2016-05-05 16:14:00

ግብጺ፥ ዛዕባ ሕንጸት ሓደሽቲ ናይ ኣምልኾ ስፍራ


ኣብ ግብጺ ካብ ሃይማኖት ምስልምና ወጻኢ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃማኖታት ናይ ኣምልዀን ስግደትን ስፍራ ሕንጸት ዝምልከት ንድፈ ሕጊ ንምርቃቕ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ መጽናዕትን ምኽክርን  ዝተገብረሉ ቅድመ ረቒቕ ሕጊ ከምዝቐረበን ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውሽጢ ክመያየጠሉ እውን ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ንናይ ግብጺ ኦርቶዶስካዊት ቤተ ክርስቲያን ክትምልከቶን ከተዕምቆን ሓሳባ እውን ከተቕርብ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ንላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምእተመሓላለፈ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥  ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያን እቲ መንግስቲ ዝሓስቦ ሕጊ እንታይን ከመይን ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣመልኪቶም ንመዘካኸሪ ዝኸውን ንናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ሓሳብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩ ገሊጹ፡ እቲ ሰነድ ድማ ኣብ ግብጺ ማሕበረ ክርስቲያን እምነቱ ንምግላጽን ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ንኽህልዎ ዘተሓሳስብ ናይሃማማኖት ነጻነት ምንባር ዘሸግር ምዃኑ ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ኣምልዀ ስፍራ ሕንጸት ዝፈቅድ ሕጊ

ኣብ ግብጺ ኣብ ከባቢ ጉኢዘሕ እትክርብ ናይ እስክንድሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቢተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንባ ኣንጦኒዮስ ኣዚዝ ሚና ናይ ኣምልዀ ስፍራ ሕንጸት ሕቶ ዝቕበልን ፍቓድ ዝህብን ናይ ከባቢ ኣባይቲ ምኽሪን ናይ ኣካባቢ መንግስታዊ በዓል መዚ ክኸውን ዝብል ብኻልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ተቐባልነት ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ሓሳብ ኣሎ፡ ስለዚህ ከምቲ ማንም ግለ ሰብ መንበሪ ቤቱ ንክሓንጽ ንከባቢ በዓል መዚ ሕቶ ዘቕርቦ ክምኡ እውን ንናይ ኣምልዀን ስግደትን ስፍራ ሕንጸት ክኸውን ይግባኦ። ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ሕንጸት ናይ ዞባን ወይ ብሔራዊ ናይ ማእከላይ መግስቲ በዓል መዚ እዩ ዝምልከቶ፡ ምእንቲ’ዚ እዚ ስልጣን ንናይ ኣካባቢ ቤት ምሕደራ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብ ግብጺ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘቕረበት እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕንጸት ዝኽልክል ናይ ኦቶማን ንጉሳዊ ስርዓት ስምምዕ

እቲ ኣብ ግብጺ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕንጸት ምፍቃድን ዘይምፍቃድም ዝምልከት ሕጊ ናይ ዘመን ንጉሳዊ ስርዓት ኦቶማን ዝነበረ ውሳኔ እዩ። ካብ 1934 ዓም. ንነጀው ድማ ናይ ግብጺ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ንሕንጸት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ናይ ኦታማን ውዕሊ  ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራን ናይ መንግስቲ ሕንጻታት ኣብ ዝርከብሉ ከባብን ኣብ ናይ መጓዕዝያ ባቡር ጣቢያታት ዝኣመሰሉ ማሕብራውያን ከባብታትን ኣብ ናይ ዜጋታት መንበሪ ከባቢ ምሕናጽ ክልኩል ዝብሉ ዓንቀጽ ዘጠቓለለ ካልእ 10 ሓደስቲ ሕግታት ብምውሳኽ ብሓፈሻኡ ኣቢያተ ክርስቲያን ምሕናጽ ዝኽልክል ሕጊ ኣብ ግብጺ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.