2016-07-07 16:33:00

ብፁዕ ካርዲናል ስተላ፥ ኣብ ሉርድስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ናይ ካህናት ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ኣብነት ማርያም


ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዳለወቶ ናይ ካህናት ኢዮቤል ዕለት ሽዱሽተ ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ሉርድስ ብዝተኻየደ መንፍሳዊ ንግደትን መንፈሳዊ መደባትን ከምእተዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሄለን ደስቶምበስ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ ብራዚል ናይ ሰበኻ ኮንሰይሳው ዶ ኣራጉያ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ዩ “ምሕረት ቤት ሕንጸት ንሓልዮት ድኻታት እዩ” ብዝብል ኣርእስትን ከምኡ እውን ናይ ሰበኻ ታርበስ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላስ ብሩወት “ክህነት ጸሎትን ማሕበራውነትን ጸጋታት መንፈስ ቅዱስን ብዝብል ኣርእስስቲ ዝተመርሔ ኣስተንትኖን ኣስተምህሮን ከምዘቐረበ እንክሕብራ፡ እቲ ብናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ተመሪሑ  ኣብ ሉርድ ማርያማዊ ቅዱስ ውስፍራ ዝተኻየደዕለት 6 ሓምሌ  2016 ዓ.ም. ዝተሐናቀ ናይ ካህናት ኢዮቤል ኣመልኪቶም ባዕሎም ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብቐዳምነት እቲ ናይ ሉርድስ መንፈሳዊ መደብ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ካህናት ኢዮቤል ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ገሊጾም እቲ ኣብ ሉርድ ዝተኻየደ ናይ ካህናት ኢዮቤል ብማርያማዊ መንፈስ ዝተሰነየ ኰይኑ ናብቲ ንሱ ዝብለኵም ግበሩ ዝብል ውፉነት ማርያም ዝመርሕን ማርያም ኣብነት ውፉይ ሕይወት ብምዃና ድማ ካህናት ኣብ ክህነታዊ ውፉይ ሕይወቶም ክጸንዑን ሕዝበ  እግዚኣብሔር ክመርሑን ናታ ጸጋ ንምምሕጻን ዝኣመተ መንፈሳዊ መደብ እዩ ኢሎም።

እቶም ካህናት ኣብ ሉርድ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ብምልኣት ብምስትንታን ንመንፈስውያን ነጋዶ ብምንዛዝን መስዋዕተ ቅዳሴ ብምስራዕን ቃል ኣምላኽ ብምክፋልን ሕይወት ክርስትና ጸጋ ምሕረት ምዃኑ ከምዝመስከሩን፡ ልቢ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ወትሩ ዕለት ብዕለት ዝልወጥ ብማርያም ኣብነት ዝምራሕ ክኸውን ከምዘለዎን፡ ብግልን ብማሕበረ ካህናትን ናይ እግዚኣብሔር ምህረት ተመክሮ ዘለዎም ኰይኖም ምሕረት ከበስሩን ኣብ እዋናዊ ዓለም መገዲ ኣምላኽ እናለለዩ ኣብ መገዲ ኣምላኽ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኽመርሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከስተውዕሉን ስለ እቲ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ክጽልዩ ዝደገፈ መደብ ምንባሩ ገሊጾም።

እቶም ኣብቲ ናይ ካህናት ኢዮቤል ዝተሳተፉ ካህናት መብዛሕቲኦም ቆሞሳትን ኣበ ነፍሳትን ኣብ ዝተፈላለየ መውሃቢ ኣገልግሎታት ናይ ዝርከቡ ኣባይቲ ጸሎት ሓለፍትን ቆሞሳትን እያቶም ካህን ከም ክርስቶስ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ናቱ ገይሩ ናብ እግዚኣብሔር ዘዕርግ ምዃኑ ወትሩ ከይዝንግዑ ዘተሓሳሰበ መንፍሳዊ መደብ ምንባሩ ገሊጾም። እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ካህናት ነቲ ንኣባይቲ ስድራን ሰብ ቃል ኪዳንን ወለድን ውላድን ዝምልከት ዘቕርብዎ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘማእከለ ክኸውን ከምዝግብኦ ብዕምቆት ንኸስተውዕሉ ዘተባብዔን ነዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ለቡ ዝበለን ምንባሩ ሓቢሮም።

ካህን ናይ ምእሕረት እግዚኣብሔር ልኡኽን መስካርን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት እቲ ብኣኦም ተመሪሑ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ናይ ካህናት ኢዮቤል “ካህን ብምሕረት እግዚኣብሔር ዝተጋነን ምሕረት እግዚኣብሔር ወሰን ኣልቦ ምዃኑ ዝምስክር እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘማእከለን ቃል እምላኽ ብምእንጋድ ናይቲ ዝተቐበልናዮን ንኽንልወጥ ዝድረኸና ቃል ኣምላኽ ጽባቔኡን ዕምቆቱን ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ብዘይጥርጥር ብዘኣምን ቓልን ሕወትን ዝምስክር ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ኣብቲ ኣብ ሉርድ ማያርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካህናት ኢዮቤል ዳግም ከምእተቓልሔ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.