2016-05-21 15:39:00

ሃገረ ቫቲካን፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን


21 ዓንቀጽ ዘጠቓለለ ሰፊሕ መቕድም ዘለዎ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ከምእተኸተመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት፡ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ናጻን ዘየተኻኽኡን ክልተ ልዑላን ቕዋሜታት ምዃኖምን ናይ ክልተ ሉኣላውያን ቅዋሜታት ሰናይ ርክብ ዘነጽር ከምዝዀነ ገሊጹ።

እቲ ብናይ ክልትኤን ሃገራት ልኡካን ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ብንጽል ምስ ዝጸድቕ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከታ መዳያትን ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርትን ዝወሃብ ናይ ግብረ ገብን ናይ ስነ ሃይማኖት ሕንጸትን ትውሳኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣባላኣት ሓይሊ ምክልኻልን ኣባይቲ ማሕቡስን ኣባይቲ ሕክምናን ዝምልከትን ናይ ግብሪ ክፍሊትን ንኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ካህናትን ገዳምውያንን ደናግልን ናብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ናይ መእተውን መንበርን ፈቓድን ኣብ መንጐ መንግስቲ’ታ ሃገርን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ገላገርን ብወገን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ድማ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ራይሞንዶ ዚባንዳ ትንጋሙሎንጐ ዝተኸተመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.