2016-06-25 19:31:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ አብ ኤስያ ክፍለ ዓለም አብ አርመን ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ኤስያ ክፍለ ዓለም አብ አርመን ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ትማሊ ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝነቀሉን ካብ ዓለም ለኸ መዕረፍ ነፈርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ድሕሪ አርባዕተ ሰዓታት በረራ ብናይ አርመን ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሰለስተ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ዝቫርትኖትስ አትዮም።

እዚ ሎሚ አብ አርመን ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ መበል 14 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ እዚ ንሳልስቲ አብ አርመን ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አገልጋሊ ቅዱስ ወንጌልን መልእኽተይና ሰላምን ዝብል ተሰይሙ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ትማሊ አብ አርመን ርእሰ ከተማ የረቫን ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ሐዋርያዊ ካቶሊኮስ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ካልአይን  ናይ አርመን ብመራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ሰርዚ ሳርጊስያንን ዝተመርሑ ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት ሕውነታዊ ሐጎስን ዝመልኦ ብዉዕዉዕ አገባብ ተቀቢሎምዎም። ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ አርመንን ሀገራውያን መዛሙር ተሰሚዖም ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ አርመን ናብቲ አብ ከተማ  ኤችሚያዝዲን ዝረከብ ካተድራል ተጓዒዞም ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም። ድሕሪ ሥርዓተ ጸሎት ክአ ነቶም አብቲ ካተድራል ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃይማኖትን መነኮሳንን ንዝተግብረሎም ሕውነታዊ ኣአቀባብላ አመስጊኖም።

ናይ አርመን ሐዋርያዊ ካቶሊኮስ  ኦርቶዶስክስ ቤተ ክርስትያን  ላዕላዋይ ሐላፊ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  አብ አርመን ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክተካይዱ አብ ሀገርና ብምርካብኩም ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓና እግዚአብሔር ይሀበልና ብልቢ ነመግነኩም ክብሉ ቃሎም አስሚዖም።

ብድሕሪ”ዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ንመራሕ መንግስቲ አርመን ናይ ክብሪ ምብጻሕ ከካይዱ ንቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም  ኣአብ ቤተ መንግስቲ አርመን ምስ በጽሑ ክአ  ፕረሲዳንት አርመንን ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበስልጣናትን ናይ ዲፕሎማስየኛታትን ድሙቅ አቀባብላ ጌሮምሎም።

መራሕ መንግስቲ አርመን ፕረሲዳንት ሳርጊስያን  ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ቃል አስሚዖም ፓፓ ፍራንቸስኮስ ንዝተገብረሎም  አቀባብላ  አመሲጊኖም  ምስ መራሕ መንግስቲ አርመን ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም።

ብድሕሪኡ ናብቲ ዘዕርፍሉ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተመሊሶም በዚ ክአ  ናይ  ትማሊ  ውዕሎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ  አርመን ተዛዚሙ።

 ሎሚ  ወርሒ ሰነ ዕለት 25 ንግሆ ብአርመን ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሾሞንተን ፈረቃን  ካብ ቲ ዘዕርፍሉ ዘሎዉ መካን  21 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ  ትዚትዘርናካበርድ  ቤተ መዘክር  ብመኪና ከም ዝተጓዕዙን አብመራሕ መንግስት አረመንን ናይ አርመን ካቶሊኮስ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ካልአይን  ብርክት ዝበለ ህዝብን  ተቀቢሎሞም አብቲ  ቤተ መዘክር  ሕቁፍቲ ዕንባባ   አቀሚጦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ካልአይን ክአ አብቲ ቤተ መዘክር ናይ ሕልና ጸሎት ደጊሞም።  እዚ  ቤተ መዝክር”ዚ   ንዝኽሪ“ቶም  ብ1915 ብንግስነት ዖስማን  ቱርኪ ዝተቀትሉ ሐደ ሚልዮንን 500 ሺሕን  አርመናውያን ዝተሰርሔ  ታሪካዊ ቤተ መዘክር  ከም ዝኾነ ይፍለጥ።  

ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ነቲ ብ1915 አብ ልዕሊ  አርመናውያን  ዝተፈጸመ  ሂልቂተ ህዝብ   ኰኒኖም  ዝስምዖም  ሐዘን   ገሊጾም  ዓለም ከምዚ ዝአመሰለ  እኩይ ተግባር  እንደገና ከይፍጸም ንከሃሌ ኩሉ  እግዚአብሔር  ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ቤተ መዘክር አብ ዝበጽሕሉ ግዜ  ካብቶም ብ1915 ዝሀለቁ  አርመናውያን  ትውልዲ ሐረግ ዘለዎም   ሰባት  ተረኺቦም ከም ዝነበሩ  ተፈሊጡ አሎ እዚ  ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ብ1915 አርመናውያን  ብንግስነት ቱርኪ ዖስማን ይህደንሉ አብ ዝነበርሉ ግዜ   አብ ሮማ  ቤተ ርእሰ ሊቃነ  ጵጵስና   ካስተል ጋንዶልፎ   ብርእሰ  ሊቃነ ጳጳሳት  ፒዮስ መበል 11   ብርክት ዝበሉ   አርመናውያን   ተዓቂቦም  ከም ዝነበሩ  ይፍለጥ።

ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ሎሚ ረፍዲ ብናይ አርመን  ሰዓት አቁፃፃር  ሰዓት 9. 45  ካብ  ርእሰ ከተማ ያረቫን  81 ኪሎሜትር ርሒቃ ትረከብ   ከተማ   ጉምሪ   ብነፋሪት  ተጓዒዞም   ሀገራት  ሐቆፍ  ሺራክ  መዕረፍ  ነፈርቲ  ጉምሪ ምስ በጽሑ  ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳትን ከንቲባን  ተቀቢሎሞም።

ብቀጥታ ናብቲ አብ ከተማ ጉምሪ ዝርከብ ዓቢ  ቅርዓት ቫርታናንስ  ከይዶም ክአ  በሽሕት ዝቁጸር   ህዝቢ   አብ ዝተረኽበሉ ሥርዓተ  ቅዳሴ  አዕሪጎም ። ፓፓ ፍራንቸስኮ  አብ  ዘዕረግዎ  ሥርዓተ  ቅዳሴ   አብ ዘስሞዎ ስብከት ‘“ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።”(ኢሳ 61.4) ኣብዚ ኣከባቢዚ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ዝሰማዕናየን ቃላት ነቢይ ኢሳያስ ተፈጺመን ክንብል ንኽእል፣ ድሕሪ እቲ መሪር ዕንወት ርዕደ መሬት ስለእቲ ዳግም ዝተሃንጸ ንእግዚኣብሔር ክነመስግን ሎሚ ኣብዚ ተረኺብና ኣሎና፣

ምስዚ ኣተሓሒዝና ከኣ ‘እግዚኣብሔር ሎሚ ኣብ ሕይወትና እንታይ ክንሓንጽ ይጽወዓና ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕይወትና ኣብ ልዕሊ ምንታይ ክንሃንጽ ይዕድመና ኣሎ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ሕይወት ክርስትናና ክንሃንጸለንን ዳግም ክንሃንጸለንን እንኽእል ሰለስተ ነቅ ዘይብላ መሰረታት ከቅርበልኩ፣

ቀዳማይ ናይዘን ሰለስተ መሰረታት ዝኽሪ እዩ፣ ክንልምኖ ካብ ዘሎና ጸጋታት ሓደ ዝኽርና ምሕዳስ እዩ፣ ዝኽሪ ናይቲ እግዚኣብሔር ኣባናን ንዓናን ዝገበሮ ነገራት፣ ከምቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ‘ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ’(ሉቃ 1.72) ዝበሎ ንሱ ኣይረሰዓናን፣ ሓሩዩና ኣፍቂሩና ጸዊዑናን ምሒሩናን። ምሳኡ ናይ ዘሎና ፍቅሪ ታሪኽ ኣብ ግላዊ ሕይወትና ብዙሕ ተፈጺሙ፣ እዚ ከኣ ኣብ ኣእምሮናን ልብና ተወቒጡ ይነብር፣ ኮይኑ ግን ክዝከርን ክዕቀብን ዘለዎ ካልእ ዝኽሪ እውን ኣሎ፣ ዝኽሪ ሕዝቢ፣  ከም ግለሰባት ሕዝቢውን ብሓበራ ዝዝኽሮ ዝኽን ታሪኽን ኣለዎ፣ ናይ ሕዝቡኹም ዝኽሪ ጥንታውን ክቡርን እዩ፣ ኣብ ድምጹኹም ናይቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን ሊቃውንቲ ይጋዋሕ፣ ኣብ ቃላትኩም እተን ንቃላት እግዚኣብሔር ከበስራ ዝተፈጥራ ፍደላኩም የድምጽ፣ ኣብ ዜማኹም ቊዘማን ሓጐስን ናይ ታሪኽኩም ይምስረት፣ ነዙ ኩሉ እናስተንተንኩም እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልኩም ከምዘሎ ክትርድኡ ትኽእሉ፣ ንሱ በይንኹም ኣይሓደገኩምን፣ ከምቲ ቃል ወንጌል ዝብሎ ‘ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።’ (ሉቃ 1.68)ኣብ ወንጌሉ ዘሎኩም ምትእምማንን ቀዳምነት እምነትኩምን ዘኪሩ፣ ምስክርነት ናይቶም ‘ፍቅሪ እግዚኣብሔር ካብ ሕይወት ይበልጽ’ (መዝ 63.4)ብማለት ብደሞም ከይተረፈ ዝመስከሩ ዘኪርዎም፣ እምነት ክርስትና ትንፋስ ሕዝብኹምን ሕመረት ዝኽርኹምን ስለዝኾነ ነዚ ነገራት እዚ ብምስጋና ክትዝክርዎ ንዓኹም ሰናይ እዩ፣

እምነት ከማኡ እውን ንመጻኢኹም ተስፋ ብምግባር ኣብ ጉዕዞ ሕይወትኩም ብርሃን ዝኾነኩም እዚ እቲ ካልኣይ መሰረት እዩ፣ ወትሩ ነዚ ብርሃን እምነት ከደብን ዝኽእል ሓደጋን ከም ሓደ ዝኣረገ ጥንታዊ ነገር ገቢርካ ናይ ምርኣይ ፈተናን ኣሎ፣ እዚ ከኣ እምነት የገድስ እዩ ኮይኑ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ ብማለት ከም ሓደ ኣብ ቤተመዘክር እተቀምጦ መጽሓፍ ናይ ምግባር ፈተና ኣሎ፣ ኮይኑ ግን ንእምነት ኣብ ቤተመዘክር ታሪኽ እንተንቢርናዮ ነቲ ለዋጢ ዝኾነ ሓይሉን ሕያው ዝኾነ ጽባቄኡን ኣዎንታዊ ዝኾነ ንኩሉ ክፍተቱን የጥፍእ፣ እንተኾነ እምነት ምስ ኢየሱስ ብእንገብሮ ህያው ርክብ ይውለድ፣ ካብ ተመኩሮ ናይቲ ንኩሉ መነባብሮ ሕይወት ዘብርህ ምሕረቱ ከኣ ዳግም ይውለድ፣ ኣብዚ ንቃል እግዚኣብሔር ምንባብን ብጸጥታ ናይ ፍቅሩ ጸሎት ምግባርን ክሕግዘና ይኽእል፣ ከማኡ’ውን ምስ ርሕራሔ ጐይታ እንገብሮ ርክብ ኣብ ልብና ነቲ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ስቃይ ክምህ ዘይብልን ንኩሉ ኣብ ሰላም ዝልውጥን ሓጐስ ክዂልዕ ነፍቅደሉ፣ እዚ ኩሉ ንሕይወትና የሐድስ ንተግባር እግዚኣብሔር ተኣዛዚትን ነጻን ገቢሩ ንእግዚኣብሔርን ንብጾትናን ክነገልግል ስንድዋት ይገብረና፣ ጐይታ ኢየሱስ ክጽወዓናን ሕይወትና ንኣኡን ነሕዋትናን ክሳብ ምሃብ ክንክተሎ ክዕድመና ይኽእል ምናዳኸኣ ንመንእሰያት፣ ኣይትፍርሑ፣ `እሺ ሓራይ’ በልዎ፣ ንሱ ይፈልጠና ብሓቂ ከኣ የፍቅረና ንልባትና ከኣ ካብ ኣርዑት ፍርህን ትዕቢትን ነጻ የውጽኣልና፣ ኣብ ልብና እንተተቀቢልናዮ ፍቅሩ ከነንጸባርቅ ኢና፣ በዚ ከምዚኸስ ነቲ ሎሚ ኣብዚ ናይ ነውጺ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምሕረት ግዜዚ ንቤተክርስትያንን ንዓለምን ዘድልየን ዘሎ ዓቢይ ታሪኽ ስብከተወንጌልኩም ክትክተልዎ ትኽእሉ፣

ድሕሪ ዝኽርን እምነት እቲ ሳልሳይ መሰረት ከኣ መሓሪ ፍቅሪ እዩ፣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ማለት ናይቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቀበልናዮን ንብጻይና እንልግሶ ከውሒ ፍቅሪ እዩ ናይ ሓቀኛ ተኸታሊ ክርስቶስ ሕይወት ዝስረት፣ ምግባረ ሰናይ ብምግባር ከኣ ገጽ ቤተክርስትያን ይዂላዕን ሰዓቢ ይኸውንን፣ መሕለፊ ወረቀት ናይ ሓደ ክርስትያን ብተግባር ዝግለጽ ፍቅሪ እዩ፣ ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ኩሉ ዘደናግርን ዘጋግን ኮይኑ ቁምነገር ኣልቦ ክሳብ ምዃን ይበጽሕ፣ ምኽንያቱ ከኣ ብሓቂ ነንሕድሕድና ንፋቀር  እንተዀና (ዮሓ 13.35) ከለልዩና እዮም። ስለዝኾነ ከኣ መወሃሃዲ መንገድታት ክንሃንጽን ንዝኾነ ፈላላዪ መናድቅ ዝሓልፍ መራኸቢ ቢንቶታትን ክንሰርሕን ዝተጸዋዕና ኢና፣

ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕራፍ 61 ካብ 1-2 መንፈስ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝሕዘኑ ዘሐጐስ ብስራት ከምዘምጸኣሎምን ከምዘተሓዛዝኖምን ነቶም ዝቈሰሉ ኣልባብ ከምዝጽግኖምን ይነግረና፣ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ዘፍቅር ሰብ ይነብር፣ ፍቅሪ ኣብ ዘለዎ ብሕልፊ ከኣ በትብዓትን ርሕራሔን ነንሕድሕድካ ምድንጋጽን ምትሕግጋዝን ናይ ድኹማትን ድኻታትን ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣባኡ ኣሎ፣   

ኮይኑ ግን ኣብዚ ዘይተኣደነ ጉድለታትን ዘሕዝን ነገራትን ኣብ ውሽጥናን ከባቢናን እንዕዘበሉ ከመይ ገቢርካ መሓርቲ ክኽወን ይከኣል ቢልና ክንሓትት ንኽእል፣ ሓዳ ጭቡጥ ኣብነት ናይቲ ዓቢይ ምሕረት ኣምላኽ ልኡኽ ዝኾነ ክህበኩም፣ ካብ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘናረከ ናይ ኣርመናውያን ድምጺ ከቅርበልኩም፣ ዝመስሎን ዝወዳደሮን ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ ንሱ ወትሩ ሕሰም ደቂ ሰባትን ምሕረት ኣምላኽን የዋስእ ነሩ፣ ነዚ እንክገብር ግን ኣብ ጐይታ ብምትእምማን እናነብዔ ይጽሊ ነበረ፣ የጸናንዕን ይሕግዝን ነበረ ንኣኡ ብምምሳል እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣’ 

ድሕሪ ፍጻሜ  ሥርዓተ ቅዳሴ  ንምእመናን  ሐዋርያዊ  ቡራኼ  ሂቦም  ካብኡ  ናብቲ ሐሙሽተ ኪሎ ሜትር  ርሕቀት ዘለዎ ማሕበር ቅድስቲ ድንግል ማርያም  ዘአርመን  ተጓዒዞም   ናይቲ ማሕበር ደናግል ክአ ብታሕጓስን  ብጠቅዒትን   ተቀቢሎንኦም   ካብእ ክአ ምስተን ደናግል ንምሳሕ ንምአዲ  ቀሪም።

እቲ ማሕበር  ዘጣማት ዝናበትሉን ዝዓብዩሉን   ማሕበር ከም ዝኾነ  ይፍለጥ  ፓፓ  ፍራንቸስኮ   ደናግል ቅድስት ማርያም ዘአርመን ዘበርክትኦ ግብረ ሰናይ  ንኢዶምን አመስጊኖምን።

ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ  አብ  ከተማ ጉምሪ ዝርከብ   አምሪሖም   አብቲ ካተድራል ምስ በጽሑ  ብጹዕ ወቅዱ  ካረኪን ካልአይን   ቆፒስ  ቆጳስትን ተቀቢሎሞሞ  ክልቲኦም  መራሕቲ ሃይማኖታት  አብቲ ካተድራል ሥርዓተ ጸሎት  ፈጺሞም  ።

ብድሕሪ”ዚ  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  አብ ከተማ ጉምሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ   ዛዚሞም ንርአ  ከተማ  የረቫን   ተአመሊሶም።

ከተማ የረቫን ምስ በጽሑ ናብቲ   አብ ከተማ የረቫን ዝርከብ ቅርዓት ረፓብሊክ  ተጓዒዞም   ኤኩመኒካዊ  ርክብን  ምእንቲ ሰላምን   ሥርዓተ  ጸሎት  አካይዶም ።

ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ አብቲ ርክብ  ኤኩመኒካዊ ርክብን ሥርዓተ ጸሎትን   ቃሎም ሂቦም፡  

ብድሕሪኡ ናይ  ሎሚ  ውዕሎ  ሐዋርያዊ  ምብጻሕ  አርመን  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት   ፍጻሜ ኮይኑ። ሐዋርያዊ  ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  አብ አርመን ጽባሕ ሰንበት  ዕለት  26  ድሕሪ ቀትሪ  ከም  ዝዛዘምን አማስይኦም ሰዓት ሾሞንተን አርብዓን  ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ  ጰጥሮስ  ከም ዝምለሱን  መርሀ ግብር  ሐዋርያዊ  ምብጻሕ  አርመን  የረድእ።








All the contents on this site are copyrighted ©.