2016-05-17 15:12:00

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢንዶነዢያ ልኡከ መንግስቲ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምትብባዕ


ኢንዶነዢያ እታ ኣብ መላእ ዓለም ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ብብዝሒ ዝርከባ ሃገር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ናይ ኢንዶነዢያ መዓልቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት  ኣብ ከተማ ማናዳ ቀጺሉ እውን ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ ዕለት 6 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. 29 ሃገራት እስያ ዘጠቓልል ናይ መላእ እስያ ካቶሊካውያን መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዮግዮካርታ ከተእንግድ ምዃና እንክሕበር በዛዕባ እዚ መደብ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካይዱ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢንዶነዢያ ልኡከ መንግስቲ ኣንቶኒዩስ ኣጉስ ስሪዮኖ፥ ኢንዶነዢያ ነዞም ዝተገጹ ክልተ ዓበይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መርሃ ግብርታት ብምእንጋድ ካቶሊካውያን ዜጋታት ኢንዶነዢያ ናይታሃገር ሕዝቢ ኣካል ምኻኖም ዝምስክርን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓቢ ኢንዶነዢያዊ ዜጋ ኣካል እታ ሃገር እዩ። ሰለዚህ ሽሕኳ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብላጺ ይዅን ብዘየገድስ ኩሉ ወዲ ሃገር ብማዕርነት ዝነብረላ ሃገር እያ። እዚ ድማ ኢንዶነዢያ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝተረጋገጸላ ሃገር ምዃና ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢንዶነዢያ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 90 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። ስለዚህ ካቶሊካዊ ክርስትያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታኣት ሰዓቢ ብዝሒ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። እዚ ብዘየገድስ ግና ምትሕብባርን ሓድነት ምክብባርን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ብምቕዳም ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝተረገጸላ ሃገር እያ። ሰላምን ምርግጋእን ኢንዶነዢያ ህዝቢ ሓንቲ ኢንዶነዢያ ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ጠመተኡ ዝቖመ እዩ። እዚ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ሓድነት ሃገርን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታ ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ድማ ንሃገራዊ ሓድነትን ሰላምን ምርግጋእን ዓቢይ ዋሕስ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.