2016-07-05 12:45:00

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት መካነ ንግደት ኣሲዚ ክበጽሑ እዮም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ወርሒ ዕለት ኣርባዕተ ነሓሰ 2016 ዓምፈ ናብታ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መንቀሊትን መዕለቢትን ዝኾነ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ብፖርዚኡንኮላ እትፍለጥ መካነ ንግደት መንፈሳዊ ንግደት ክገብሩ ምዃኖም ተሓቢሩ፣ ታሪኽ ቅዱሳን ከምዘዘንትዎ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ሾመንተ ሚእቲ ዓመት ነዚ ቦታዚ ናይ ስሬተ ሓጢኣትን ሕድገት ኣበሳን ጸጋ ዝሕፈሰሉ ክኸውን ብዝተማህለሎ እግዚኣብሔር ከኣ ንጸሎቱ ሰሚዑ ከምዘስመረሉ እዩ ዝንገር፣ ንሎምዘመን ንዓመት ኢዮቤል ምሕረት እውን ሓንቲ ካብተን ቅዱሳን መዓጹ ኰይና ብዙሕ ነጋዲ እዩ ዝውሕዘላ ዘሎ፣

ነዚ ዜናዚ ዝሃቡ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ እንክኾኑ ቀንዲ ምኽንያት ንዝኽሪ መበል ሾመንተ ሚእቲ ዓመት ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ምህረትን ስሬተ ሓጢኣትን ብምሕረት ኣሲዚ ዝፍለጥ ንምዝካርን ንግላዊ ንግደቶምን ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብዚ ንግደት እዚ ቅዱስነቶም ግላዊ ጸሎት ክገብሩን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቃሎም ከስምዑ ምዃኖም እውን ተመልኪቱ፣

እዚ ከምዚ እንከሎ ብወገን ናይቲ ክልል ኣቡናትን ኣሕሉቅ ዝተፈላለያ ገዳማት ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ኣብቲ ብናይዚ መካነ ንግደት ስም ዝዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታ ነዚ መንፈሳዊ ንግደት ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም መግለጺ ከምዝሃቡ ተገሊጹ፣ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኦ ሶረንቲኖ ጳጳስ ኣሲዚ ከምኡ እውን ናይ ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺኒ ጠቅላሊ ሓለቃ ኣባ ሚካኤል ፐሪ ምስ ናይ ኣውራጃ ኡምብርያ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺኒ ሓለቃ ኣብ ክላውድዮ ዱሪገቶን ናይታ መካነ ንግደት ሓላዊ ኣባ ሮዛርዮ ጉግልዮታን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ነሓሴ ዕለት ኣርባዕተ ኣጋ ምሸት ክመጹ ምዃኖም ብዓቢ ሓጐስ ነበስር’ እንክብሉ ሓጐሶም ገሊጾም፣

ነዙይ መካነ ንግደት እዙይ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ንኤክስፕረሶ ዝበሃል ጋዜጣ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ‘ርግጽ እዩ መንፈሳዊ ጉዕዞ ቅድስና ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ዳምያኖ እዩ ጀሚሩ ኮይኑ ግን ከም ልቢ ማሕበር ኮይኑ ወትሩ ትርግታኡ ዝህብ ምሩጽን ፍትውን ቦታ ፖርዚኡንኮላ ማለት ንእሽቶይ ምቃል እትመልክት እዛ መካነ ንግደት እዚኣ ኮይና ኣባኣ ማሕበሩ መስሪቱ ናይ መወዳእታ ሕይወቱ መዕረፊትውን ኣብኣ ኮይ፣ እዛ ኣብ ቁንጫል ናይታ ዓባይ ቤተክርስትያን እትርከብ ነደ ቤትክርስትያን እኖና ድንግል ማርያም ዝተወፈየት በቲ ጽኑዕ እምነታን ክሳብ መወዳእታ ብምልኣት ፍቅሪ ኣምላኽን ምስ ኣምላኽን ብምንባር ብዝሃበቶ ምስክርነት ከኣ ኩሎም ወለዶ ብጽዕቲ እናበልዋ ትነበር’ እንክብሉ ዓሚቊ ምስጢር ናይዚ ቦታዚ ገሊጾም ነሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.