2016-07-28 19:18:00

ር.ሊ.ጳ፣ ዓለምለኻዊ ውግእ ኢዩ ክብሃል ይክአል እዚ ኮይኑ ግን ውግእ ሃይማኖት ኣይኮነን!


ትማሊ 27 ሐምለ አብ ፖላንድ ከተማ  ክርኩፍ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ከም ዝተጀመረ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ መበል 31ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት 2016 ክሳተፉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተ ፖላንድ ከም ዝአተዉ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ካብ  ሮማ ንፖላንድ  አብ ዝተጓዕዝሉ ግዜ አብታ ነፈሪት አሊታልያ ብዙሐት ጋዜጠኛታት  ምስኦም  ከም ዝተጋዕዙ  ክፍለጥ እንከሎ  ብዛዕባቶም  አብ ፈረንሳ ሮማንድ አብ ጥቃ  ከተማ ርዋ  አብ ሐደ  ቤተ ክርስትያን ዝቅድሱ  ዝነበሩ 84 ዝዕድምኦም  ካህን  ብአሰቃቂ  ኩነታት  ከም ዝተቀትሉን ካልእ ሐደ ምእመን  ብርቱዕ ከም ዝቆሰሉን  እቶም ነዚ  ተግባር’ዚ ዝፈጸሙ  ክልተ አሸበርቲ  ብፖሊስ ከም ዝተቀትሉን ዝዘከሩ ጋዜጠኛታት ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ርእይትኦም ክህቡ  ሐቲቶሞም ክምልሱ እንከለዉ፡ ዓለም ለኻዊ  ውግእ ኢዩ ክብሃል ይክአል  እዚ ኮይኑ ግን  ውግእ ሃይማኖት  ከም ዘይኮነ  አገንዚቦም   ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ። ውግእ ተፈጥሮአዊ ሃብቲ ንምቁጽጻር ሃብቲ ንምክዕባት ዝካየድ ዘሎ ግጭት  ድአምበር ኩለን  ሃይማኖታት ዓለም ሰላም ከም ዝደልያ ክአ ገሊጾም።

አብ ፈረንሳ ክሊ ኖርማንድ  ነበርቲ  ርዋ ከተማን ከባብን  በዚ  አብ ልዕሊ  አባ ጃክስ ሀመል  ብመእተውቲ ራዕዲ ዝረፈጸመ መጥቃዕቲ አዝዮም ከም ዝሐዘኑን ዝተቆጥዑን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና  ሐበሬታ ሂቡ አሎ  ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ    አብቲ  ካብ ሐደ ሚልዮን ንላዕሊ  መንእሰያት ዓለም ዘስታፈ መበል 31ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ክሳተፉ ክራኩፍ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ መዕረፍ ነፈርቲ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ብዉዉዕ አገባብ ተቀቢሎምዎ።

ሊቀ ጳጳሳት ክራኩፍ ብጹዕ ካርዲናል ብጹዕ ካርዲናል ዲቪሽ ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ 447ቁምስናታት  1.174 ካህናት ዘርአ ክህነት እና ገዳማውያን 15 አብያተ ክርስትያናት ዘለዋ ከም ዝኾነት አብ ፖላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ቸለስቲኖ ሚልዮረ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ መዕረፍ ነፈርፍቲ ክራኩፍ ቫቨል ናብ ዝተባህለ ቦታ  ተጓዒዞም ምስ ወኪላት ቤርጌሳዊ ማሕበረ ሰብን ዲፕሎምትን ተራኺቦም ሰላምታ ተለዋዊጦም። ቀጺሎም አብ ቤተ መንግስቲ ፖላንድ ንፕረሲዳንት አንድጀይ ዱዳ ናይ ክብሪ ምብጻሕ አካይዶም ብብሕቲ ተራኺቦም ክአ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም። ብድሕሪኡ  ናብቲ አብ ከተማ ክራኩፍ ዝርከብ ካተድራል ብምኻድ ንብጹዓን ጳጳሳት  ፖላንድ ተራኺቦም ብጹዓን ጳጳሳት ፖላንድ ብሐዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዝተሐጎሱ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳሳት ንፖላንድ ዝተጓዕዙ ጋዜጠኛታት ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም።  በዚ ክአ ናይ ትማሊ ውዕሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፖላንድ ፍጻሜ ኮይኑ እዚ  ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ፖላንድ ዘካይድዎ ዘለዉ  ሐዋርያዊ  ዑደት መበል 15 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ይዝከር። ሎሚ ሐሙስ 28 ሐምለ  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንግሆ  አብቲ አብ ክራኩፍ  ዝርከብ  ገደመ ባአታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ  አምላክ  በጺሖም   ንገዳማውያን ደናግል ሰላም  ኢሎም። ናብቲ ካብ  ክራኩፍ  ሚእቲ ኪሎሜር ርሒቃ ትረከብ ንከተማ ቸስቶሆቫ ተጓዒዞም  ቸስቶሆቫ ምስ በጽሑ  ናይታ ከተማ  ሊቀ  ጳጳሳት  ብጹዕ አቡነ ቫችላው ደፖን  ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ናይቲ ከባቢ  ወኪላት መንግስትን   ተቀቢሎምዎም ። ነቲ አብ ቅርዓትቸስቶሆቫ  ተአኪቡ ዝጽበዮም ዝነበረ  ህዝበ እግዚአብሔር  ብክፍቲ መኪና  እናተዘዋወሩ ሰላም ኢሎምን ሐዋርያው   ቡራኬ ሂቦምን  ክአ   ንገዳም  ቸስና ጎራ  ከይዶም  ንመበል 1050 ዓመት ጥምቀት  ፖላንድ  ብካርዲናላት ጳጳሳትን በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናንን ተሰንዮም   ሥርዓተ ቅዳሴ  አዕሪጎም ።

ናይ መንግስቲ ፖላንድ መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት  አንድጀይ ዱዳ ላዕሎዎት ሰበስልጣናትን   መንግስቲ ፖላንድ   አብቲ  ሥርዓተ ቅዳሴ   ተሳትፎም ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍፍራንቸስኮስ  አብቲ አብ ገዳም ቸስና ጎራ ኣአብ ዘዕረግዎ  መሥዋዕተ ቅዳሴ  ነዚ ዝስዕብ  ስብከት አስሚዖም  ‘ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝቀረቡ ንባባት ካብ መጽሓፈ ምሳሌ ሻምናይ ምዕራፍ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ፍጥረት ኩሉ ዝነበረ ዘለዓለማዊ መድሓኒና ዝኾነ ጥበብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ራብዓይ ምዕራፍ እግዚኣብሔር ወዱ ለኣኸ ካብ ሰበይቲ ድማ ተወልደ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ካልኣይ ምዕራፍ ኣብ ቃና ዘገሊላ እኖና እግዚእትነ ማርያም ከምዝነበረት ዝገልጽ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነዙይ ጥቅልል ብዝበለ መንገዲ ሓደ መለኮታዊ ሰንሰለት ታሪኽ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ብታሪኽ ደቂሰባት ዝተፈትለ ታሪኽ ድሕነትና እዩ ብማለት ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም፣

ሓዋርያ ጳውሎስ ‘ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።[ *ገላ 4.4) እንክብል ብዛዕባቲ ዓቢይ መደብ ኣምላኽ ይናገር፣ ታሪኽ እውን ነዚ ሓቂ እዚ ማለት ምልኣት ግዜ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ምስ ኮነ ከም ዝተፈጸመ ይነግረና፣ ክሳብዚ ግዜዚ ዘመደ ኣዳም ቅሳነት ኣይነበሮን ሰላምውን ኣይነበሮን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ዘመነ ወርቅ’ ኣይነበረን፣ ኩሉ ኩነታቶም ንእግዚኣብሔር ንምቅባል ስንድው ኣይነበረን፣ ስለዝኾነ ከኣ ‘ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ከኣ ኣይተቀበልዎን’ (ዮሓ 1.11)ይብል፣ ምልእት ግዜ እምበአርከስ ውህበት ኣምላኽ ጸጋ ኣምላኽ እዩ ነሩ፣ እግዚኣብሔር ንዘመንና ኣኽል ታርፍ ብዝኾነ ጸጋ ምሕረት መልኦ፣ ከም ውጽኢት ናይ ጽሩይ ፍቅሪ እምበእርከስ ምልኣት ዘመን ተኣዊጁ፣

እቲ ኣዝዩ ዘደንቅ ከኣ ኩነት ኣመጻጽኣ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት እዩ፣ ‘ካብ ሰበይቲ ድማ ተወልደ’ ይብል። ብዓጀብን ሆይሆይታ ዓወትን ከሃሌ ኩልነት ናይ እግዚኣብሔር ብዘይ ምግላጽን ተፈጸመ፣ ከም ዘንጸበራቅ ጸሓይ ዘይኮነት ብዓቢ ትሕትና ናብ ዓለምና ይመጽእ፣ ከም ሓደ ማንም ሕጻን ይውለድ፣ ከምቲ ኢሳያስ ነቢይ ዝብሎ ‘ከም ዝናም ናብ መሬት ይወርድ’ (55.10) ማርቆስ ወንጌላዊው ከምዝብሎ ከምቲ ‘ካብ ኩሉ ዝደቀቀ ዘርኢ በቊሉ ዚዓቢ’ (4.31) ብትሕትና እዩ መጺኡ፣ ከምዚ ኢሉኸስ ተጻይ ትጽቢትናን ምናልባትውን ተጻይ ሃረርታናን ባህግናን ሎሚ እውን ከምቲ ሽዑ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ’ (17,20) እኳ ደኣ ድቅቅ ብዝበለ መንገድን ብትሕትናን እያ እትመጽእ፣

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ከኣ ነዚ መለኮታዊ ሰንሰለት ብምቅጻል ነዚ ምልኣት ግዜ ‘ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት’ (2.1) ክብል ይገልጾ እሞ ኢየሱስ ከኣ ናይታ ሰዓት ወይ ግዜ ምብጻሕን ዘይምብጻሕን ይዛረባ፣ በዚ ከኣ እታ ግዜ ምብጻሓ ንብሰር፣ ዕለትን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከምበሃል ግዜ ወትሩ ይሓጽር ደበኽ ይብል ግልጸት እግዚኣብሔር ከኣ ድቅቅ ብዝበለ መንገዲ ብሃንደበት ይኸው፣ ስለዝኾነ ከኣ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንተኣምር ቃና ዘገሊላ ‘ኢየሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ’(2.11) እንክብል ምጅማር ግልጸት ግርማ ኢየሱስ ይገልጽ፣ ኣብ ቅድሚቲ ሕዝቢ ዘደንቅን ማራኽን ዝኾነ ተርእዮ የለን ወይውን ብሮማዊ ጨቆና ግዝኣት ንዝሳቀ ዝነበረ ሕዝቢ ዝኸውን ፖሎቲካዊ  ፍታሕ እውን ኣይተራእየን፣ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቚሸት ኣብ ናይ ሓንቲ ብዙሕ ውርይቲ ዘይኮነት ስድራቤት መርዓ ዓቢ ሓጎስ ዘምጽኤ ተኣምር ይፍጸም፣  ኮይኑ ግን ኣብ መርዓ ናብ ወይኒ ናይ ዝተለወጠ ማይ ተኣምር ዓቢ ምልክት እዩ፣ ኣብ መኣድና ምሳና ዝምገብን ዝሓልየልና ገጽታ ኣምላኽን ብምምልካት ምስና ንምሕባር ይሓስብን ይገብሮን፣ ኣምላኽ ካባና ርሑቅ ከምዘይኮነ ይገልጸልና! ብጭቡጥን ክውንን መንገዲ ቀረባና ኮይኑ ኣብ ማእከልና ከምዘሎን ከምዝሓልየልናን የመልክት፣ ተጻይ ኣገባብናን ኣተሓሳስባናን ትሕት ቢሉ እዩ ዝመጽእ፣ እንተ ናትና ነገር ግን ብሓይልኻን ክእለትካን ልዕሊ ኩሉ ከምዝኾንካን ዕብየትካ ንምግላጽ ረኣዪለይ ስምዑለይ እናበልካ ወትሩ ዝለዓለ ነገር ሃሰው እናበልካ እዩ፣  እንተ ናይ ክርስቶስ ነገር ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ካልኦት እናኣወፈኻ ነቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ርሕቀት እናኣለኻ ትሕት ቢልካ ድቅቅ ብዝበለ ኣገባብ ተሰዊርካ እናንበርካ ዕለታዊ ናብራኻ ብጭቡጥ ምንባር እዩ፣ እዚ ኸኣ መልእልተ ባህርያዊ እዪ፣

እግዚኣብሔርከስ ንርእሱ ብምትሓትን ቀርባና ኮይኑ ብጭቡጥ ብምርዳእናን የድሕነና፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዝገልጾ ከኣ ‘ትሑትን ለዋህ ልብን’ (11.29) ስለዝኾነ ከምቶም ናኣሽቱን ትሑታትን ዝብሎም እሞ እግዚኣብሔር መንግስቱ ዝገልጸሎም (ማቴ 11.25) ይመስሎም ጥራይ ዘይኮነ ከማኦም ይኸውን፣ እዚኦም ከምቲ ኢሳያስ ነቢይ ዝብሎ ‘ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት’ (66.2) እዚኦም ናኣሽቱን ትሑታትን እዚኦም ‘ንትዕቢት ሕይወት’ (1ዮሓ 2.16) ይጻረርዎ፣ ቋንቋ እግዚኣብሔር እናተዛረቡ ከኣ ነቲ ሓራ ዝገብሮም ትሑት ፍቅሪ ይምርሑ፣  ስለዚ እግዚኣብሔር ገርሀይናታትን ድልዋት ዝኾኑን ሰበኽቲ ወንጌሉ ክኾኑ ይሓሪ ነዚኦም ከኣ ስሙን ናይ ልቡ ምስጢራትን ይገልጸሎም፣ ነቲ ደቂቅ ዘርኢ ወንጌል ሕያው ዝገበሩ ናይዚ ዓዲ እዚ ኣውላድን ኣወዳትን ሰማዕታት ንሕሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ፈተናታት ዓወት ዝተጓነጸፉ ማንም ተራ ሰባት ንፍቅሪ እግዚኣብሔር ብዘደንቅ መንገዲ ንዝመስከሩ ንሕሰብ፣ ከም በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅዱስ ፋውስቲናን ዚኣመሰሉ ትሑታት ሰበኽቲ ወንጌልን ኣበሰርቲ መለኮታዊ ምሕረትን እንተተመልከትና እግዚኣብሔር ነዚኦም ከም መስኖ ናይ ፍቅሩ ተጠቂሙ ናብ ኩላ ቤተክርስትያንን ምሉእ ዘመደ ኣዳምን ነቲ ወሰን ኣልቦ ጸጋኡ ዓዲሉ፣ እዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎ ናይ 1050 ዓመት ዝኽረ ስብከተ ወንጌል ፖላንድ ከኣ ምስ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ምግጣሙ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ፣

ብዘይካዚ እግዚኣብሔር ቀረባ እዩ፣ መግንስቱ ቀረባ እያ (ማር 1.15)እግዚአብሔር ከም ሓደ በዓል ስልጣንን ርሑቅ ዝቅመጥ ንጉስ ክንፈርሆ ኣይደልን፣ ኣብ ሰማይ ኣብ ዙፋኑ ወይ ውን ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተደሪቱ ክተርፍ ኣይደልን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ተጸምቢሩ ምሳና ክጐዓዝ ይደሊ፣ ስለዝኾነ ከኣ ሕዝቢ ፖላንድ ንልዕሊ ሺሕ ዓመታት ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ እናዓደለ ከምቲ ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ዝገብሮ ብኢድኩም እናኣታተየ ኣብ ኩሉ እናኣሰነየኩም ምሳኹም ንዝተጓዕዘ እግዚኣብሔር ምምስጋን ክንደይ ኮን ይጥዕም፣ ከም ቤተ ክርስትያን ክንገብሮ ንዝተጸዋዕና ጽን ክንብል ምስ ካልኦት ክንዋሳእን ክንተሓባበርን ወንጌል ናብ ካልኦት ንክስበኽን ፍረ ክፈርን ብእንህቦ ምስክርነት ክንጸባረቅን እንከሎ ከኣ ብዝበለጸ ነመስግኖ፣

ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሔር ብሓቂ ዘሎ ዝጭበጥ እዩ፣ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ እቲ ብጥበብ (8.30) ዝተገልጸ ናይ ኩሉ ፍጡር ገባሪ ዝኾነ ቃል እዩ ስጋ ኮይኑ፣ ካብ ሓንቲ ኣደ ተወሊዱ (ገላ 4.4) ኣብ መንጎና ዝሓደረ፣ ከም ሰብ ኣዕሩዂ ነሮሞ ኣብ መርዓ እውን ተሳቲፉ (ዮሓ 2) እቲ ዘለዓለማዊ ከማና ኮይኑ ኣብ ግዜናን ኩነታትናን ኣትዩ ይዋሳእ፣ ታሪኽ ሕዝቢ ፖላንድ እውን ብወንጌል ዝተዓለሰ ብመስቀልን ተኣማንነት ንቤተ ክርስትያንን ዋጋ ዝኸፈለ ካብ ቤተሰብ ናብ ቤተሰብ ካብ ኣቦ ናብ ውሉድ ምናዳኸኣ ካብ ኣደታትን ኣደ ዓባያትን ናብ ውሉድ እናተወራረሰ ዝመጸ ዓቢ ጸጋ እዩ፣ ነዚ ከኣ ብልቢ ኣመስግነኩም፣ ልዕሊ ናይታ ኣደ ኲልና ዝኾነ እግዚእትነ ማርያም ጭቡጥን ሓላይን ርሕራሔ ብኢድኩም ክትንክፍዎ ክኢልኩም፣ ናብዚኣ ኣደ ክነግድ መጺኤ ብቃል መዝሙር ገረ ከኣ ከምቲ ንስኹም ትምሕጸንዋ ‘ክብሪ ሕዝብና’ (ዮዲ 15.9) ክብል ብሕብረት ሰላም ቢልናያ፣ ድሕሪ ቢሎም ኣማላድነት እግዚእትነ ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላን ትሕትናኣን ከም ወዳ ኣብ ማእከልና ኰይና ምሳና ከም እትጐዓዝን ብምግላጽ ንሃገረ ፖላንድ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኣ ብምምሕጻን ስብከቶም ዛዘሙ፣ ፡ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ  ንከተማ ክራኩፍ  ተመሊሶም   አብ ቤተ ጵጵስና ክራኩፍ ምስ  አሰነይቶምን  ውሉደ  ክህነት ፖላንድን  ንምሳሕ መአዲ  ቀሪቦም ። ድሕሪ ምሳሕን  ዕረፍትን አብቲ ቅድሚ ቤተጵጵስና ዝርከብ ቅርዓት ምስ ከንቲባ ክራኩፍ ተራኺቦም፣ ከንቲባ ክራኩፍ መፍትሕ  ከተማ ክራኩፍ ንርእሰ  ሊቃነ  ጳጳሳት አረኪቦም። ብድሕሪ”ዚ ናብቲ 800 ሜትር ርሒቁ ዝርከብ ብሎንያ ፓርክ ጆርዳን ተጓዒዞም  በሽሕት ዝቁጸር ህዝቢአብ ዝተረኽበሉ ብካርዲናልት ጳጳሳትን ካህናትን ተዓጂቦም ሥርዐተ ቅዳሴ  መሪሖም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ፓርክ ጆርዳን ንዝተረኽቡ ውሉደ ክሀንትን ህዝበ እግዚአብሔርን ቃል  አስሚዖም ። ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ጆርዳን ፓርክ ንቤተ ጵጵስና  ክራኩፍ ተመሊሶም በዚ ክአ ናይ ሎሚ  ውዕሎ ሐዋርያዊ ዑደት ፖላንድ ፍጻሜ ኮይኑ፡ መበል 31 ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት  ሐምለ 31 ከም ዝቅጽል ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.