2016-07-07 19:18:00

፪ይ ሰንበት ዘዘርእ ይሠጠዎ ሓምለ 3 2008 (7/10/2016)


ንባባት፡ ገላ 3: 26-29፥ 2ጴጥ 2፡17-፥ ግ.ሓ. 14፡6-18፥  ሉቃስ 9:18-24 ምስባክ፡አርውዮ ለትለሚሃ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሓ። “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።

አምላኽ ሓላዪ ውሃቢ ከምዝኾነ ክገልጸልና ኢሉ ናይ ሎሚ መዝሙር ምስ እዋኑ ዝሰማማዕ እናዘከረ ንደመናታት ዝናም ከም ዝህቡና ዝገበረ ነመስግኖ። አምላኽ ንዝልምኖ ጽን ዝብል እዩ እሞ ንለምኖ እናበለ ብኹሉ አብ አምላኽ ክንቀርብ የዘኻክረና።

ናይ ሎሚ ሰንበት ቃል አምላኽ “ክርስቶስ መንዩ ንአይ” ኢልና ንርእስና ክንሓትትን ክንምልስ፥ አብኡ ዘሎና ርድኢት ክነዕሙቕን ከም ወዲ አምላኽ አብኡ ዘሎና አፍልጦ ክንርኢ እሞ ክንፈልጦ ዝሕግዘና ሰንበት ኢና ዘኪርና ዘሎና። ሰንበትና ፍልልይናን አተሓሳስባናን ብዘየገድስ አብቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኩልና ኢሉ ዘሕለፎ ሕይወት አተኵርና እናጠመትና ብጥምቀት ሓደ ከም ዝገበረና ክንዝክር፥ ሓድነትና ብዝያዳ ክነርኢ ዝዕድም እዋን እዩ።

አብ ትንቢት ዘክርያስ ነብይ 12፡10-13 ዘሎ እንተ አንበብና ብዛዕባ ካብ ዳዊት ዝውለድ “ሓደ ውሉድ፥ ብበዂሪ ውሉድ” ዝፍለጥ፥ ንሱ ናይ መጻኢ መንጪ ምንጻሕ ካብ ኵሉ ኃጢአትን ጉድለታትን ኮይኑ፥ ኩሎም ነገስታት ከም በዅርን መድኃኒ ዓለምን ክፈልጥዎን ከኽብርዎን እዮም ዝብል ንረክብ።

ትንቢት ዘካርያስ አቐዲሙ ክርስቶስ መን ምዃኑን አብ ምሉእ ዓለም ብብዙሓት ተፈሊጡ ከምዘድሕን ተነግሪሩ። ነዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ዝኾነ ገና ሰባት አየለለይዎን አለዉ ስለዚ ከለልይዎን ክፈልጥዎን ዝነግሩ ዝመርሑ የድልይዎም።

ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፋ ንሎሚ ዝተነበት ወላእኳ ሓጻር ትኹን ሓያል መልእኽቲ ተመሓላልፈልና። ጳውሎስ አብ ጽሑፉ ዘዘኻኽረና ክርስቶስ እዩ ሓደ ዝገብረና፥ ክርስቶስ እዩ ከም ምንጪ ጥምቀትን ከምኡ ከም ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት አምላኽ አብ ሓደ ዘምጽአና እናበለ አብ መንጎ ክርስትያን ክህሉ ዝግብኦ ርክብን መሰረቱን ይነግረና። ንሓና እሙናት አምላኽ እንኸውን ብሓንቲ ጥምቀት ኢና፥ ከምኡ አብ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ እንሳተፍ ብስሙ ምስ ተጠመቕና ጥራሕ ኢና። ነዚ ከመልክቱ አብ ቀዳሞት ዘመናት አብ ጊዜ ጥምቀት ተጠማቒ/ት ንዝአረገ ክዳን አውጺኡ ሓዲስ ክድን ይክደን። እዚ ግዳማዊ ምልክቲ ነቲ አብ ውሽጢ ተጠማቒ ዘመጽኦ ተሓድሶ ከመልክት ንማለት እዩ። ተጠማቒ አብ ሓዲስ ደረጃን መሰልን ይአቱ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ቅ. ጳውሎስ “ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኵላትኩም ውሉድ አምላኽ ኢኹም፥ ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስኩም ኢኹም፥ ኵልኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም እሞ በዚ አይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ የልቦን በዚ ባርያ ወይ ጭዋ የልቦን” (ገላ 3፡26-29) ይብል።

ኩሎም አብ ክርስቶስ ዝተጠምቁ ብኡ አቢሎም አብ ነነድሕዶም ሓደ እዮም። ብርግጽ ከም ሓደ ሰውነት እዮም። ቅ. ጳውሎስ ነቲ ዝነበረ ፍልልያት ምሉእ አፍልጦ ነርዎ እዩ እንተ ኾነ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ በብዘልኦ ንዕብየት ሰውነት ክርስቶስ ክሰርሕ እዩ ዝምዕድ ዝነበረ። አብ መንግኦም ዝርከብ ዝተፈላለየ ህያባት ንዕብየትን ንዝበለጸ አገልግሎትን አብ ሓገዝን ከውዕልዎ እምበር ጠንቂ ባእሲ ክኸውን የብሉን። ኩሎም ብሓቂ ውሉድ አምላኽ እዮም፥ ኩሉም ናይ ብሓቂ ደቂ አብርሃም እዮም፥ ኩሎም ናይ እቲ ብአምላኽ ዝተዋህበ ተስፋ ወረስቲ እዮም። ክርስትያናዊ ማሕበር ንኹሉ ዝጥርንፍ ከምኡ ንዝዓበየ ሕብረተ ሰብ ብዘይ አፈላላይ ዝሓቁፍ እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሕቶ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኩሎም መን ብምዃኑን ብተልእኮኡን ተደናጊሮም እንከለዉ እዩ ቀሪብሎም። ወላ ካብቶም ናይ ቀረባ ተኸተልቱ መን ምዃኑ ተደናጊሮም አብ ዝነበሩሉ እዩ ሓቲትዎም። መጀመርያ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኢሉ ሓቲትዎም። ነዚ ክምልሱ እንከለዉ ህዝበ አይሁድ ካብቲ ጨካን መግዛእቲ ሮማውያን ዘውጽኦም አብ ትጽቢት ስለ ዝነበሩ ገለ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ ይብሉኻ (ዮሓንስ ህቡብ ዘይተጸበይዎ ሓዲስን ደስ ዘብል መልእክቲ ሒዙ ዝቐረበ)፥ ገለ ኤልያስ ይብሉኻ (ካብ ቀዳሞት ነብያት ነቲ ብሚኪያስ ተነብዩ ዝነበረ ክመጽእ እዩ ዝብል ዘፍጽም)፥ ሓደ ካብቶም ቀደም ዝነበሩ ነብያት ተንሢኡ ይብሉኻ ኢሎሞ። አይሁድ ትጽቢቶም አብ ድሕነት ርእሶም ዝተመስረት እዩ ማለት ካብ ባዕዳዊ ግዝአት ነጻ ክወጽኡ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ክሳቐ ክስቀል ክመውት ምስረአይዎ ምስ ዝነበሮም ትጽቢት ስለ ዘየማልእ ክሒዶሞ ክቕበልዎ ከቢድዎም።

አብ ርእስና እንተ መጻእና እውን አብ ገለ እዋን አምላኽ ዝደለናዮ እንተ ዘይሃበና ምስኡ ዘሎና ምቅርራብን እምነትን ይዝሕል። ንአብነት ካብሓደ ብርቱዕ ሕማምም ክንሓዊ እንተ ለመና እንተ ዘይሰምዓና፥ ወይ ልቢ ናይ ሓደ እንፈትዎ ክቕየር ንጽሊ ግን እንተ ዘይሰለጠና ተስፋ ንቖርጽ። አብ ክርስቶስ ንመለስ አይሁድ ክርድእዎ አይ ከአሉን ስለዚ መን ትብሉኒ ትፈልጡኒዶ እናበለ ክፈልጥዎ መንምዃኑ ክርድኡ ኢሉ ሓቲትዎም። ከምቲ ንስኹም እትደልይዎ እትሓስብዎ አይ ኮንኩን ስለዚ ፍለጡኒ እዩ ዝበሎም።

አብ ሓዋርያቱ ምልስ ኢሉ ናይ ህዝቢ መልስስ ሰሚዐ አሎኹ ንስኹምከ መን ትብሉኒ ኢሉ ሓቲትዎም፥ ብርግጽ ቅድሚኡ ተዛሪቦምሉ ዝነበሩ እዩ ዝመስል ጴጥሮስ ከም ኩሉ ጊዜ አብ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ “ንስኻ እቲ ናይ አምላኽ መስሕ ኢኻ” ኢልዎ። ኢየሱስ ግን ነዚ ነገር እዚ ንሓደ ከይነግሩ አጠንቂቕዎም እዚ ኸአ ግዚኡ ስለ ዘይበጽሐ እዩ፥ ንሶም እቲ ዝብልዎ ትርጉሙ ጌና አይፈልጥዎን እዮም ዘለዉ ድሕሪ ሕማማቱን ሞትን ትንሣኤኡን እዩ ኩሉ ትርጉም ዝግለጸሎም ሽዑ ዓው ኢሎም ክሰብክዎ እዮም።

መንእዩ ክርስቶስ ንአይ፥ አብ ሕይወተይከ እንታይ ትርጉምከ አለዎ ? አብ ሕይወትና ነገራት እንተ ተዓዘብና ብዙሕ ይገለጹልና። እቶም አስተውዒሎም ዝርእዩን ዝርድኡን ጥራሕ እዮም ንነገራት ዝርድኡ። መጠን ንነገራት ዝተረዳእናዮም መጠኑ ዝበለጽና ሰባት ንኸውን ነቶም ምሳና ዘለዉ ብዝያዳ ንርድኦም እሞ ብቐሊል አብ ምምስጋንን ምትሕግጋዝን ምፍቕቃርን ንበጽሕ።

እዚ አድላዪ ዝኾነ ነገር እዩ ምኽንያቱ ንክርስቶስን አብ ሕይወትና ዘለዎ ተራ ምስተረዳእና ጥራሕ ኢና ክነመስግኖ ክነፍቅሮ ንድላያቱ ክንገብር እንኽእል። ንኢየሱስ ክንርድኦ ከሎና ብዝያዳ ክንአምኖ ይሕግዘና። አብኡ ዘሎና እምነትን ተስፋን የበርትዓልና፥ እዚ ኸአ ክነምልኾን ክንውድሶን ብዝያዳ ይሕግዘና።

ልዕሊ ኹሉ ክርስቶስ መን ምዃኑ ክንርዳእ ከሎና ምስኡ ዝበለጸ ርክብ ክንገብር ክንጽዕር ሽዑ  ንእኡ ክንክተል ንርእስና ክንክሕድ ብዝያዳ ክንጽዕር ኢና። ልብና ቀልብና አብኡ ገርና አብ ምሉእ ተመስጦ አቲና ምስኡ ሓደ ክንከውን ኢና። ክርስቶስ መን ምዃኑ እንተ ተረዲእና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ምስኡ ሓደ ክንከውን አብ ጥቕኡ ክንከውን ኢና።

ክርስቶስ ሓሊምናዮን ሓሲብናዮን ወላ እውን ብተስፋ ተጸቢናዮ አብ ዘይንፈልጥ ቦታ ይመርሓና።

አብ ርእስና ምኽሓድ ይመርሓና። አብ ሕይወትና ንአሽቱ ነገራት አብ ምኽሓድ ዘይኮነ አብቲ ቀንዲ ንርእስና አብ ንኽሕደሉን እንነጽገሉን እሞ አብ ርእሰ ምትእምማን አብ ንበጽሓሉ ይመርሓና። ርእስኻ ምኽሓድ ከቢድ እዩ እንተ ኾነ ንክርስቶስ ዘፍቅር መለልይኡ ንርእሱ ክኽሕድ እንከሎ ጥራሕ እዩ። እሞ ንርእሰይ ክሒደ ንክርስቶስ ክሰምዕ ስንድው ድየ ሎሚ? ናብ ርእስና አቲና ነቲ ምስ አምላኽን ሰብን ከይንሰማማዕ ካብ ትዕቢትናድዩ ወይስ ካብ ክፍአትና ተበጊሱ ከይንቕይር ከቢድና ንዘሎ ክንስዕር እሞ አብ ሕድገትን ፍቕርን ንመለስ። 
አብ መስቀል ይመርሓና። ኢየሱስ ምኽሪ አይ ኮነን ዝህበና ዘሎ ሓዋርያቱ እንተ ኾና ዝኾነ ዳግመ ግምት ዘይውሃቦ ትእዛዝ እዩ ዝህበና ዘሎ። ንማሕበርናን ስድራናን ክነፍቅርን ክነገልግልን ክንጾሮ ዝግብአና ከቢድ መስቀል ወሩ አሎና። ፍቕርን ምርድዳእን ዝጎደላ ማሕበር (ቍምስና) ምግዳስ ወይ ንሓደ አእምሮኡ ዝሰሓተ ሓንቲ ክገብረልካ ዘይክእል ምሕጋዝ ቀሊል አይኮነን። ክርስቶስ ነዚ እዩ ምሂሩና ነቶም ሓንቲ ዘይገብሩልኩም ሰናይ ግበሩሎም ኢሉና።
ክንስዕቦ ይሓተና። ስራሕና ንአምላኽ አብቲ ንሕና እንደልዮ አምጺእና ድላይና ክንገብር አይኮነን። ከም ክርስትያን ነገራት ብአጋጣሚ ዝኾኑ እዮም ኢልና አይንአምንን ኢና፥  አብ ዝኾነ እዋን ባእሲ ወይ ፍቕሪ ምስኡ ኮና ክንመውትን ክንትንሥእ ይደልየና ንሱ ኵሉ ጊዜ ቀቅድመና አሎ። አብ ኩሉ ስዓቡኒ ይብለና አሎ።

አምላኽና ክፍለጥ ይደሊ እዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነለልዮ እሞ ከምቲ ንሱ ዝድልዮ ክንከይድ ይደልየና። አብ ቅዱስ ቍርባን ክንቅበሎ ከሎና ብርእሱ ክርስቶስ ኢና እንቕበል ስለዚ ንእኡ ዝበቅዕ ሕይወትን አተሓሳስባን ክንፈልጥ አሎና። ቅ. ጳውሎስ “ከይተገብኢ እንጌራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዝዕግብ፥ እምብአር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቅድሚ ምብልኡን ካብዚ ጽዋዕዚ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር። ከመይ ሥጋ ጎይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈልጠ ዚበልዕን ዚሰትን አብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዜምጽእ” (1ቆሮ 11፡ 27-29) እናበለ ከመይ ዝበለ አፍልጦን ርድኢትን ክህልወና ከምዘሎና ይነግረና።

ንክርስቶስ ክንፈልጥ ክንጉዓዞን ክንገብሮ ዝግብአና ነገር አሎና። ዓይኒ ልቦናና ክፊትና ብእምነት ክንዓቢ የድሊ ብእምነት ምዕባይ ማለት ከአ ብምልኡ አብ አምላኽ አሚንካ ሕይወት ምምራሕ እዩ። እምነትና ክነብሮ እንከሎና ጥራሕ ኢና ንክርስቶስ ፈሊጠዮ ክንብል እንኽእል ስለዚ ሎሚ እውን ንነፍሲወከፍና ትፈልጠኒዶ ትፈልጥኒዶ እናበለ ይሓተና አሎ።

  አብ መወዳእታ ክርስቶስ መን መኳኑ እንተ ተረዲእናን ፈሊጥናን ብቐጻሊ ከምቲ መዘምር ዳዊት ዝበሎ “ኦ አምላኽ ንስኻ አምላኸይ ኢኻ ናትካ ጽምኢ አሎኒ፥ አብ መቕደስካ ኃይልኻን ክብርኻን ክርኢ ሃረር እብል አሎኹ” (መዝ. 63፡1-2) ንበሎ። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

 








All the contents on this site are copyrighted ©.