2016-06-26 13:13:00

ብዓል ቅ. ቍርባን ሰነ 19 2008 ዓ.ም. (6/26/2016)


ንባባት፡ 1ቆሮ 11፡23-26፥ (ዘፀ 14፡18-20)፥1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ. 27፡8-33፥ ሉቃ   9፡11-17

አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ብዓል ቅዱስ ቍርባን (Corpus Christi) ድሕሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰንበት የብዕሉ። አብ ሃገርና እውን ብምስዮናውያን ተአታትዩ አብ ዓበይቲ ቍምስናናት ብኽብሪ ብዑደት ተሰንዩ ይብዓል። ነዚ ብዓል ፍሉይ ዝገብሮ ብርእሱ ክርስቶስ ዝሰርዓልና ብዓል ስለ ዝኾነ ብፍሉይ ክነኽብሮን ክንዝክሮን ይግባእ።

ብዓል ቅዱስ ቍርባን ነቲ ዘደንቕ ህያባት ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ አምላኽ አብ ቅ. ቍርባን ዝገበረልና የዘኻኽረና። ናይ እዚ ብዓል ቀንዲ አትኵሮ አብ መንፈሳዊ መግቢ ክርስቶስ ዝህበና እንክኸውን ካልአይ አትኩሮ ኸአ አብታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዘተኮረ እዩ።

ሥጋን ደምን ክርስቶስ (ቅ. ቍርባን) ዝበለጸ ህያብ ካብ ኵሉ እቲ ክርስቶስ ዝህበና እዩ። በዚ ኸአ አምላኽ ክሳብ ክንደናይ ንግዝያውን መንፈሳውን ጽቡቕና ከም ዝደሊ ዘርኢ እዩ። ሎሚ አብዚ ቤተ ክርስትያን ምስጢራዊ ህላዌ ክርስቶስ አብ መንጎና ኢና ነብዕል ዘሎና።

 ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ከስተምህረና እንከሎ “ቅዱስ ቍርባን ንመባእታ ክርስትና ምሉእ ገሩ ዝዛዝም እዩ። እቶም ብጥምቀት ናብ ክብሪ ንጉሣዊ ክህነት ዝደየቡ ብቅብአት ሜሮን ብዝበለጸ መልክዕ ክርስቶስ ዝተቖርጹ ምስቲ መላእ ምኅበረ ምእመናን ሓቢሮም ብቅዱስ ቍርባን አብቲ ናይ ጎይታ መሥዋዕቱ ይሳተፉ” (ሓ/ት/ክ 1322) ይብለና።

ቫቲካን ፪ይ “ቅዱስ ቍርባን ናይ ክርስትያናዊት ሕይወት ዓይኒማይን ዝለዓለ ተድባብን እዩ” ይብል (ብር.አሕ. 11)። ኩሎም ምስጢራት ቤተ ክርስትያንን ተግባራትን ሓዋርያዊ አገልግሎትን በዚ ቅዱስ ቍርባን ዝተጠምረ ወይ ከአ ናብኡ ገጹ ዘተኮረ እዩ። ምኽንያቱ ኸአ እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን መላእ መንፈሳዊ መዝገብ ሃብቲ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ፋሲካና አብኡ አብቲ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን እዩ ዘሎ” (ቫቲካን ፪ይ መዓርገ ክህነት 5)።

“ብሓጺሩ ቅዱስ ቍርባን ናይ እምነትና ጥምረትን ቀንዲ ላህመትን እዩ። መደብ አተሓሳስባና ብቅዱስ ቍርባን ዝተቓነየ እንኪኸውን ቅዱስ ቍርባን እውን ብወገኑ ነቲ አተሓሳስባና የድልድሎ እዩ” (ሓ/ት/ክ 1327)። 

ኩሎም ንባባትና ንሓደ ነገር ይትንክፉ። ንሓደ ነገር ምሃብ ወይ መስዋዕቲ ምቕራብ። አብ ዘፍ 14፡18-20 ዘሎ እንተ አንበብና “አብርሃም ንመለከጸድቅ ካብ ኩሉ ዕሽር ከም ዘቕረበ ነንብብ። አብርሃም ክህብ እንከሎ አብ ሓሳቡ ክምለሰሉ ኢሉ አይ ኮነን ዝሃበ እንታይ ደአ ካብ ነጻ ድለት ተላዒሉ እዩ። መልከጸዲቕ ባሪኽዎ አብ ክንድኡ አብ ቅድሚ አምላኽ ብእንገራን ወይንን ገሩ አመስጊኑ። እዚ መባእ ናይ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ብመልክዕ ግዙፍ ነገር አብ አምላኽ ዘቕርበሉ እዩ። አብ ዘፍ 22፡1-18 ከም እንርእዮ አብርሃም ንገዛእ ርእሱ ከም መስዋዕት ከም ዘቕርብ ብብሩህ ንርኢ።  እዚ አብ ኦሪት እንረኽቦ አምሳል ናይ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝውሃበና ሥጋኡን ደሙን እዩ።

ሎሚ ከም ቀደም ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም መግለጺ ፍቕሩ ካብ ሥጋኡን ደሙን ክንምገብ ብምስጢራዊ መገዲ ነቲ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሩ ይገልጸልና። “ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” ይብለና “ነዚ ተግባራቱን ቃላቱን ክሳብ ዳግማይ ምጽአቱ ክንደግሞ ዝተዋህበ ትእዛዝ. . . . . ኢየሱስ፥ ነአኡን ነቲ ዝፈጸሞ ተግባሩን ንምዝካር ጥራሕ አይ ኮነን ዝሓተና። ሓዋርያትን ተካእቶምን ናብ ዝፍጽምዎ፥ ናይ ተዝካረ ክርስቶስ፥ ናይ ሕይወቱ፥ ሞቱ፥ ትንሣኤኡ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አቦ ናይ ዝፈጸሞ አማልድነቱን ናብዚ ኵሉ አምልኾአዊ ተግባር ዘተኮረ እዩ” (ሓ/ት/ክ 1341)።

ነቲ ዝተመከርናሉ ክነብር እዩ ዝድለ ዘሎ ማለት ብሓቂ ሥጋኡን ደሙን ኢና እንምገብ። ብኻልእ ወገን ከአ “ንዝኽረይ ግበርዎ” ዝብል ንገዛእ ርእስና ከምቲ ክርስቶስ ዝተሰውኦ ንሕና እውን ምእንቲ ካልኦት ክነወፊ ዝሓትት እዩ። ነዚ ደጋጊምና ክነብሮ ናይ እዚ ተመክሮ ብመንፈስ ከም እንምገብ ገሩ ንገዛእ ርእስና ምእንቲ ካልኦት ከም መስዋዕቲ ከም እነቕርብ ይገብረና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንእንድርያስን ብጾቱን “ንስኻትኩም ዝብላዕ ሃብዎም” ኢልዎም። እዘን ቃላት ኢየሱስ ክነንብብ እንከሎና ንሕና እውን ገለ ክንህብ ከምዘሎና ዘዘኻክር እዩ። ንአና ካብ ሥጋኡን ደሙን ዝተመገብና ዘይብልና ኮና አይ ኮናን እንሕተት ዘሎና። ወላእኳ ዓለምና ብዝያዳ ሃይማኖታዊት ኮይና አብ እትርአየሉ ዘላ እዋን ጌና ብዙሓት ካብ ሥጋኡን ደሙን ክምገቡ ዝግብኦም አለዉ።

አብ ክርስቶስ ክነቕርቦም እንከሎና አብ መአዲ ክርስቶስ ኢና እነቕርቦም ንሱ ኸአ ብሥጋኡን ደሙን ገሩ ይምግቦም። በዚ ምኽንያት ነቶም ድኹማትን ዘንጊዖም ንዘለዉን አብ ጎይታ ክነቕርቦም ትሑታት ክንከውን አሎና ምኽንያቱ ንሶም መንፈሳዊ ጥመትን ጽምእን አልኦም፥ አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ክቐርቡ ፍርሒ ዝክፍታ አልኦም ስለዚ ነጻ ተሰሚዕዎም ክቐርቡ ናታትና ሓገዝ የድልዮም።

ሓደ እዋን ክርስቶስ አብ ቅድሚኡ ንዝነብሩ ህዝቢ ሓደ ዓቢ መልእኽቲ፥ ሰናይ ዜና፥ ሕይወት ዝህብ ቃል አስሚዕዎም፡”እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ አነ እየ፥ ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ ዘበለ ንዘለዓለም ኪነብር እዩ፥ እዚ አነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸአ ሥጋይ እዩ” (ዮሓ 6፡51) ኢልዎም፥ ምስጢር ቅዱስ ቍርባን ብእዋኑ ነጊርዎም። ብሰብአዊ ርድኢትና ነዚ ቃላት ክትቅበሎ ክንአምኖ ቀሊል አይ ኮነን እዚ ኸአ ናይ ሓደ ካህን ወይ መምህር ተልእኮ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ንርዳእ። አብዚ እዋን አነ እየ አብ ቅድመኹም ዘሎኹ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ አነ እውን ዝብሎ እዚ ንሕና እንበልዖ እንጌራ ዘይ ኮነስ ሥጋ ክርስቶስ እዩ፥ እዚ እንሰትዮ ኸአ ወይኒ አይ ኮነን ደም ክርስቶስ እዩ። እቲ ኅብስትን ወይንን እንርእዮ ዘሎና ኅብስትን ወይንን ጥራሕ እዩ ዝመስል እምበር አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝተቐየረ እዩ። ብርእሱ ክርስቶስ እዩ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ሰውነቱ ደሙ፥ ነፍሱን መለኮቱን። ክንቆርብ እንከሎና ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ንኢየሱስ ብርእሱ እና እንቕበል ዘሎና። እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝኸውን አይንፈልጥን ኢና። ብእምነት ኢና እንቕበሎ ምኽንያቱ ንቃል ኢየሱስ ስለ እንቕበል።

ካልእከ እንታይ አሎ?

ንስሥጋን ደምን ክርስቶስ ክንቅበል እንተ ኾና ምስ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ሓድነት ክህልወና ይግባእ። ምስ ዓቢ ኃጢአት እንከሎና ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል አይንኽእልን ኢና። ዓቢ ኃጢአት ከምዘሎና እንተ ዘከርና ቅድሚ አብ ቍርባን ምቕራብና አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ኃጢአትና ክነንጽሕ አሎና።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ “ከይትገብኦ እንጌራ ጎይታ ዝበልዕ ወይስ ጽዋእ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። እምብአር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቕድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር፥ ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈለጠ ዚበልዕን ዝሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዜምጽእ” 1ቆሮ 11፡27-39) እናበለ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ ቅድም ክነጽሕ አሎና። አብ መዓዛ ቅዳሴ “አንጽሑ ሥጋክሙ ወቀድሱ ነፍሰክሙ እምቅድመ ትንሥእዎ ለዝንቱ ወህቱ ርእስክሙ እምቅድመ ትትሜጠውዎ ለዝንቱ እስመ ይቤ ለለኢሁ ቅድስት ለቅዱሳን ኩንኬ ቅዱሳን እስመ አነሂ ቅዱስ አነ” እናበለ ቅድሚ አብ ቁርባን ምቕራብና ሕልናና ክንምርምር ክነነንጽሕ ይነግረና።

አብ አኮቴተ ቁርባን ዘእግዚእነ ድያቆን ንህዝቢ ፡እመቦ ዘተሓየ ምስለ ቢጹ ይኅድግ ሎቱ፥ እመቦ ዝኀለየ በልቡ ኑፋቄ ይትጋነይ። እመቢ ነውር ኅሊና ዘቦ ኢይቅረብ። እመቦ ዘወድቀ በኃጢአት ኢይርሳዕ እስመ ዘኢይትረሳዕ። እመቦ ድውየ ኅልና ዘቦ ኢይቅረብ፥ እመቦ ዘኢኮነ ሥኡብ ወዘኢኮነ ንጹሕ ይትገሓሥ. . . . . እናበለ ቅድሚ አብ ቍርባን ምቕራቦም ክገብርዎ ዘለዎም ዓው ኢሉ ይነግር።

ንሕና ብዓቕምና ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት ክንለብስ አይ ክአልን እዩ ግን ብጸጋ አምላኽ “ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትግበረልና” እናበልና ንጽሊ። ብዝክአለና ልብና ክንነንጽሕ አሎና። ልብኻ ተቐይሙ ጸሊኡ እንከሎ አብ መአዲ አምላኽ ምቕራብ መርገም አብ ልዕሊ መርገም እዩ ዘውርደልና። ሰብ ክርእየና ኢልና ከይተናዘዝና ካብ ሥጋን ደምን እንተ ተቐበልና ነራኽስ ኢና ዘሎና እኳደአ ብፍርሓትን ርዓድን ክንቀርቦ አሎና። ዝግባእ ናይ ሕልና መርመራ ገርና ንዘረኽብናዮ ኃጢአት አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ክንስሖ አሎና።

አብ ምወዳእታ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ብዓል ክርስቶስ ሓቀኛ ሥግኡን ደሙን እዩ፥ እዚ ኽአ ናይ ብሓቂ መግብን መስተን እዩ፥ ሕመረት እምነትና እዩ። አብ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ አብኡ ብዝያዳ ከም እንቐርብ ይግብረና። ክርስቶስ ከም ርእሲ ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን አብ መንጎና አሎ። ሎሚ እምብአር ነዚ አብ ቅዱስ ቍርባን ኮይኑ አብ መንጎና ንዘሎ ክርስቶስ ክነመስግኖ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። ኦ አብ ምስጥር ቅዱስ ቍርባን እትነብር ክርስቶስ ምስጋናን ክብርን ንአኻ ይኹን።

ርሑስ ብዓለ ቅዱስ ቍርባን

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   








All the contents on this site are copyrighted ©.