2016-05-24 15:51:00

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ግብረ ሰናይ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ንኽልተ መዓልቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ብርቱዕ ድላይ ኣብ ቱርኪ ርእሰ ከተማ ኢስታንቡል ንኽካይድ ናብ ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሰናይ ዋዕላ፥  ዝዀነት ትኹን ስድራ ብዘይ ቤት ዝዀነ ይኹን ስደተይና ብዘይ እንገዳ ዝዀነ ይዅን ሰብ ብዘይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓደ’ኳ ብዘይ ክንክን ጥዕናን ሓደ ሕጻን ብዘይ ናይ ንእስነት ዕድመን ሓደ መንእሰይ ብዘይ መጻኢ ሕይወትን ብዕድመ ዝደፍአ ዜጋ ብዘይ ክቡር ናይ እርጋን ሕይወትን ከይተርፍ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘምርሔ መልእኽቲ ናብ ክቡር ዋና ጸሓፊ ባን ኩ ሙን ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳብቲነሊ ሓቢረን።

ብግልን ብሓባርን ሓይልታትናን ብጋሴታትናን በቢ ዘሎና ሓላፍነትን ተመክሮን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ብዝዓስሎ መንፈስ ብምውህሃድ ብዘይ ኣድልዎ ኵሉ ስለ ኵሉ ክሓልይ ድላይ ጥራሕ ዘይኰነ ግቡእ እውን እዩ ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና፥

ዕዳጋዊ ግብረ ሰናይ ኣይፋል ንበል

ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ውግእን ግጭትን መፍትሒ ንኸይረክብ ዝድርኽ ዘሎ እቲ ንብዙሓት ዘመዛብል ዘሎ ውልቃውን ብሔራውን ጥቕምታትን ወትሃደራውን ኤኮኖሚያውን ናይ መልክኣ መሬት ፖለቲካውን ኣቀማምጣን አስገዳድ ግዝኣተ ሃብቲ ገንዘብን ስልጣንን ዝብል ጥቕማ ቕምታት እዩ። ብዙሕ ጊዜ እውን ግብረ ሰናይ ብናይ ኤኮኖሚ ስምምዓትን ርእየት ዓለም ዝጽለው ኰይኑ እዩ ዝረአይ። ምእንቲ’ዚ ሰብኣዊ ሕይወት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ዘኽብር ዝተሓደሰ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጸጥታን ድሕነትን ዓለም ለኻዊ ድላይን ዘማእከለ ሕርኩት ጻዕሪ ምኽዋን የድሊ።

ሓደ’ኳ ድሕሪት ከይተርፍ

እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕዝብታት ዓለም ነጻነቱ ዓቂቡን ማሕበራውን ባህላውን መንነቱ ንተገሎ ዝዳርጐ ዘይኰነስ በንጽሩ ምትሕብባርን ዘተን ስላምን ዘተባብዕ ክኸው ኣለዎ። ሓደ’ኳ ድሕሪት ከይተርፍን ከይሕደግን፡ ኵሉ ዝከኣሎ ሰናይ ክገብር ዝብል እቲ ዋዕላ ንኽካድ ኣብ ዝጠልብ መልእኽቲ ዝተነብረ ሓሳብ ጠቒሶም ኩሉ ብዘጋጥሙ መሰናኽላት ኢዱ ከይሃበን ተስፋ ከይቆረጸ ብዛዕባ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዝህቦ  ወሳኒ ሓላፍነቱን ተግባሩን ለቢሱ ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክተግህ ይግብኦ።

ንማሕበረስብ ዝግደስን ዝከናኸንን ምልላይ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዝካይድ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ እቲ ምእንቲ ካልኦትን ስለ ጐረቤትን ንሕዙናትን ነቶም ናይ ውእግ ኣደዳ ንዝዀኑን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘገልግልን ስሌኦም ዝዓይን ሰናይ ዝሓስብን ዘጸናንዕን ዘካይዶ ጻዕሪ ብምልላይ እቲ ንሕዝቢ ዝሓልይ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ሰላምን ምክብባርን ክንክንን ይቕረ ምብህህልን ተባዕ ጽዕሪ ዘካይድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝድግፍ ኣጋጣሚ ክኸውን ቅዱስነቶም ተመንዮም፡ በዚ መገዲ’ዚ ጥርሕ እዩ ግዳያት ዝዀን ንምድሓ ዝከኣል ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

ሰብ እምበር ኣምር ኣይኰንና እነፍቅር

ማንም ኣምር ወይ ድማ ጽንሰ ሓሳብ ዘይኰነስ ሰብ እዩ ከፍቅር ዝግብኦ። ሰብ እዩ ዝፍቀር፡ እቲ ዓቢይ ህያብ ካብቲ ስለ ኻልኦት ምፍቃር ካብ ዝብል ንዅሉ ካብ ዘፍቅር ፍቕሪ ዝምንጭው ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይቲ ዋዕላ ብድሆ ድማ ናይቶም ኣደዳ ዝዀኑን ዝሳቐዩን ኣውያት ጽን ምባል ዝብል እዩ። ንሳቶም ሰብኣውነት ክምህሩና እዮም። ኩላትና እንስዕቦ ከይዲ ሕይወትን ፖለቲካን ኤኮኖሚያዊ ሜላን ዘሎና ልምድታትን ጠባይን ኣረኣእያን ናተይ ባህሊ ብሉጽ እዩ ዝብል ናይ ካልእ ባህል ዘነኣእስ ኣረአእይና ንኽንልውጥ ዝሕግዙናን ዝምህሩናን እያቶም፡ ስለዚህ ነቲ ሰብኣውነት ዝምህር ኣውያቶም ጽን ዝብል ይኹን ከምዝበሉ ገሊጸን፥  እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ እቲ ዝካየድ ዋዕላ ነቶም ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓለዋን ክንክንን ክቡር መጻኢ ንዘናድዩ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝድርኽ ክኸውንን ነቶም ብዝተፈልለዩ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ንዝስቐዩ ቅኑዕን እውነተይናን ዓሚዩቕ ናይ ኩሉ ስብኣዊ ክብርን መሰልን ሓልዮ ዘማእክለ ግብረ ሰናይ ዘረጋግጽ ይኹን ሓደራ ከምዝብሉ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን








All the contents on this site are copyrighted ©.