2016-05-28 16:18:00

ዜና ዕረፍት ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ካሕሳይ


ታሪኽ ሕይወቶም!

ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ካሕሳይ መጋቢት ዕለት 14 1912 ዓ/ም ካብ ኣቦኦም ሓለቃ ካሕሳይ ወልደአብን ኣዲኦም ወ/ሮ ጸሐይቱ ታደለን ኣብ እንዳባ ጫሕማ ፂኢ ዝባን ቅስጢ ትግራይ ተወልዱ፡፡ ወላዶም ብኹሉ ዝተመስከረሎም መንፈሳውያንን ብእምነቶም ጽኑዓትን ነበሩ፡፡ ኮይኑ ግን በቲ ግዜ እቲ ኣብ ከባቢኦም ንካቶሊካውያን ዘሳድድ ሃዋሁ ስለዝነበረ ንእምነቶም ክብሉ ብርቱዕ ስደትን መከራን ተቀቢሎም። ነቲ ጐ.ኢ.ክ ኣብ ወንጌሉ ‘ብኣይ ምኽንያት ቤቱ ርስቱ ኣሕዋቱን ቤተሰቡን ዝሓደገ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ንዝብበሎ ቃል ብምዝካር ስድራቤት ወዲ 8 ዓመት ዝነበሩ አባ ጴጥሮስ ብምሉኦም ዓዶምን ርስቶምን ኣዝማዶምን ሓዲጎም ናብ ኤርትራ ተስዱ፣ ካቶሊካውያን ዝንበሩሉ ዝነበሩ ዓይላ ጉንደት ኣብ ዝበሃል ኣውራጃ ሰራየ ናይ ሎሚ ዞባ ደቡብ ክነብሩ ጀሚሮም፣

ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሔ ወለዶም ካብ ደቆም ሓደ ካህን ክኾነሎም ዓቢይ ሃረርታ ስለዝነበሮም ነቲ ካብ ንእስነቱ ብጸሎትን ጽቡቅ ኣብነትን ኰስኲሶም ዘዕበይዎ ናብ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ከረን ብ1929 ዓም ሰደድዎም ኣባኡ ከኣ ቀዳማይን ካልእይን ብርኪ ትምህርቶም ብዓወት ዛዘሙ፣

ካባኡ ናብ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ብምስግጋር ናይ ክልተ ዓመት ትምህርቲ ፍልስፍናን ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርተ ንባበ መለኮትን ብትግሃት ድሕሪ ፈጺሞም ግንቦት ዕለት 25 1941 ዓ. ም. ብኢድ ብጹዕ አቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ኣብ ዓዲ ዜኑ ማዕርገ ክህነት ተቀበሉ፡፡

ድሕሪ ክህነት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታትን ቊምስናታትን ኣገልጊሎም፣  

ብ1942 ዓ. ም. ኣብ ከባቢ ከረን ናብ 3 ቁምስናታት እናተመላለሱ ንሓደ ዓመት ኣገልጊሎም።

ብ1943 ዓ. ም. ኣብ ቁምስና ተራእምኒ ተመደቡ፡፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ1944 ዓ. ም. ናብ ሐላይ ተቀየሩ፡፡ ኣብ ቊምስና ሐላይ ን11 ዓመትን 8 ወርሕን እንከገልግሉ ኣብዚ ጊዜ እዚ ብዙሕ ዓበይቲ ስራሓት ገሮም፣ ንኣብነት ካብ ዋና መንገዲ ናብ ዓዲ ዚኣቱ መንገዲ ማኪና ምስ ደቂ ዓዲ ብምዃን ኣጽሪጎም፣ ንደቂ ዓዲ ብምጉስጓስ ከኣ ነምልኾ ዘየመችእ ንዝነበረ ቤተክርስትያን ከምብሓዲሽ ኣስሪሖም ከምኡ እውን ቤተ ቆሞስን ምሳኡ ዝኸይድ ነገራትን ኣህኒጾም፣ ንቊምስና ሓላይ ብዝነበሮም ፍቅሪ ምሉእ ሕይወቶም ኣብኡ ክነብሩ ኣብኡ እውን ክቅበሩ ዝብል ሃረርታ ነርዎም ኮይኑ ግን ጥዕናኦም ስለዝየፍቀደሎም ድሕሪ ነዊሕ ኣገልግሎት ግንቦት ዕለት 18 1955 ዓ.ም. ናብ ቊምስና  ሐልሐለ ተቀዪሮም፡፡ ኣብ ሓልሓለውን ፈራሪሱ ንዝነበሩ ቤተክርስትያንን ገዛ ቆሞስ ካብ ዝነበራኦም ጥሪት ሸይጦምን ካብ ገበርቲ ሰናይ ብዝረኸብዎ ሓገዝን ኣሓዲሶሞ፣ ኣብዚውን ድሕሪ ናይ 5 ዓመት ኣገልግሎት ብትእዛዝ ኣሕሉቅ ብታሕሳስ ዕለት 18 1960 ዓ.ም. ናብ ጎንደር ተቀዪሮም፡፡ ኣብ ጎንደር እውን ንናይ ኮምቦኒ ማኅበር አባላት እናሓገዙ ኣብ ኣገልግሎት ቁምስና ተጸምዱ፡፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት  ኣብ ሆለታ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ተመዲቦም ናይ ተመሃሮ ዘርአ-ክህነት ኣባት ነፍስን መምህር ቋንቋ ግዕዝን  ሰዋስውስ ኮይኖም አገለገሉ፡፡ ብድሕሪዚ ኣብ አዲስ አበባ ናይ ቊምስና ቅዱስ ገብርኤል ቆሞስ ኮኑ፡፡ 

ኣብዚ እውን ከም ልማዶም ንዝጐደለ ንምምላእ ገዛ ቆሞስ ስለዘይነበረ ሽሕኳ ንርእሶም ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት እንተተጋደሉ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ምጭውቲ ገዛ ቆሞስን ንዝተፈላለየ ቤት ጽሕፈት ዘገልግል ክፍልታትን ብሓገዝ ገበርቲ ሰናይን ጽቡቅ ፍቃድ ኣቡነ ኣስራተማርያምን ሓነጹ፣ ኣብ ቊምስና ቅዱስ ገብርኤል ን12 ዓመትን ከ4 ወርሕን ብዓቢይ መንፈሳዊነትን ትግሃትን ምስ ኣገልገሉ ብ1974 ዓ.ም. ናብ ንኡስ ዘርአክህነት ተቀዪሮም ንሓደ ዓመት ኣበነፍስ ኮይኖም ኣገልገሉ፣ ብድሕሪዚ ብፍቃድ ኣሕሉቅ ንማሕበረ ልኡካን ላዛሪስት ንምሕጋዝ ንጅማ ተቀየሩ፣ ኣብ ጅማውን ብዘድንቅ ትግሃት ኣገልጊሎም። ሕዝቢ ብጣዕሚ ኣፍቂርዎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ተበታቲኖም ንዝነበሩ ካቶሊካውያን ብኣባታዊ ማዕዳን ስብከተ ወንጌልን ናብ ቤተክርስትያኖም መለሱ፣  ንሓደ ዓመትን 5 ወርሕን ምስ ኣገልገሉ ብምኽንያት ሕማም ናብ አዲስአበባ ተመሊሶም ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ዓዲ ጣልያን ንዕረፍት 5 ወርሒ ብፍቃድ ኣሕሉቅ ተላኢኾም ከኣ ኣብ ጀርመንን፣ ሆላንድን፣ ፈረንሳይንና ኢየሩሳሌምን ክበጽሑ ዕድል ረኸቡ፡፡ ብድሕሪዚ ኣብ ፊረንሰ ዓዲ ጣልያን  ምስ ማሕበር ኦርዮን ንሓደ ዓመት ድሕሪ ጸኒሖም ናይ ቅዱስ አምብሮስዮስ ቁምስና ሓጋዚ ቆሞስ ኮይኖም ን3 ዓመት አገልጊሎም፡፡ ብትግሃቶምን መንፈሳውነቶምን ዝተማረኹ ናይ ፊረንዘ ካርዲናል ብምሉእ ሓላፍነት ንከገልግሉ ምንተ ዶሚኒ ናይ ዝበሃል ቊምስና ምሉእ ቆሞስ ኰይኖም ከማሓደሩ ሸምዎም፣ ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ዝሕግዝዎም 8 ደናግልን ሓደ ድያቆንን ሃበዎም እሞ  ን10 ዓመት ብትግሃትን ተኣማንነትን ምስ ኣገልገሉ ናይ ፍዮረንቲና ቤተክርስትያን ዝለዓለ ሽልማት ተሸሊሞም፣ ኣብ ርእሲ እቲ ምዱብ ስራሖም ኣብ ከባቢኦም ንዝነበራ ቊምስናታት እውን ብትግሃት የገልግሉ ነበሩ፣ በዚ ዝተሓጐሱ ካርዲናል ፊረንሰ ናይ ክብሪ ዜጋ ፊረንሰ እውን ይብልዎም ነበሩ፣

ኣብ መጨረሻ ክቡር አባ ጴጥሮስ ንካርዲናል ፊረንሰ ብዝገበሩሎም ብምምስጋን እርጋንን ድኻምን ይቀላቀል ስለዘሎ ንዓደይ ክምለስ ምስ በልዎም ባሪኾምን ሸሊሞምን ብምድንፋቅ  ኣፋነውዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰኡ ኣብ ቤቶም እናነበሩ ንደናግል ሕያዋይ ጓሳ ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ብቅዳሴ ረዶም ከማኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ቊምስናታት ብሕልፊ ከኣ ኣብ ቊምስና መድሃኔ ዓለምን ቅዱስ ሚካኤልን ኣብ በዓላትን ኣብ ዝተጸውዑሉ መዓልትን ብዓቢ መንፈሳውነት ኣብ ቅዳሴን ኑዛዜን ይሕግዙ ነሮም፣  

ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ንእምነቶም ቀናእ ንቤተክርስቲያንን ንዝለበስዎ  መዓርገ ክህነት ፍጹም ተኣማኒ ብምዃን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንቤተክርስትያን ተኣዛዚ ብምዃን ፈጺሞም። ነቲ ክቡር ዝኾነ ዓቢይ መዓርግ ምስጢረ ክህነት ክሳብ መጨረሻ አክቢሮሞ ከምዝኸብር እውን ገሮም። ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ንዝአመንዎ ዕላማ ጽኑዕ ንድሕሪት ዘይብሉ በዓል ሓያል መንፈስን ሓቦን ኣቦ ነበሩ። ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ብባህሪኦም ንቁሕ፣ ጻዕረኛ፣ ቅኑዕን ዝለዓለ ርእሰ ምትእምማን ዝነበሮም  ዓበይቲ ይኹኑ ናኣሽቱ ዓቢ ኣድናቆት ዝልግሱሎም ኣቦ ነበሩ፣

ነፍሰሄር ጥቀ ክቡር አባ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና እንከለው ክሳብ መጨረሻ ደኺመ ሰልክዩኒ ተጸሊኡኒ ከይበሉ ነቶም ዝሕክምዎም ዝነበሩ ሓካይምን ኣሳሰይትን እናኣመስገኑን ስራሕኩም እግዚኣብሔር ይባርኽ እናበሉ ምሕላፎም ዓቢ ትምህርቲ እንክኾን ቤተ ክርስትያን እውን ብወገና ንኩሎም ክሳብ መወዳእታ ዝተሓጋገዝዎም ኩሎም ብሕልፊ ከኣ ንሓውቶም ወ/ሮ ኤልሳቤጥን ክቡራት ደቀን ጽጌረዳ፣ አብረኸትን ንካልኦት ኩሎም ኣባላት ቤተሰቦምን ከምዘመስገነት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከልና ዜና ገሊጹ፣

እግዚኣብሔር ንነፍሲ ኣቦና ኣብ ሕቊፊ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ይቀበላ ንቤተሰብን ቤተክርስትያንን ከኣ ጠለት ኣውርዲ መጸናንዒ መንፈስ ይልኣኽ፣La 








All the contents on this site are copyrighted ©.