2016-07-16 16:12:00

መበል 53 ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንጥፈት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት


ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 30 ሓምለ 2016 ዓ.ም. መበል 53 ስሩዕ መደበይና ሓፈሻዊ ሕንጸት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓበር ዘተ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ባዚሊካ ጥቓ ኣብ ዝርከብ ዶሙስ ፓቺስ ኣብ እተሰምየ ሕንጻ ቤተ ኣጋይሽ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ክካየድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ዘተኰረን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝበዓለ መበል 500 ዓመት ሉተራናዊ ሕዳሴ ዓቢይ ግምት ዝህብ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣተሓሒዘን፥ እቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ልኡካን ብኣባልነት ዝሓቁፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓውዲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓለፈ ታሪኹን እዋናዊ ተበጽሖታቱን መጻኢ ዝምርምር ዓወደ ጉባኤ ከምዝኸውንን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቲ ናይ 2016 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ክልተ መደብ ዝተኸፋፈለ ባህልን ሕዳሴን ትንቢትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርኰዘ እቲ ቀዳማይ ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም.  እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝካይድ ዓውደ ጉባኤ ዘተ ከምዘካይደሉ የመልክታ።

ናይ ለምዘበን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል “እቲ ዝራእናዮን ዝሰማዕናዮን ነኣኻትኩም ንነግረኵም ኣሎና” (1ዮሓ. 1,3) ዝብል ክኸውን እንከሎ ነዚ ቃል ሓድሽ ኪዳን ብዕምቆት ክትንተንን ባህላዊ ትርጉሙ ብምልላይ ድማ ባህላዊ ትርጉሙ ቲዮሎጊያዊ ትግባሬኡ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰፊሕ ምይይጥን ኣስተምህሮን ከምዝቐርብን እዚ ድማ ሓድነት ኣብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዘለዎ ትርጉሙን እቲ ትርጉሙ ድማ ብኸመይ መገዲ ቲዮሎጊያዊ ትግባሬ ዝወሃቦ ምዃኑ ብዕምቆት ዝምርምርን ሉተራናዊ ሕዳሴን ፍራንቸካውነት ትርጉም ሕዳሴ ተመስሎኡን መልእኽቱን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተገብረ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ዝትንተነሉ እውን ምዃኑ ናይቲ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ገሊጸን።

እቲ ናይ ሓደ ሰሙን ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ መደብ ዕለታዊ መጽናዕቲ ብባሕታውያን ቦዘ ዝምራሕ መደብ ኣስተንትኖን ጸሎት ዘነግህን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚዩቕ ቃለ ኣስተንትኖን ከምዝካየድን ቀጺሉ ድማ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብናይ ሓባር ጸሎትን ኣስተንትኖ ተሰንዩ ናይ ኣሲዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኪኮ ሶረስንቲኖ ዝስራዕን ብመጋቤ ሉካ ነግሮ ዝምራሕ ስርዓት ናይ መወዳእታ መኣድን ከምኡ ድማ ብኣባ ጋብሬል ኮድረኣ ካህን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝምራሕ ጸሎተ ዘሰርክ ዕለታዊ ውዕሎኡ ከምዝዛዘም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ ዓርቢ ምሸት ናብ ሻባት ማለት ናብ ዕለተ ቀዳም ዘሰጋግር ብናይ ቅዱስ መጽሓፍ ባህሊ ዝተሰነየ ስነ ስርዓት ከምዝፍጸን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደብ ጸሎት ብናይ ወንጌላዊ መዝሙር መምህር ኤማኑኤል ኣፕሪለ ዝምራሕ ማህሌት እውን ከምዝቐርብ የመልክታ።

እቲ ዓወደ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መደቡ ኣብ እምነት ኣይሁድ ዘተኮረ ኰይኑ ኣይሁዳውነት ኣብ ሕዝበ እስራኤላዊነት ምዃን ዝተመስረተ ኰይኑ ነዚ ብምስትውዓል እቲ እምነት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ኣብ ምትሕልላፍ ዝግበር ናይዚ ሃይማኖት ውስጥ ዘተ ኣብ ዝምልከት ንኡስ ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዝቐርብ ምዃኑን ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘተኰረ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ርክብ እውን ከምዝህሉን ፒሮ ገሊጸን ስነ ጥበብን ስነ ቅብእን ስነ ሙዚቃን እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ዘለዎ ግደ ዘተኰረ ኣስተምህሮ እውን ክቐርብ ምዃኑ የመልክታ።

ቅዱስ ፍራንቸስኮን ማርቲን ሉተርን ኣብ ዘማእከሉ ሓሳባት እውን ኣስተምህሮ ቀሪቡ ቀጺሉ ታሪኽ ሳላሳ ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘማእከሉ ኣስተምህሮታትን ከምዝቐርብ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን እዚ ናይ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዝከታተል ናይ ሓባር ቤት ጽሕፈት ካብቲ ካብ ክርስትናን ኣይሁድ እምነትን ናይ ሓባር ዘተ ተበጊሱ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ምዃኑ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.