2016-06-02 15:49:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ያይኒዝም (ጃይኒዝም) ላዕለዎት መንፍሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም


እቲ ማህቪራ ኣብ ዝሃቦ ናይ ሰብ ሰባኣዊ ፍጻሜ ዘይጎነጻውነት እዩ ኣብ ዝብል ትምህርቱ ኣብ 559 – 527 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ህንዲ ዝተበገሰ ሃይማኖት ዘለዓለማዊ ሓቂ ኩላዊ ሓቂ እዩ ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ናይ ዝስዕብ ሃይማኖት ኣብ ሎንደን ናይ ዝርከብ ጨንፈር ልኡካን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 2 ሰነ 2016 ዓ.ም. ናይ ዕረተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕራቦም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ክንክን ከባብን ተፈጥሮን ኣማእኪሎም ጻውዒት ዘጠቓለለ ዘረባ ከምዘስምዑ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቲኡ ኣብ ደቡባዊ ከባቢ እስያ ዝርከብ ብጠቕላላ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሾሞንተ ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ሃይማኖት ጃይኒዝም ኣብ ዘይጐነጻዊ ጽንሰ ሓሳብ ሰብኣውነት ዝኣምን ዘይጐነጻውነት ባህርይ ምስ ኩሉ ፍጥረት ዝብል መሠረተ ሃይማኖቱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፋንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ንኢዶም፥ እዚ ዓይነት ጽንሰ ሓሳብ’ዚ ነቲ ንተፈጥሮን ፍጥረትን ምክንኻን ዝብል ሰብኣዊ ሓላፍነት ዘበራብር እዩ። ፍጥረት ነጸብራቕ ፈጣሪ እዩ፡ ነጸብራቕ እግዚኣብሔር እዩ፡ ኵላትና እታ ንምንባርና ኩሉ እተቕርበልና መሬት ከነፍቅራ ይግብኣና። ኣብ ምድራዊ ሕይወትና ተሰንየና ትርጋጽ ህላዌና እያ፡ ስለዚህ ንክከናኸናን ሰላም ክንበራን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና እሞ ዘይጎነጻዊ  ባህሊ በቢ ዝተጸዋዕናሉ መገዲ ነነቓቕሕ ኢሎም፡ ናይ ጃይኒዝም ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብዚ መዳይ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ድማ ንኢዶም፡ ፍጥረትን ተፈጥሮ ሓደራ ንኸናኸን ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 2 ሰነ 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እቶም ናይ ሃይማኖት ጃይኒዝም ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፅዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ምስ ዝተመርሔ ጉጅለ ቅድስቲ መንበር ርክብ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ዓይነት ክሌኣዊ ርክብ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ጃይኒዝምን ዘሎ ሰናይ ርክብ ኣብ ምክብባርን ዝጸንዔ ምዃኑ ከምተዘከረን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ክህነጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጡ።

መሬት ቤት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናይ ኩሉ ክንክንን ሓለዋን የድልያ። ብሓባር እዚ መንፈስ’ዚ ኣብ መላእ ዓለምን ሕዝብን ክሰርጽ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ጃይኒዝምን ብሓባር ዝካይድዎ ተበግሶታት ዝቕጽል ምዃኑ እቲ ዘተኻየደ ርክብ ኣረጋጊጹ፡ ዘይጐነጻዊ  ባህሊ ብምስፋሕ ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክውን ክኸውንን ሰላምን ፍትሕን ድማ ተደጋጊፎም ዝኸዱ ብምዃኖም ሓልዮትን ቅርበትን ንድኻታትን ስኡናትን ኩሉ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተቛዳሲ ክኸውን ግንድ እዩ። ስለዚህ ክንክን ተፈጥሮን ሰብን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዘነጽር ናይ ሓሳብ ልውውጥ እውን ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፥ ሃብቲ ተፈጥሮ ብግቡእ ምጥቃምን እዚ ኣጠቓቕማ’ዚ ካብ ግብረ ምዝመዛ ናጻ ክኸውንን ንሕይወትን ንመጻኢ ወለዲ ዝሓስብ ኣጠቓቕማ እውን ክኸውን ከምዝግብኦ  እቲ ርክብ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.