ድማ ትሑትነት ከይስምዖ ቢሉ ነቲ ክርስቲያናዊ መርዓ ከይነጽግ ብምጥንቃቕ፡ በንጻሩ ጣቋ መደረ ብዝዀነ መገድን ካብቲ ርእሰ ምክልኻል ካብ ዝብል ብግብረ መልቅስ ርሒቑ ነቲ እወታውን ኣእንጋድን ዝዀነ ናይ ሓሴት መገዲ ክሕብር ብዝኽእል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ሰብ ቀረባ ብምዃን ንምስጢረ ተኽሊል ከማዕድዉ ከምዝግብኦ የተሓሳስቡ።

ሓዳር ዘይጭበጥ ረቂቕ ሓሳብ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ጥዑይ ርእሰ ህየሳ ክትገብር

ብዙሕ እዋን ብርግጽ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስቲያን ብጥዑይ ህየሳ ክርስቲያናዊ ሓዳር ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ጉዕዞ መዕበያን ንክዋኔ ገዛእ ርእሰነት ከምዝኸነ ብዝገልጽ ትንተና ካብ ምቕራብ  ኣብ ትምህርቲ ሰረት እምነትን ናይ ስነ ሕይወት ትምህርትን ኣብ ዘተኰረ ግቡእነት ጥራሕ ኣድህቦ ብምግባር ከም ጸቕጥን ልክዕ ከም ሓደ ዘይጭበጥ ረቂቕ ገይራ ተቕርቦ ኔራ እያ፡ ምስ እዚ እተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ክርስቲያን ልክዕ ከም ኢየሱስ ልዑል ጻዕሪ ዝሓትት ሓሳብ ብምቕራብ ነቶም ተነቀፍቲ ሰባት ቀረባ ብምዃን ዝነብሮ ተግባር ብምስዓብ ሕሊና ክሓንጽ ድኣ እምበር ንሕልና ክትክኡ ዝተጸውዑ ከምዘይኰነ የተሓሳስቡ።

ሳልሳይ ምዕራፍ

ጸዋዕታ ስድራ ቤትን ዘይገሃስ ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን (ሕጋውነት)

ሓዳር ዘይሕከኽ ዝብል ክብሩ ከም ሓደ ኣርዑት ክስትውዓል የብሉን። በዚ መንጽር’ዚ ድማ ምስጢርነቱ ከም ሓደ ነገር፥ ከም ባዶ ስርዓትን ማሕበራዊ እምነትን ዘይኰነስ ንሰብ ሓዳር ዘቐድስን ዘድሕንን ጸጋ እዩ ይብሉ፡ ስለዚህ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራ፡ መጋብያን (ጓሶት) ምእንቲ ፍቕሪ ሓቂ ብትኽክል ልልያ ክገብሩ ትሑዛት እያቶም፡ ስለምታይ ናይ ሓላፍነት ደረጃ ኣብ ኩሉ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን፡ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ደረጃ ሰረት እምነት ምትንታን ዘድሊ ይኸውን። ኣብ ገለ ገለ ደረጃ ድማ ናይ ዝፈላለዩ ኩነትታ ምትሕልላኻቱን ናይ ግሊ ስቅያትን ግምት ዘይህብ ቅድመ ፍርዲ ምውጋድ የድሊ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብትብዓት ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሩን ዘይሕከኽ ናይ ሕይወት ሕጋዊ መሰልን ክብርን ብምርግጋጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሕልናዊ ተቓውሞ ሕጋውነት ባህርያዊ ሞት ምኽባርን ናይ ሞት ፍርዲ ምቅዋምን ዝብል ግብረ ገባዊ ግዴታ የተሓሳስቡ።

ራብዓይ ምዕራፍ

ፍቕሪ ኣብ መርዓ ናይ ብጻይነት ፍቕሪ

እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ኣብ መርዓ ዝንበር ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ብምቕራብ ናይ ብጻይነት ፍቕሪ ማለት እቲ ኣብቲ ዘይሕከኽን ፍሉይን ናይ ካልእ ሰናይ ምድላይን ሕድ ሕዳውነትን ምትሕልላይን ዝብል ናይቲ ዓቢይ ብጻይነት መለለዪዝዀነ ፍቕሪ እዩ ዝብል ምስጢረ ተኽሊል ዘመልክቶ ፍቕሪ ዘዋህዶ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ፍቕሪ ዕርክነት ምትሕስሳብ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ልዕሊ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ነኸነስተውዕል የዕንትና ዝኸፍትን ክንርእይ ዘኽእለናን እዩ። በዚ መንጽር’ዚ ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝንበር ጾታውነት፡ ሕይወት እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘነጽር ገሊጾም፡ እዚ ጾታውነት’ዚ ዘደንቕ ህያብን ውስጠ-ሰብኣዊ (ሕድሕዳውነት) ቋንቋን ናይ ቅዱስነት ክብርን ናይቲ ካልእ ካባና ዝተፈልየ ዘለዎ ዘይተጋሃስነትን ክብሩ ክንርእይ ዘብቅዕ እዩ። ኣብ ሓዳር ዘሎ ናይ ፍቕሪ ግብረ-ስጋዊ (ኤሮሳዊ) ጐድኑ ነቲ ኣብ መንጐ መራዑት ዝንበር ርክብ ጽባቄ ዘዕስል ህያብ እግዚኣብሔር ደኣ እምበር ከም ሓደ ናይ ክፍኣት መንፈስን ወይ ድማ ልክዕ ከም ሓደ ክጽወር ዝግብኦ ጸቕጢ ኰይኑ ክርአይ የብሉን። ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ “ተዛምዶ በስገዳድ ንተዛማዲ ዝቐርብ ናይ ፍቕሪ ተግባር ክኸውን ኣይክእልን ዝበልዎ ምእንቲ’ዚ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት ንዝዀነ ይኹን ግብረ ጾታውነት ተንበርካኺ ምዃኑ ዝነጽግ እዩ።

ሓምሻይ ምዕራፍ

ፍቕሪ ወላድ እዩ፡ መሰል ናይ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ነቦን አደን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኣብ ዘሎ ምንጭን እንገዳን ሕይወት ኣማእኪሎም እቲ ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ወትሩ ህልው ዝዀነ ሕይወት “ካብ ዝጽነሰሉ ግዜ ኣትሕዚዙ ዘለዎ ልዑል ክብሪ የጕልሑ፡ ካብዚ ተበጊሲም እምበኣርከስ ቅዱስ ኣቦና ውላድ መማልእቲ ወይ ድማ ንውልቃዊ ኣስተንፍሶ ከም መፍትሒ ተገይሩ ክርአይን ክሕሰብን ዘይኰነስ በንጻሩ ከም ሓደ ሰብኣዊ ፍጡር ዘለዎ ሰፊሕን ጥልቅን ክብሪ ዘለዎ ብምዃኑ እቶም ናይ ምውህሃብን ሕድሕዳዊ ስምምዕን ምርኻብን ዝብል ዘለዎ ልዕሉ ክብሪ ዘመሓላልፉልና ኣቦን ኣደን ክህልዎ ባህርያዊ ግድነትን መሰልን ዝብል ልዑል ክብሩ ክሕለወሉ ይግባእ።

ቤተሰብ ሰብ ዓለም ዘቤታዊ መታን ክኸውን ካብ ገዛእ ርእሳ ትውጻእ

ነቶም ውላድ ክህልዎም ዘይክእሉ ብምሕሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣደነት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ምዃኑ ብምዝኻኻር ንኣብነት ዘኽታም ንዝዀነ ምንባይን ምዕባይን ዘለዎ ክብሪ ብተፈላጥነት ዘመልክት ምዃኑ ገሊጾም። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እቶም ውላድ ዘይብሎም ኣባይቲ ስድራ ዘኽታማት ንኸዕብዩን ከም ውላዶም ንኽኣልዩን ዘቕርብዎ ሕቶ ዝምልከትን ሕጊ ወትሩ ንሕጻን ዝሓልይን ዘማእክልን ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ንግድ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝጻረር ኽከውን ይግባእ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ምስ እዚ እተሓሒዞም ኣብ ኵሉ ስፍራ ዓሚዩቕ ስድራ ቤታዊ መንፈስ ምስራጽ ኣድላዪ ምዃኑ ብምታሕስሳብ፡ ስድራ ቤት ናይ ምውህሃድን ኣብ መንጐ ውልቃውን ፍትሃን ዘዋህድ ነጥቢ ናብ ምዃን መታን ክልወጥ ካብ ገዛእ ርእሳ ክትወጽእ ይግብኦ፡ ስለምታይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ናይ ርክብ ባህሊ ክሃንጽን ዓለም ዘቤታዊ ንኽገብር ዝተጸውዔ ብምዃኑ እዩ፡ ስለዚህ ቅዱስ ቁርባን ምቕራብን ቆራብን ምዃን ንድኻንታትን ንዝሳቐዩን ብዘይ ህርኩት ሓላይነት ብዘይድርኽ መንፈስ ዝፍጸም እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ቅዱስ ምስጢር ብዘይብቑዕነት ንቕበሎ።

ሻድሻይ ምዕራፍ

ተስፋ ዝንበረሉ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ተኽሊል ንዝኣስሩ ብቕረባ ምስናይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዕዳን እቶም ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም ዝተኻየዱ ክልተ ሲኖዶሳት ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ዝገበሮም ነጥቢ ብጽኑዕ ብምምልካት፡ ንኣብነት ንካህናትን ነቶም ኣብ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉ ዓለማውያን ምእመና ብቝዕ ሕንጸት ምሃብ ይብሉ። ንኻልእ ምፍቃር ሃንደበት ብዘይምዃኑ ድማ ነቶም ሕጹያት ናብ ምስጢረ ተኪል ዘስንዮም መርሕነትን ምስ ተመርዓዉ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ቃል ኪዳኖም ምስናዮም ኣገዳሲ እዩ። ስለምታይ ብዝተደነቐ የዕይንቶም ናብ ተስፋ ዝገብርዎ ጉዕዞ ከይኵለፍን ንሓደ ቅኑዕ ቤተሰብኣዊ መደብ ሓሊኖም ሕይወት ንምርኻብ ለጋሳት መታን ክዀኑ። ስለዚህ እቲ ባህርያውን ሕድሕዳዊን ስምምዕ ዝዓሰሎ ሜላ እዅል እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ ኣብ ስድራ ቤት ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእዀ ንሒደት ምሩጻት ዝኸውን መደብ ሕንጸት ዘቕርብ ዘይኰነስ ንሰብ ቃል ኪዳን ዘስንይ ክኸውን ግድን እዩ።

ዘተሓሳስብ ክብታ ፍትሕ፡ ውላዳት ናይቲ ፍትሕ ጅሆ ከይኰኑ

ሎሚ ታሪኽ ኣባይቲ ስድራ ንሓደጋ ዘቃልዕ ዝተፈላለየ ቅልውላው ኣሎ። ኰይኑ ግና ነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ሰማዒ እዝንን ልብን ዝጠልብን ሃረርታ ጥዑም ብስራት ዝሓብኤ እዩ። ካብዚ ተበጊሶም ቅዱስ ኣቦና ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ንምሕያል ናይ ምምሓር ትብዓትን ከም ዝተምሓሩ ከስተውዕሉ ብምትብባዕ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ቅልውላው ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ብቐረባን ብጭቡጥን ከተሰንዮም ተላብዮም። ኣብ እንነብረሉ ዘመን ሓደጋ ዝዀነ ክብታ ፍትሕ ዝረአየሉ እዩ። ብዝዀነ ድረጃ ድማ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። ምእንቲ’ዚ ውላድ ናይዚ ዓይንት ሓደጋ’ዚ ጅሆ መታን ከይከውን ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ፍትሕ ብዓንተውኡ ንምውጋድን ንምክልኻልን ምትጋህ የድሊ። እዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓመጽን ምዝመዛን ጸቕጥን ፍትሕ ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ዘይተርፍ ከምዝዀነ ምስትውዓል የድሊ፡ እዚ ድማ ክዝንጋዕ የብሉን።

ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎም ምኽባር፡ ቃል ኪዳን ምስቲ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎ ሓድነት ርክብ የብሉን

ቃል ኪዳን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ክብሉ እንከለዉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝስዕቡ ሰብ ሓዳር ብምሕሳብ ክኸውን እነከሎ፡ ስለዚህ ቤተሰብ ንናይ ዘተ ባህሊ ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ እዩ። ነቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምባለ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ምኽባር የድሊ። እቲ ምዃኖም ንሓደጋ ኣድልዎ ዘቃልዖም ክኸውን የብሉን። ኰይኑ ግና እቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝነብርዎ ውህደት ዝጸንሔን ዝነበረን ምስቲ እግዚኣብሔር ዝሓለኖ መርዓ ምንም ዓይነት ዘራኽቦን ዘመሳስሎንን ሰረት ከምዘየለ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን በዚ ዘለዎ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስብኣን ምኽንያት ንሐደጋ ጸቕጢ ክትቃላዕ ኣይግባኣን፡ ካብዚ ቐጺሎም ቅዱስ ኣቦና ብሓደጋ ሞት ዝተጠቕዔት ስድራ ቤት ዘሰንይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ብሰፊሕ የመልክቱ።

ሻብዓይ ምዕራፍ

ናይ ውላድ ሕንጸት ምሕያል ናይ ወለዲ መሰልን ግቡእነትን እዩ

እዚ ናይ ውላድ ሕንጸት ምሕያል ናይ ወለዲ መሰልን ግቡእነትን ዝምልከት ምዕራፍ’ዚ ድማ ናይ ወለዲ ቀዳማይ ሕጋውን ሰብኣውን ግዴታውን እንታይ ምዃኑ ብዕምቆት ዝትንትን ክኸውን እንከሎ፡ ሕንጸት መሳርዕ ቁጽጽር ዘይኰነስ ኣብ መስቀለይና ኩነት ብኣመትን ብብልሓትን ሰናይ ዝዀነ ንምምራጽ ዝድርኽ ሓላፍነታዊ ነጻነት ዘነቃቕሕ እዩ። ሕንጸት ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ውንጩፍ ምዕባለን ኵሉን ሕጅን ዝብል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም፡ ናይ ምስትውዓልን ምግንዛብን ብቕዓት ምምሃር እዚዩ ዘገድስ ረቛሒ እዩ። ውላድን ወለድን ዘየራኽብን ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንብዙሓ ሕጻናት ካብ ጭቡጥ ዓለም ተነጺሎምን ብዝተፈላለየ ደጋዊ ውልቃውነት ዘስፍሕ ጸጥቒ ናይ ዘቃልዕ ምዕባለ (እደ-ጥበባዊ-tecnologico) ብሕትዋት ካብ ምዃን ዝከላኸል እዩ።

ናይ ስነ ፍትወት (ጾታውነት) ሕንጸት፥ ሕንጸት ፍቕርን ጥዑይ ወግዐ ሕሉፍ ግዳሴ ዝዓሰሎም

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዛዕባ ሕንጸት ፍትወተ ስጋ (ጾታዊ ስነ ስምዒት) ቅቡልን ኣገዳስን ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ሕንጸት’ዚ ግና ከም ሕንጸት ንፍቕርን ኣብ ፍቕርን ኰይኑ ክቐርብን ፍቕሪ ዘስተውዕል ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ንሰብ ናብ ግእዙነት ዘይቅይር ኣብ ግዚኡን ኣብ ልዙብ እዋንን ዝቐርብ ጥዑይ ወግዐ ግዳሴ ዝዓሰሎ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እቲ ምውላድ ዝብል ናይ ፍትወት ባህርያዊ ፍጻሜ ናብ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታን ተግባርን ዝጐስስ ዓይነት ኣገላልጻ ፍትወተ ስጋ ነቲ ዝውልደ ሕጻን ናብ ክትሕልዎ ዝግብኣካ ጸላኢ ዝቕይር ዝመስል ትምህርቲ ነቒፎም፡ ምውላድ እምንት ዝመሓላለፈሉን ኣመክንዮን ጽባቔን ዝቕሰመሉ ስድራ ቤት ምዃን ዘቐጽል ስፍራ እዩ፡ እምበኣርከስ ወለዲ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ንቑሓት በዓል ቤት ክዀኑን ብዘይ ጸቕጢ ንደቃቶም ናይ ነጻነት መንፈሳውነት ተመክሮ ዘቕርቡ ክዀኑ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ሻምናይ ምዕራፍ

ኣብ ድኻምነት ምስናይን ኣስተብህሎን ምውህሃድን

ቅድሱ ኣቦና ኣብቲ ሕዋርያዊ ምዕዳኖም እቲ ኣብ ሲኖዶስ ብዙሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኣርእስቲ ምልስ ቢሎም ብምትኳር፡ ነቶም ኣብ ተነቃፊ ኩነት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ነጥቢ ብምጥቃስ ቅድም ቀዳድም ካብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ዅሉ ጉዳይ ተፈጻምነት ዘልዎ ሓደ ሓድሽ ከም ናይ ሕገ ቀኖና ዓይነት መምርሒ ዘይምጽባይ ቢሎም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ መጋብያን (ጓሶት) እቲ ቅዱስ ምስጢራዊ ዝዀነ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ንጹል ውህደትን ነጻን እሙን ክርስቲያናዊ መርዓ ከተባብዑ ይግብኦም፡ ከምኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል (መዓስከር) እትርከብ ቤት ሕክምና ክትከውን ስለ ዝግብኣ ነቶም ኣብ ድኻምነት ዝርከቡ ብዙሓት ምእመናን ብምሕረት መንፈስ ከእንግዱን ክሰንዩን ከወሃህዱን ትሑዛት እዮም። ናይ ቤተ ክስቲያን መርሕ መገዲ ነቶም ምሕረቱ ንዝሓቱ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘስፍሕ እቲ ፈጺሙ ንዘለዓለም ዘይኵንን ኢየሱስ ብምዃኑ ድማ ብዙሕ እዋን መገዲ ምግጋይ ኣየጋጥመናን እዩ። ስለምታይ ናይ ወንጌል ኣመክንዮ ዝዀነ ይዅን ሰብ ንሓዋሩ ከምዘይኩነን እዩ ዘነጽር።

ንዅሉ ብሓደ ዓይኒ ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕገ ቀኖናዊ መምርሒ የሎን፡ ምእንቲ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ብሓላፍነታዊ ኣስተብህሎ ምልላይ የድሊ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኩሉ ምውህሃድን እቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉ ብማሕበራዊ መዳይን ወይ ድማ ብናይ ጸሎት ማሕበር ኣቢሎም ኣብ ናይ ማኅበረሰብ ሕይወት ክሳተፉ ምግባር፡ እቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተምርዓውን ከይኰነንካን ብዘይ ምውጋዝን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዘግልል ሊጡርጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብቑዕ ብዝዀነ ልልያን ኣስተብህሎን ክስገርን ዓሚይቕ ኣስተንትኖ ክግበረሉን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ተራን ቀሊልን ዝዀነ መምርሒ ከምዘየሎ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ነፍሲ ወከፍ ተፋቲሑ ዳግማይ ዝተመርዓወን ብሐፈሻዊ (ብድብድቡ) መልክዕ ዘይኰነስ ነፍሲ ወከፍ ብፍሉይነቱ ብዝምልከት ሓላፍነት ለበስ ኣስተብህሎ ዝዓሰሎ ልልያ ክግበረሉ ይግባእ፡ ስለምታይ ናይ ሓላፍነት ደረጃ ንኹሉ ማዕረ ኣይኰነን።

ቅዱስ ቁርባን ንፍጹማን ስልማት ዘይኰነስ መግቢ ንድኹማት እዩ

ቅዱስ ኣብና ኣብ ምዕራፍ ሸሞንተ ክልተ ብውከሳ ዝጠቐስዎ ሓሳብ ነቶም ተፋቲሖም ዳግማይ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ዝምልከት ናይ ቅዱስ ቁርባን ስርዓት፡ ብቐዳምነት ኣብቲ ዝተፈጸመ ፍትሕ ከቢድ ገበን ከምዘየሎ ምስትውዓል የድሊ፡ ስለዚ እቲ ፍሉይ ዝዀነ ተመክሮ ንኹሉ ዝምልከት ገርካ ከም ሓፈሻዊ ምጥቃም ኣይከኣልን፡ ሓደ መምርሒ ኣብ ኩሉ ሓደ ዓይነት ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ንዝርከቡ እተቕርቦ ድጋፍ ቅዱስ ምስጢራዊ ክኸውን ዝከኣል እዩ። ስለምታይ መናዘዚ ስፍራ ናይ መሳቐዪ ስፍራ ኣይኰነን ከምኡ ድማ ቅዱስ ቁርባን ንፍጹማን ዝወሃብ ስልማት ዘይኰነስ መግቢ ንድኹማት ስለ ዝዀነ እዩ እንክብሉ የገንዝቡ።

ተፋቲሖም ዳግማይ ቃልኪዳን ዝኣሰሩ ናይ ሕልና መርመራ፡ ግብረ ገባውያን ሕግታት ኣእማን ኣይኰነን

ተፋቲሖም ዳግማይ ዝተመርዓዉ ናይ ሕሊና መርመራ ክግብሩን ምስ ሓደ ካህን ዝርርብ ክገብሩን ወይ ድማ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብምቕራብ ነቲ ዝነብርዎ ኩነት ትኽክለይና ፍርዲ ንኽህብሉ ዘብቅዖም ሕንጸት ክረኽቡ ምግባር፡  እዚ ኩነት’ዚ ድማ ናይ ትሕትናን ቁጡብነትን ፍቕሪ ንቤተ ክርስቲያን ይሓትት፡ እንተዘይኰይኑ ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ርእስ ብቕዓት ዘስዕቦ ሓለፋ ዘንብሮ ብግበረለይ ክገብረልካም ምኽንያት ዝዕተር እዩ ዝኸውን። ናይ ሓደ ሰብ ምግባር ወይ ድማ ስጉምቲ ብሕግን ስርዓትት መሰረት ጥራሕ ምምልካት ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ ግብር ገባውያን ሕግታት ጸረ ምእመናን ዝውርወሩ (ዝፍነዉ) ኣእምን እይኰኑን። ኰይኑ ግና ቤተ ክርስቲያን ጠሪሻ ብዛዕባ መርዓ ዘለዋ ኣመለኻኽታ ክትኽሕድ ወይ ድማ ክትቕይር ኣይግባእን፡ ስለዚህ ኣብዚ እዋን’ዚ ቃል ኪዳን ዘጽንዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እምበር ዛዕባ ዘጋጥም ፍሽለት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣይኰነን ዘድሊ።

ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ቅድመ ኩነት ዘንብር ወንጌል እዩ ዘቕጥን

ወንጌላዊ ኣመት ጠሪሹ ክነኣኣስ የብሉን፡ በንጻሩ ነቶም ዝደኸሙ ሰባት ናይ ልውህናን ድንጋጸን ኣመክንዮ ክህልዎ ይግባእ። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይምፍራድ ዘይምዅናን ብምሕረት ምንባር ቀረጽ ዝኽፈለሉ ቦታ ማለት ዘይኰነስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተገዳምን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስቲ ናይ ሕይወት ድኻምነቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ዝረኽበሉን ዘለሉን ቤት ኣቦ እያ።

ብሰደቓዊ ዝዀነ ሕይወት ብዘይብሉ ግብረ ገብ ኣብ ናይ ሙሴ ወንበር ተቐሚጡ ብዝተዓጽወ ልቢ ነቲ ዝቖሰለ ስድራ ቤት ዘይፈርድ በንጻሩ ነታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ዝርዳእን ዝምሕርን ዘሰንይን ዘዋህድን ንምሕረት እግዚኣብሔር ቅድመ ኵነት ዘየነብር ቀዳምነት ፍቕሪ ድማ ንሱ እዩ።

ታሽዓይ ምዕራፍ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየ ሐዋርያዊ ምዕዳኖም ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ፤ ጸሎት ኣብ ስድራ ቤት ክንበር ዝግብኦ ምዃኑ እንክገልጹ፡ ስለምንታይ ኣብ መሪር ኩነት ነቲ ጸገም ዝልውጥን ነቲ ስቓይ ናይ ፍቕሪ መስዋዕት ገይሩ ዘቕርብ ናይ ስድራ ቤት ሕይወት ዘዋህድን ዘብርህን ስለ ዝዀነ እንክብሉ ተንቲኖም። ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ስድራ ቤት ከም ሓደ ፍጹም ክውንነትን ሓንሳብ ምስተዓሸገ ንወትሩ ዝበሃል ዘይኰነስ በንጻሩ ደረጃ ብደረጃ ናይ ሕድ ሕዳዊ ምፍቓር ዝምዕብለሉ ኣብ ፍቕሪ ዘዕብይ እዩ፡ ኣባይቲ ስድራ ዓለም ብሓባር ንጓዓዝ፡ ጉዕዞና ንቐጽል ቢሎም ንመላእ ኣባይቲ ስድራ ዓለም ተስፋ ኣይቝረጹ ይብሉ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.