2016-05-14 17:02:00

መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ


ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቀዋሚ ድቁና ንደቂንስትዮ ዝብል ዝገለጽዎ ሓሳብ ብዕምቀት ክጽናዕ ደኣ እምበር ፍቑድ ይኹን ዝብል ከምዘይኰነ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ደናግል ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጽምዎ እዮም። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ደዊሎም እቲ ድርገት ክቐውም ኣለዎ እንክብሉ ደጊሞም ከምዝገለጽሎም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመኪቶም መግለጺ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኰ ሎምባርዲ፥ በቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ መሰረት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ንዝህባሉ ዘለዋ ትንታኔ ኣመርኵይዞም ድማ፡ ቅድም ቀዳድም እቲ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ደናግል ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ደስ ዘብልን ኣብ ተልእኾን ኣገልግሎትን ዘተባብዕን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ግደ ማሕበራት ውፉያን ሕይወት እንታይ ተመስሎኡን ምዃኑንን ዝገልጽ ብዙሕ ነጥብታት ዝዳህሳሰ ምንባሩ ሓቢሮም፡ ነቲ ርክብ ኣብቲ ሓደ ነጥቢ ምፍቃድ ወይ ድማ ዘይምፍቃድ ቀዋሚ ድቁና ንደናግል ኣብ ዝብል ሓደ ነጥቢ ምጥቕላል ዓቢይ ጌጋ ጥራሕ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ርክብ መንፈስ ዘይምፍላጥ እዩ ዘረጋጽ ኢሎም።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ቀደም እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳብ እዩ ኣብ ፋልማ ቅዋሜ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናት ደቀንስትዮ ከምዝነበራ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝገልጾ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተገብሩ ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳን ጽሑፋታ እውን ኣሎ፡ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት እውን ዝተመያየጠሉ ሓሳብ እዩ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ደናግል ማዕርገ ክህነት ይቀበላ ኣይኰነን ዝበሉ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነት ንደቂንስትዮ ዝብል ሓሳብ ጠሪሾም እውን ኣይተዛረቡን በንጻሩ ስብከት ኣብ ቅዳሴ ንሰራኤ ካህን ዝምልከት ምዃኑ የነጽሩ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ማዕርገ ድቁና ንደቂንስትዮ ከምዝፈቐዱ ወይ ድማ ክፈቕዱ እዮም ቢልካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ መደምደምታ ሓሳብ ምሃብ ጌጋ እዩ ኢሎም።   








All the contents on this site are copyrighted ©.