2016-05-28 16:10:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ልደት ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ


ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ዝዝከር ዘሎ መበል 500 ዓመት ልደት ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ዝካይድ ዝነበረ ኢዮቤላዊ መንፍሳዊ መደባት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሮም ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርያም ዘቫሊቸላ ናይ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ማኅበር ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ኣባላት ናይ ኢቭረኣ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ኣልዶ ቸራቶን ናይ ብሪሚንግሃም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ብይርነን ኣብ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ኣናጐስጢንን ወመዘምራንን ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ኣባ ፈሊቸ ሰልደንን ናይ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ፈደራላዊ ናይ ኣናጐስጢስን ወመዘምራንን ማሕበራት ጠቕላሊ ወኪል  ኣባ ማሪዮ ኣልበሮ ኣቪለስ ተዓጂቦም ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ተላጋቢ ሓሴት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝለገስዎ ስብከት ካብቲ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ንኣባላት ኣናጉስጢስ ወመዘምራንን “ደቃተይ ወትሩ ሕጉሳትን ሓሴት ዝተመላእኩምን ኩኑ፡ ኣይትኣብሱ፡ ሕጉሳት ግና ኵኑ” ዝበልዎ ምዕዳን ጠቂሶም ሓሴትን ፍስሓን መለለዪ ሕይወት ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ምዃኑን እዚ ድማ ምስ ክርስቶስን ምስቲ መልእኽቲ ድሕነት ዝዀነ ቃሉ ካብ ዝነበሮም ጥብቅን ውሳጣውን ርክብን ውህደትን ዝምንጭው ኣብነት እዩ እንክብሉ ተንቲኖም። ምስ ክርስቶስ ካብ ዝኸውን ሓቀይና ርክብ ዝምንጨው ሓጎስ ተላገብ እዩ። ምስ እትራኸቦን ምስ እተቐርቦን እተመሓላልፎ እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኢጐነትን ስስዔን ዝተመልኦ ዓለም ናይ መጻኢ ራዕዲ ዝስምዓሉ ዓለም ኣብነት ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ዝልውጥን ዝሕድስን እዩ። ሓቀይና ርክብ ምስ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ንሰብ ሰላምን ምልኣት ባህግን ዘዕትር ከምዘዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ንዓለም ዕንቅፋት ዝዀነ ሓዋርያውነት

ኣብ ገለ ገለ እዋን ሓዋርያውነት ዕንቅፋት ኰይኑ ክርከብ ዝከኣል እዩ። ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ነቶም ኣብ ኢፍትሓውነትን ኣብ ሓጢኣትን ኣብ ንፍጉነትን ብሓፈሻኡ ነቶም ተስፋ ዝብል ቃልን ኩነትን ጠሪሹ ትርጉም ከምዘይብሉ ኣብ ዘእምን ኩነት ንዝነብሩ ዝነበሩ ፍቕርን መለኰታዊ ምህረትን ዝምስክር ዝነበረን፡ ኣብ መንጐ እቶም ካብ እግዚኣብሔር ርሒቖምን ድሕነት ከም ዝዓተርዎ ገይሮም ዝሓስቡ ዝነበሩ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ በቲ ዝነብሮ ዝነበረ ሓዋርያውነት  ኣማእኪሉ እዚኣቶም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዳግም ኣብ ልባቶም ሕይወቶም ተስፋ ክኹላዕን ጉዕዞ ሕይወቶም ብሓድሽ መንፈስ ነኸበግሱ ደራኺ እውነተይና ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ተኣማኒ ምስክርነት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ይብሉ፥ ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ሽሕራዊ ቀመር ኰነ ናይ ብዙሓት ሕሰም ዝተመልኦ ከርፋሕ ሕይወትን ሕይወት ናይቶም ኩሉ ዝተሓርሞም ዝልውጥ ሓይሊ ዝነበሮ ዘይኰነስ ሓደ ከምኦም ኰይኑ ኣብቲ ሕሰም ዝተመልኦ ሕይወቶም እናኣተወ ከምኦም ሓደ’ኳ ዘይብሉ ኰይኑን ኩሉ ዝነበሮ ቀንጢጡን ጉዕዞኦም እናተቛደሰ ዘንብር ሓዋርያውነት እዩ ዝስዕብ ዝነበረ፡ እዚ ክርስቶስ ኣብዞም ዝተናዕቁ ምግልጋል ዝተመልኦ ሕይወቱ ድማ እሙንን ተኣማንን ምስክርነት ኰይኑ ካብቲ ኣብቲ እዋን ዝስበኽ ዝነበረ ንላዕሊ ልቢ ብዙሓት ዝለወጠ እዩ። ሮማ ካብዚ ቕዱስ ረቢሓ እያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኩሉ ክርድኦ ዝክእል እዚዩ ዘይተሓላለኸ ቃል ዝጥቀም

ብዙሓት መንእሰያት ንቕዱስ ፊሊፖ ነሪ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ንሳቶም ክርድእዎ ብዝኽእል ቋንቋ ግልጽነትን ቅንዕናን ፍቕርን ብዝተመልኦ ቋንቋ ይዛረቦምን ይቐርቦምን ፍቕሪ ይምስክረሎምን ስለ ዝነበረ እዩ እምበር ዝተራቐን ዝተሓላለኸን ጥዑም መሳሊ ቃል ዝነዝሕ ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። ሓሴት ብቓልን ሕይወትን የበስሮም ኔሩ። ነቲ ውዕዉዕ እድሜኦም ባዶ ሓጐስ ዘይኰነስ እውነተይና ሓጐስ ከንብሮም ኣብ ዝኽእል ሕይወት ከሕልፍዎ ይምዕዶም ስለ ዝነበረ እዩ። ብዙሓት ድማ ደድሕሪኡ ይኸዱ ነይሮም። ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ እንኰ ሃብቲ ምዃኑ በቓልን ሕይወትን ይምስክረሎም ስለ ዝነበረ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፥

ማሕበር ኣናጐስጢስን መዘምራንን ቤት ትምህርቲ ሕውነት እዩ

ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ምስጋና ነቲ ተግባሩን ኣብነቱን ኣብ ዝዀነ ይዅን ዘመን ሓይሊ ኰይኑ እዩ። ሰብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክምለስ ዝብል ኣገልግሎት ጥራሕ ዘይከነስ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብኣ ርሒቑ ዝነብር ሰብ ኣዚያ ክትግደስ ኣበራቢርዋ እዩ። ሰብ ምስቲ ምሕረትን መለኰታዊ ፍቕርን ክዕረቕን ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብ ምሕረትን መለኰታዊ ፍቕርን ክደምዕን ኩሉ ኣብ ርክባቱ ነዚ ልዑል ፍቕሪ ክነብር መታን ዘርአዮ ኣብነት ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ቀንዲ ተልእዀኣ ከተተኵር ዝሕግዝ እዩ። ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መኣድን ቃሉን ንኽንሓብር ዘስተምሃረ ኣዩ። እቲ ማሕበር ኣናጐስጢስን መዘምራንን ድማ ዝዀነ ይዅን ምግምማዕን ፍልልያትን ብፍቕሪ ክርስቶስ ከምዝውገድን ፍቕሪ ኢየሱስ ምንጪ ሕውነት ምዃኑን ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃንና ዝምስክር እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.