2016-07-28 15:43:00

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ካብ ናይ ክራኩፍ መንበረ ጳጳስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሓምሌ 2016 ዓ.ም.  ምስቶም ኣብ ክራኩፍ ኣብ ዝርከብ ሰጣሕ ጐልጐል ዘምሕረት ኣብ ዝቐረበ ናይ መዝሙር ምርእቲ ንዝከታተሉ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፉ ልክዕ ብፖላንድ ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተን ዓሰርተን ምሸት ካብቲ ዝርከብሉ ናይ ክራኩፍ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ዝሎ መስኰት ተቐልቂሎም ነቶም ኣብቲ ሕንጻ ደገ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መንእሰያት ምዉቕ ሰላምታይ አቕርበልኩም ቢሎም ኣተሓሒዞም እቲ ንናይ ክራኩፍ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣርማን ዘድሊ መጋበርያ ናይቲ በዓል ዝምልከት ዘበለ ኩሉ በቲ ዝተመሃሮ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ጽሑፋውን ብቕዓቱ ኣቢሉ ዘዳለወ ተወላዲ ፖላንድ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም.  ብሕማም መንሽሮ ከምእተጠቕዔን ሓኻይም በዚ ምኽንያት’ዚ ንምሕዋዩ ዝከኣሎም ክግበሩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 2 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልየ ዘኪሮም፡ እቲ መንእሰይ ኣብቲ ናይ ክራኩፍ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ክሳተፍን ምስ ቅዱስነቶም ክራኸብ ዝነበሮ ሃረርታ ዓቢይ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ ኩላትና ነዚ መጓዕዝትና ዝዀነን ነዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብሉጽ ክኸውን ብኩለ መዳይ ከይተሓለለ ዘገልገለ  ኣብ ምግልጋል እንከሎ ናይ እምነት ጸጋ ዝተቐበለ ካባና ዝተፈልየ መንእሰይ ብጽሞና ንዘክሮ ኣብ መንጐና ህልው እዩ።

ናይ ሕልና ጸሎት ምስ ተፈጸመ ኣስዒቦም ገለኻትኩም ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘስምዑና ታሪኽ ኣቢሎም ናይታ ምሸት ናይ በዓል ሃዋሁ ናብ ትካዘ ለዊጦምዎ ቢሉ ክሓስቡ ዝከኣል እዩ። ደቃተይ ንሓጐስን ሓዘንን ስንድዋት ምዃን የድሊ። እዚ ሓቂ እዩ። እቲ ዘደንቅ ድማ ናይቲ ካባና ዝተፈልየ መንእሰይ እምነት እዩ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ሰማየ ሰማያት ምስ ኢየሱስ ኰይኑ ንዅላትና ይጥምተና ኣሎ። እዚ ዓቢይ ጸጋ እዩ ምስ በሉ ነዚ ሓውና’ዚ ጣቕዒትና ነቕርብ ኣንሕና እውን ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ስፍራ እንርከበሉ ዕለት ከምዝህሉ ሓቂ እዩ። እቲ ዘድሊ ከምቲ ንሱ ዝመረጾ ቅኑዕ መገዲ ምምራጽ እዩ። ጐይታ ነቲ ኣብነት ዝዀነ መንእሰይ ስለ ዝዓደለና ነመስግኖ ከምኡ ዝኣመሰሉ ተባዓት ኣብ ሕይወትና ኣብነትን ደገፍን ዝዀኑና መንእሰያት ጐይታ ስለ ዘነቓቕሕ ነመስግኖ። እግዚኣብሔር ዓቢይ እዩ። ምስ ኵላትና ለዋህ እዩ። ኩላትና ኣብ ውሽጥና ሰናይ ሰሪጹ እዩ ቢሎም ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ብሓባር ኢና። ንስኻትኩም ግቡእኩም እቲ ናብ ፖላንድ ዘምጽኣኩም ዕላማ ፈጽሙ ክርስቲያናዊ ሓጐስኩም ኣቃልሑ ብዓውታ ጨድርዎ። ጐይታ ማሕበርሰብ ሰዓብቲ ኢየሱስ ክትዀኑ የብቅዓኩም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ድማ ነኣሽቱ እንከለና ንወላዲትና ናይ ደሓን ምሕዳር ሰላምታ እነቕርቦ ከምዝነበርና ከምኡ ድማ ኩላትና በቢ ቋንቋና ጸሎት ሰላም ለኪ ንድገም ምስ በሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ደሓን ሕደሩ ስለይ ጸልዩ ሓደር ቢሎም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒየትሮ ኰኰ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.