2016-05-28 16:06:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ጽርሃ ጽዮን ልብኻ ኣንቢርካ ኣብ ጎዳና ግብረ ሰናይ ምጉዓዝ


እምነት ርእየት ዓለም ከይከውንን ግብረ ሰናይ ድማ ሰብኣዊ ፍቕሪ ጥራሕ ከይከውን እናተጠንቀቕካ ኣብ ኵሉ ስፍራ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ክበርኽ ምግባር ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ነቶም ንናይ ማሕበር ዶን ኦሪዮነ ናይ ጠቅላሊ ሓለቓን ኣማኸርትን ንምምራጽ ኣብ ዝተኻይደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫኢካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።

ካህናት ማሕበር ዶን ኦሪዮነ ተጓዓዝቲ እያቶም። ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ወትሩ ነቶም ዝተሓድጕ ንምሕጋዝ ኣእጋሮምን ልቦን ስሉጥን ወትሩ ኣብ ግዕዞ ግብረ ሰናይ ዝነብሩ እያቶም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ 1900 ዓመታት ዝተመስረተ ማሕበር ዶን ኦሪዮነ ኣባላት፥

ግብረ ሰናይ ግብረ ሰብኣዊ ፍቕሪ ጥራሕ ከይከውን

እቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓን ኣማኸርትን ሓርዩ ሓዋርያዊ ምሕደራኡ ከምዝሓደሰን ንሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ታሪቺዚዮ ቪየኣን ኣማኸርቶምን ነቲ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ ዕላማ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ክውን ዝገብሩን ነቲ ናይ ማሕበር ኦሪዮነ መንነት ንሱ ድማ ምግልጋል ንኽርስቶስን ድኻታትን ዝብል ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ንሕዝበ እግዚአብሔር ዘወፍይዎ ግብረ ሰናይ እዩ፡ ኣብ ድኻታትን ብሕብረተሰብ ብዝተሓድጉንብ ዝተነጸሉን ብዝተናዕቁን ኣቢሎም ንኽርስቶስ ንምግልጋል ዝተጸውዑ ምዃኖም ድማ ኣዘካኺሮም፡ ነቲ ኣካለ ክርስቶስ ኣብ ድኻታት ብምግልጋል ምስኡ ንኽሓብሩ እምነት ርእየት ዓለም ከይከውንን ግብረ ሰናይ ሰብኣዊ ፍቕሪ ከይከውንን ቤተ ክርስቲያን ድማ ተራ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ረድኤት ከይትኸውን ነቒሖም ኣብ እምነት ዝነብሩ ምዃኖም ከይዝንጉዕ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።

ዝስዋእ ፍቕሪ ወትሩ ኣብ ጎደናታት

ዶን ኦርዮነ ካህናቱ ናይቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ቁስልን ሕማምን ክፍውሱን ብግብረ ገብን ጭቡጥን ድጋፍ ክቕርቡን ሓደራ እንክብሉ ዝህብዎ ዝነበረ ምዕዳን ቅዱነቶም ዘኪሮም፡ እዚ ምዕዶ ኣባ ኦሪዮነ ክነብርዎ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ እዚ መለለይኦም’ዚ ህያው ክገብሩን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ንኸበስሩ ዝተውሃቦም ሓዋርያዊ ሕድሪ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ክትግብርዎ ሓደራ ቢሎም፥  ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣባ ኦሪዮነ ብሕይውቱ እንከሎ ብዙሓት ናይቲ ማሕበር ካህናት ድኻታት ንምሕጋዝ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ዘርእይዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ቅንኣቶ ምኽንያት ነቶም ካህናት ጐየይቲ ካህናት እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ዝንገር ታሪኽ ድማ ዘኪሮም፡  ቅዱስ በርናድሮስ ከምዝብሎ ፍቕሪ ተጓዓዛይ እዩ፡ ፍቕሪ ወትሩ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ጉዕዞን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ኣባላት እቲ ማሕበር ስለ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾን ኣገልግሎትን ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ክርከቡን ድማ ክጽልዩ ሓድራ ቢሎም ናይ ውፉይ ሕይወት ጸዋዕታ መታን ክጥጥዕ መንፈሳዊ ሕንጸትን ናይ ውፍይ ሕይወት ውህበትን ውበትን ድማ መስክሩ ከምዝበሉ ገሊጾም።

እንነብረሉ ዓለም ኣብ ተራ ዝዀነ ሰብኣዊ ፍቕሪ ዘይጽመድ ክንይው ተራ ሰብኣዊ ዘማእከለ ፍቕሪ ዘብል ንቐረባን ርሑቕን ዘሎ ሕዝቢ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘብጽሕ ካህንን ገዳማውን የድሊ እዩ። ካብ ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ዝሓረኹምዎ ውፉይ ሕይወት ጠመተኹን ከየወገድኩም ልብኹም ኣብ ጸርሐ ጽዮን ኣንቢርኩም ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ብዘይ ምጉናይ ናብ ኩሉ ኣብጽሑ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.