2016-06-16 16:25:00

ስርወ እምነት፥ ህያባት መንፈሳውያን መርሖታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስሩዕ ስርዓተ ስልጣናትን ሓባራዊ ኣድላይነት


ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልድዊግ ሚዩለር ዕለት 14 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ቅዱነቶም ብዝሃብዎ ሓሳብን ምዕዳንን መሰረት Iuvenescit Ecclesia -  ህልውናዊ ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ኣርእስቲ ናቶም ናይ ዋና ጸሓፊኦም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ላዳሪያ ፊርማ ዘተነብሮ ይብጻሕ ናብ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝብል ሰነድ ዕለት 15 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዓቢይ ዕለት ዝተሓትመ ኰይኑ፡ ዕለት 14 ሰነ 2016 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ክምልከት እንከሎ፡ እቲ ሰነድ ናይ ቤተ ክርስቲያን መስርዓዊ ስልጣንን ህያባት መንፍሳውያን መርሖታትን ሓባራዊ ኣድላይነት ከምዘለዎምን ብቐዳምነት ድማ ብስርዓተ ምስጢር ዝወሃቡ ማዕርጋት (ጵጵስና፡ ክህነት፡ ድቁናን) ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብነጻነት ዝዕድሎ ህያብ (መፈሳውያን መርሖታት) ዝምልከት እዩ። እዚ ሓሳብዚ ድማ እቲ Iuvenescit Ecclesia -  ህልውናዊ ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝደረሶ ሰነድ ዘመልክቶ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሰነድ ቤተ ክርስቲያን ብሓይሊ ወንጌል ወትሩ ተሓዳሲት ናይ ቤተ ክርስቲያን መስርዓዊ ስልጣናን መንፈስ ቅዱስ ብዝጽግዎም መንፈሳውያን መርሖታት መሰረት ወትሩ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ትሕደስን ትሕነጽን ከምዝዀነት የብርህ።

ጽማሬ

Iuvenescit Ecclesia -  ህልውናዊ ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን

ብተኣዝዞ ንመጋብያን (ጓሶት) ስኑይ ምትእስሳርን ተማላእነትን

እቲ ሰነድ ካብቲ ኣብ መንጐ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዋማትን ሓደስቲ ምንቅስቓሳትን እኩብነትን ዘሎ ርክብ ከም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ግብረኣውን ሕቶታት ዘይኰነስ ኣብ ቲዮሎጊያውያን ሕቶታት ብምትኳር ስኑይ ምትእስሳርን ተማላእነትን እንክብል ይገልጾ፡ ስለዚህ እዚ ክበሃል እንከሎ ድማ እቲ ርክብ ኣብቲ ናይ መንፈሳውያን መርሖታት ዘሎ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ውህደት ዝኣመተ ፍርያማ ተሳታሳታፍነትን ስሩዕ ምዃኑን ዘመልክት እዩ፡ ስለዚህ እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ እቶም ምንቅስቃሳትን ቤተ ክርስትያናዊ እኩብነን ካብቲ ተኣዝዞ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስሩዕ ስልጣናትን ገዛእ ርእሶም ክኣልዩ ይኽእሉ ዝብል ኃላፍነት ኣይህብን፡ ከምኡ እውን ናይ ርእሰ ምሕደራ ስልጣናዊ  ሓላፍነት ኣብ እዋን ኣገልግሎት ኣየውህቦምን እዩ። ህያባት ንናይ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ክንጸጉ ዘይከኣሉ እዚዮም አገደስቲ እያቶም፡ ስለዚህ እውነተይና መንፈሳውያን መርሖታት ናብ ተልእኾን ናብ ተኣዝዞ ንመጋብያን (ጓሶትን) ንነባርነት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ክዀኑ ይግብኦም።

ቅዋማዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ግብረ ሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ቢልካ ዘይምንጽጻር

ምንቅስቓሳትን ቤተ ክርስቲያናዊ እኩብነትን ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስሩዕ ስርዓተ ስልጣናት ተጻራርቲ ወይ ከኣ ኣብ ማዕረ ማዕረኣዊ ደረጃ ከምዝቕመጡ ጌርካ ምርአይ ጌኣ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ቅዋማዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ግብረ ሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ብዝብል ፍልልያት ንቤተ ክርስቲያን ከተነጻጽራ ኣየድልን፡ ስለምታይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መርሖታት ጥምሮን ቀጻልነትን መታን ክህልዎም ቅዋሚኣውነት የድሊ፡ በዚ መገዲ’ዚ እቶም ክልተ ኵርናዓት ቤተ ክርስቲያን እምበአር ከስ እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ዕላማ ምስጢሩን ተግባሩን ህልው ኣብ መግባር ዝሓብሩ እያቶም።

ኵርናዕ መንፈሳዊ መርሖን ቤተ ክርስቲያናዊ ብስለትን

እቶም ሓደስቲ ክዋኔታት ወትሩ ምስ መጋብያን (ጓሶትን) ሓድነትን ነቲ ጓሶት ዝህብዎ ሓበሬታ ብምሉእ ጥንቁቃትን ተኸባርነቶምን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እትወቶምን ዝጠልቦ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ብስለት ክበጽሑ መታን ብልግሲ ተነቓቒሖምን ብናይ መጋብያን (ጓሶት) ኣቦነት ትኵርናን ሓለዋን ተሰንዮም ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ስለ እታ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኾ ሰናይነት ዝዓዩ ኰይኖም ንልቢ ቤተ ክርስቲያን ብሃሴትን ሞሳን ዝመልኡ ምስቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ህልው ምስ ዝዀኑ ካልኦት ህያባት ተራኻብነት ክህልዋ ይግባእ፡ እቶም መንፈሳዊ መርሖታት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ተልእኾን ብኹራት ክዀኑ የብሎምን።

መምዘኒ ንልልያ ሓቀይና መንፈሳውያን መርሖታት

መንፈሳውያ መርሖታት ሓቀይናነቶም ከመይ ቢልካ ተለልዮ? ነዚ ጉዳይ ብብቕዓት ዝምልከትን ዝውስንን መስርዕ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ እዚ እቲ ቀዳማይ መምዘኪ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ መጋበሪያ ቅድስና ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ወንጌላዊ ልኡክነትን ዝዓይን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት ቃለ ኑዛዜ ናቱ ዝገብርን ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስሉጥ ሱታፌ ዝምስክርን ናይ ዓንቀጸ እምነት ትምህርታ ብቕኑዕ ቅሩብነት ዝቕበልን ዘእንግድን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቶም ካልኦት መንፈሳውያን  መርሖታት ዘኽብርን ብትሕትና ነቲ ናይ ልልያ ፈተና ዝቕበልን ፍቅርን ሃሴትን ሰላምን ትሕትናን ዝብሉ መንፈሳውያን ውጽኢታት ዘለዎን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ማሕበራዊ ጎድኑ ዝጥምንትን እቲ ክቦክር ዘይብሉ ኣብ ሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንነት ዘሎ ምእንቲ ነቶም ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸሉን ዝተረስዑን  ምሉእ ምዕባለ ምስትውዓል ዝብሉ መምዘንታት መለለዪ ናይ ሓቀይና መንፈሳውያን መርሖታት እያቶም።

መምዘኒ ሕጋዊ ተፈላጥነት ብሕገ ቀኖና ደረጃ

ካልኦት ክልተ ዓበይቲ መሰረታውያን ንናይ ሓደስቲ ክዋኔታት ቤተ ክርስቲያን ተፈላጥነት ዝህብ መምዘንታት እቲ ሕጋው ተፈልጥነት በቲ ብሕገ ቀኖና ተመልኪቱ ዘሎ መምርሒ መሰረት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓደስቲ ክዋኔታት መንፈሳዊ መርሖ ፍሉይነቱ ምኽባር ዝብልን እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ሰፊሩ ዘሎ መምርሒ ነቶም ሓደስቲ ክዋኔታት ንምድሃል ብዘይ ምጥምዛዝ ብትኽክል ምትርጓም ዝብል ኰይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ናይቶም ሓድስቲ ክዋኔታት መንፈስውያን መርሖታት ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ስሉጥ እትወት መታን ክህልዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስሩዕ ስልጣናዊ ህያብ ተወካስነት ብምጉዳል ንገዛ ርእሱ ከም ተመዓራራዪ ክዋኔ ከይረአየ ናይ ቤተ ክርስቲያን መስርዓዊ ስልጣን ምኽባር ዝብል እዩ።

ርክብ ኣብ መንጐ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘይውገድ እዩ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጽደቕዎ ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰነድ ከምዘመልክቶ፥ ኣብ መንጐ ህያብ ስሩዕ ስልጣን ቤተ ክርስቲያንን መንፈሳውያን መርሖታን ዘሎ ርክብ ነቲ ኣብ መንጐ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ክተርፍ ዘይክልእ ዘይግብኦን መሰረታዊ ተራኻብነት ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ  መንፈሳውያን መርሖታት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ውህበት እያቶም፡ እቲ ንጡፍ ኣገልግሎቶም ኣብ ጭቡጥ ሰበኻ ብምንብር ዝኽወን እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ ድማ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ጸዋዕታን ንምስጢረ ተኽሊልን ድዩ ንንጽሕናን ክህነትን ወይ ድማ ብስርዓት ንዝውሃቡ መዓርጋት ንምንባሮም ዕብየቶምን ዝድግፍ ሓቀይና ተኽእሎ ዝውክሉ እያቶም። ውፉይ ሕይወት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መርሖታት ኩርናዕ ዝቕመጥ እዩ። ስለምታይ እቲ መንፈሳውነት ንመላእ ዓለማዊ ምእመን ከምኡ እውን ውሉደ ክህነትን ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ጸዋዕታ ንኽነብሩ ዝድግፍ ብምዃኑ ኣገዳሲ ሃብቲ ይኸውን።

ናይ ማርያም ኣብነት ምጥማት

እቲ ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሰነድ ንማርያም ኣኖ ቤተ ክርስቲያን ንናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ምሉእ ምእዝውነታን ናይ ብሩህ ትሕትናን  ኣብነት ንዝኾነት ማርያም ክኽጥመት ዓዲሙ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብፍድፋድ ኣብ መንጐ ዓለምውያን ምእመናን ዝጸገዎ መንፍሳውያን መርሖታት ምእዙዛት ኣአንገድትን መታን ክኾኑን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ተልእኮን ንናይ መላእ ዓለም ጥቕምን ውጽኢት ንኽህልዎ ንማርያም ብዝማለድ ሓሳብ ይጠቓለል።








All the contents on this site are copyrighted ©.