2016-07-16 16:21:00

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ናይ ሃይማኖት ነጻነት


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ናይ ሃገሮም ሕገ መንግስቲ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝምልከት ኩሉ ሃይማኖቱ ክኽበረሉን ሃይማኖቱ ክነብርን ናይ ሃይማኖቱ ግብረ ገብ ክስዕብ ዝፈቅድ ሕጉ ምሉእ ብምሉእ ውሕስ ንምግባር ዝድግፍ ምይይጥ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ሕጊ ንድፊ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ነቲ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣመልኪቱ።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ክታሞም ኣንቢሮም ወግዓዊ ዝገበሩ ናይ ሳን ፍራንሲስ ሊቀ ጳጳሳት ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስጢረ ተኽሊል ዘነቓቕሕ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ጆሰፍ ኮርዲለዮነን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበርን ናይ ባልቲሞራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ኤድዋርድ ሎሪን ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፥
እቲ ምይይጥ ዝግበረሉ ዘሎ ቅደመ ንድፈ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ሕንፍሽፍሽ ዘእትው ክኸውን ከምዘይግብኦ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልኽቶም ገሊጾም ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሓባር ጥቅምን ሰናይን ምኽባር ማለት ምዃኑ ድማ ተንቲኖም ናይቶም መርዓ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ምዃኑ ዝኣምኑ መሰሎም እውን ክኽበረሎምን ብምትሕስሳብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ነጻነት ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝኣመተ ኰይኑ እቲ እምነቱን ሃይማኖትን ብግሪ ምንባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ሃይማኖት ዘኽትሎ ዘሎ ተጸላእነት ንኸይህሉ ዝድግፍን ከምቲ እቲ እምነት የብለይን ዝብል ሓሳቡ ዝኽበረሉ እቲ ሃይማኖት ኣሎኒ ዝብል ሃይማኖቱ ብግብሪ ዝነብር ዜጋ ነጻነቱ ክኽበረሉ ግቡእ እዩ ከምዝበሉ የመልክት።

እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይት ንዝብል ካብ ዘመናት ናብ ዘመናት ዝተመሓላለፈ ቅቡል ኵላዊ መሰረታዊ ባህሊ ምኽባር ማለት ነቲ ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ዓይነት ምዝማድ ምቅዋም ማለት ከምዘይኰነን እንታይ ድኣ ብስርዓትን ሕግን ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኰነስ ብኣመክንዮ እውን ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከትን ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓቂ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፍርሒ ነዚ ተኣምኖኣ’ዚ ብቐጻልነት ክትምስክርን ከተስተምህርን ምዃኑ ብምርግጋጽ ነቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ደገፎኦም ከምዘቃልሑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.