2016-05-05 16:21:00

ኣብ ጸረ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራምን ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ቃልሲ ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ደገፍ


መንግስቲ ናይጀሪያ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ዕጡቓት ሓይሊ ኣሸበርቲ ቦኰ ሓራም ንምጥፋእን እዚዩ እናተላብዔ ዝመጽእ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ንምውጋድ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ናይጀሪያ እትርከ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደገፋ ብምግላጽ ብመዳይ ባህላውን መደብ ሕንጸትን ኣቢላ ክምእትተሓባበር ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጆስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሲዩስ ኣያኡ ካይጋማ ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ብፁዓን ጳጳሳት መሪሖም ምስ ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ሙሃሙድ ቡሃሪ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ካይጋማ  ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቦኮ ሓራምን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ናይጀሪያ ምርግጋእ ንሓደጋ ዘቃልዑን ምዕባለን ከይዲ ልምዓትን ዘሰናኽሉ ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ዕብየት ዝዀልፉ እያቶም ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይጀሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብመደብ ሕንጸትን ባህላዊ መርሕ ግብርታታ ኣቢላ ነቶም መንሽሮ  ሃገርን ሕዝብን ዝዀኑ ሓደጋታት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምስ መንግስቲ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝህልዋ ገሊጾም እንክብል ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ዮላን ማይዱጉሪ ጳጳስ ብወገኖም ብምኽንያት መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ዝመዛበሉ ዜጋታት ንምድጋፍ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕሪ ሓቢሮም ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ረድኤት ካሪታስ ነቶም ካብ ናይጀሪያ ተመዛቢሎም ኣብ ካሜሩን ንዝተሰዱ ዜጋታት ብቐረበ ንምክትታል እውን ካብ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍሉይ ጉጅለ ልኡካን ምብጻሕ ከምዘካይዱ እውን ጠቒሶም ህዝብን መንግስትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምርግጋጽ መደባት ክሰምሩ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዓመጽን ግብረ ሽበራን ብሔራዊ ሓደጋ እያቶም

ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ናይጀሪያ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ኣጋቱን ኒምቦን ዘሎ ዘይምርግጋእን እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦሎሩንፈሚ ኦናየካን ዝተፈጸመ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ ዝዘከሩ ብፁዕ ኣቡነ ካይጋማ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ብምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩን ሓረስቶትን ዜጋታት ብምቅይያርን ብከላን ናይ ተፈጥሮ ኣየር ምዝባዕ ምኽንያት ዘጋጥሞም ዘሎ ቁጠናዊ ማህሰይቲ ንምእላይ ድጋፍ ክግበረሎም እውን ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት

ብፁዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብፁዕ ኣቡነ ካይጋማ ብዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ መላእ ናይጀሪያ ክኽበርን መንግስቲ ንናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ወንጌላውያን ልኡካን ኣቢያተ ትምህርቲ ተባሂለን ዝግለጻ ብዘይ ኣድልዎ ድጋፍ ክግበረልንን ኣብ ናይ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ንናይ ክርስትና ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘገልግሉ ቤተ ጸሎት ክሕነጽ ጻውዒት ብምቕራብ  ኣብቲ ከባቢ ናይጀሪያ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ማእከላዊ መንግስቲ ዝተኻእሎ ክግበር ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.