2016-07-30 17:07:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ ካህናትን ገዳማውያንን ኣባላት ማሕበራት ውፉያን ሕይወትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቤተ መቕደስ በጺሖምን ናይ ክራኩፍ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ድዝዊች ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ተሰምዔ ቅዱስነቶ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

እቲ ዝሰማዕናውዮ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ.20 ካብ ፍቕዲ 19 ክሳብ 31 ዝተወስደ ቃለ ወንጌል ብዛዕባ ሓደ ስፍራን ሓዋርያን መጽሓፍን የዘንትው፥

ስፍራ፥ ፋሲካ ምሸት ሓዋርያት ዝርከብሉ ዝነበረ ስፍራ ንሱ ድማ ኣብ ዕጹው ቤት (ፍቕዲ 19 ተመል.) ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ሓዋርያቲ ኣብታ በራታ ዝተዓጽወት ቤት ነበሩ (ፍቕዲ 26 ተመል.) ኣብኡ ኢየሱስ ይኣትውን ኣብ መንጐኦም ህልው ይኸውን ሰላሙን መንፈስ ቅዱስን ናይ ሓጢኣት ምሕረትን የብጽሕ፡ ሕጽር ብዘበል ቃል ድማ ምሕረት እግዚኣብሔር የብጽሓሎም። ኣብዚ ዕጽው ስፍራ እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነ እውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ” (ፍቕዲ 21 ተመል.) ዝበሎ ቃል ይቃላሕ ኣሎ።

ኢየሱስ ይልእኽ። ካብ ብጋሴ ኣትሒዙ ኢየሱስ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣዩ ዘቕውም። ናብ ዓለም እትኸይድ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ንሱ ካብ ኣቦ ናብ ዓለም ዝተላእከ። ቤተ ክስቲያን እውን ከምኡ፡ እቲ ቃል ብስራት ንምብጻሕ (ሉቃ. 4,18) ምልኣኽ ኢየሱስ ከም በዓል ስልጣን ዘይኰነስ ብኵነት መልክዕ ኣገልጋሊ (ጊላ)  (ፊሊ. 2,7) እዩ። ሕሩያቱ ድማ ከምኡ። እቲ ንሱ ዝሓረዮም ድማ ከምኡ፡ እቲ ዘገርም ሓዋርያት ኣብታ በራታ ዝተዋጽወት ቤት ብፍርሒ ተዋሒጦም ምህላዎም እዩ። ኢየሱስ ይልእዀምን በራት ከፊቶም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ሰላምን ንኸስፍሑ ክወጹ ይዕድሞም።

ጸዋዕታና ድማ ከምኡ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ በራትኩም ክፈቱ ዝበልዎ ቃል የዘኻኽረና። ኣብ ክህነታዊ ሕይወትና ብፍርሒ ድዩ ወይ ድማ ብንዓይ ይጥዓመኒ ምቾት ተዓጺና ምትራፍ ከጋጥመና ዝከኣል እዩ። እቲ ኢየሱስ ዘመልክቶ መገዲ ግና ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጻእ ዝብል እዩ። ናይ መኼዲ እምበር ናይ መምለሲ ትኬት ዘይብሉ እዩ፡ … እዚ ድማ ስሌኡ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ (ማር. 8,35 ረአ) ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ኢየሱስ ዝተመንገወ መገድን ዝተዓጽወ ቤትን ላንጋ ላንጋ ሕይወትን ምስሉይነትን ኣየፍቅርን። ኰተት ዘይብሉ ኣብ ሒዝካዮ እትጓዓዞ መሳለጢ ዘይጸንዔን ናይ ሸኽሚ ከበድ ዘይብሉ ውሕስነት ይትረፈኒ ቢልካ ክንወጽእ ኢዩ ኢየሱስ ዝሓትተና።

ብኻልእ ኣገላልጻ ንግብራዊ (ጭቡጥ) ፍቅሪ ኣገልግሎት ስንድው ምዃን ማለት እዩ። ሕይወቱ ኣብ ኢየሱስ ዘጽንዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ዝመርጽ ዘይኰነስ ናብቲ ዝለኣዀ ዝኸይድ ንዝጽውዖ እነኹልካ ዝብል። ናይ ገዛእ ርእሱ ግዜን ቦታን ዝመርጽ እውን ኣይኰነን፡ እቲ ዝሓድጐ ዝነብረሉ ዝነበረ ቤት ከምዘይናቱ ዝርእይ ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ናይ ጸዋዕታኡ ቦታን ቤትን ዝገብር ማለት እዩ።

እቲ ክቡር ሃብቲ ውልቃዊ መኽሰብ ዘይደሊ ኢየሱስ ማእከል ሕይወት ምግባር እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ድማ እቲ ውልቃዊ ርውየት ማእከል ምግባር ካብ ዝብል ኩነት ይርሕቕ። ኣብቲ ዘይጽኑዕ ኣእጋር ስልጣን ዓለም ጸግዑ ዘይገብርን ኣብቲ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘድክም ጣዕሚ ሕይወት ገዛእ ርእሱ ዘየላምድን ንዝተረጋገጸ መጻእን ዝተረጋገጸ ደሞዝን ሓሊኑ መደባት ግዚኡ ዘየባኽን … ኣብቲ ተስፋን ሃሴትን ዘይብሉ ኢጐነት ገዛእ ርእሱ ዘይዓውጽውን፡ ብጐይታ ዝሕጐስ፡ ብቕንኣት ምስክርነት ቃል ቃል ዝብል ናብ ካልኦት ክበጽሕ ዝጓየ ስግኣት ዘየፍርሖ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝወጽእ ብዝተሓንጸጹ መገድታት ክጓዓዝ ግዲ ዘየብል ክፉት ብሓዲግን ትሑትን ዘይዓግብ፡ ክፉትን ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓንጸጸ መገዲ እሙንን ንምንባር ጥራሕ ምሕግሓግ ዝቃወም ወንጌል ብምስፋሕ ዝድሰት ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ዝተነበ ናይ ሎሚ ወንጌል ናይ ሓደ ድቀ መዝሙር ስም ጥራሕ እዩ ዝጥቀስ ንሱ ድማ ቶማስ እዩ። ብተጠራጣርነቱን በቲ ኩሉ ንኽርዳእ ሸቐልቀል ባሃልነቱን ዝፍለጥ ተምሳልና ይመስል። እንተዀነ ንደናገጸሉን። ንሱ ከይተረድኦ ግና ንኣና ዓቢይ ጸጋ ይኸውን። ናብ እግዚኣብሔር ኣዚና ክንቀርብ ይገብረና። ስለምታይ እግዚኣብሔር ነዝደልዩ ዘይሕባእ ኣምልክ ስለ ዝዀነ። ኢየሱስ ንተዓዋቲ ኣቑሳሉን ቅንዋቱን ብምርኣይን ብምትንካፍን ነቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ክሳብ ክንደይ ስለ ፍቕሪ ዘርኢ ሰብ ከምእተሳቐየ ዘረጋግጸልና ህያው ዝኾነ ምልክታ ለውሃት እዚኣብሔር የርእዮን የተንክፎን።

ንኣና ደቀ መዘምራን ሰብኣውነትና ምስ ናይ ጐይታ ኣካል ዝራኸብ ክኸውን ክንደይ ኣገዳሲ እዩ። ብተኣማንነትን ብቅንዕናን እቲ ምዃንና ናብኡ ምቕራብ። ከምቲ ቅድስቲ ፋውስቲና እትብሎ ኵለንተናን ብዛዕባ ኩለንተናናን ኩሉ እነኸነዘንትወሉ ባህ ዝብሎ ጐይታ እዩ። ግልጺ ብዝዀነ ጽሎትን ድኻምናን ስቓይናን እምቢተይናነትናን ኩሉ ንኣኡ ብእማኔ ምቕራብ፡ ልብ ኢየሱስ ዝማረኽ ቅኑዕን ክፉት ምዃንን ኣብኡ ድማ መለኰታዊ ምሕረት ዝዓይ ምዃኑ እምነት ምግባር። ኢየሱስ እንታይ እዩ ዝሓትተና ብሓቂ ብምልኣት ዝተወፈየ ሕይወትን ብውዕዉዕ መንፈስ ነሕዋት ዝቕርቡን ብዝተቐበልዎ ምሕረት ዝነብሩን ክንከውን እዩ ዝደልይ። ኢየሱስ ክፉታት ልብን ሓለይቲ ድኹማት እምበር ትረት ልቢ ዘለዎም ኣይኰነን ዝደልይ። ልምሉም ልቢ ዘለዎምን ግልጺ ዝኾኑን ኣብ ልዕሊ ኣቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልልያ ጉዕዞ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ዘየታልሉን ገዛእ ርእሶም ዘይሓባብኡን እዩ ዝደልይ።

ደቀ መዝሙር ሕቶ ንምቕራብ ድሕር ዘይብል … ተጠራጣርነቱ ዝነብርን ብዘይ ውልቃዊ ናይ ረብሓ ምጽንጻንን ብዘይ ብቀትን ናብ ጐይታ ገዛእ ርእሱ ዘቕርብን ናብ መምሃራን ሕንጸትት ናብ ኣሕሉቕን ካብ ምቕራብ ድሕር ዘይብል ክኸውን ኣለዎ። … ወትሩ ልቢ ዝሕነጽ ምዃኑ ተኣሚኑ ካብ ሓዲግን ምስሉይነት ምትላልን ሕብእብእን መታን ክንርሕቕን ናይ ምፍቃርን ምፍታውን ድርኾቱ ከመዛዝን መታን ዝነቅሕን ልልያ ዝገብርን ኸውን ኣለዎ።

ሓዋርያ ቶማስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምእማን ጥራሕ ዘይኰነ ዝበጽሔ ናይ ሕይወት ምሉእ ጽባቔ ኣብ ኢየሱስ ረኸበ። ንኢየሱስ ድማ በሎ “ጎይታየን ኣምላኸይን” (ፍቕዲ 28 ረአ) እዚ እዩ ምሉእ ሕይወት፡ እዛ እተደነቕ ጸሎት ንጐይታ ወትሩ ከነስምዖ ኣሎና፡ ንስኻ ኢኻ እንኰ ሰናይን ጽባቔን መገዲ ጉዕዞይ ልቢ ሕይወተይ ኩለንተናይ ንስኻ ኢኻ ቢልና ወትሩ ከነስምዖ ምስ እንበቅዕ ጽቡቕ ክስምዓናን ንኣና ክሕሸናን እዩ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ፍቕዲ 30 መጽሓፍ ዝብል ቃል ነንብብ፥ ኢየሱስ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጽሓፈ ካልእ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ … ድሕሪ ዘርአዮን ዝፈጸሞን ንስለ ናይ ምሕረቱን ምልክታ ካልእ ምውሳኽ ኣይደለየን። … እዚ ድማ ነቲ ኣንሕና ምሕረት ኣምላኽ ንኸነስፍሕ ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበልናዮን ንዝተጸዋዕናዮን ሕይወት ብድሆ እዩ። ማለት እቲ ወንጌል ክንበብን ዳግም ክንበብን ክስትንተንን ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ኣብ መወዳእታ ገለ ዘይተጸሓፎ ጻዕዳ ዘይተቐለመ ገጽ ክፉት ዝዀነ ብናይ ሕይወትናን ግብረ ምሕረትን ብርዒ እንጽሕፈሉ ገጽ ኣሎ።

ናይ ሕይወትኩም ገጻት ናይ ነፍሲ ወከፍኩም መጽሓፍ ገጽ እንታይ ይመስል እንታይ እዩ ዝተጻሕፎ፡ ዕለት ብዕለት ዝጽሓፍ ድዩ? እናተዀላለፈ እዩ ዝጸሓፍ? ወይ ከኣ ብጻዕዳኡ እዩ ተሪፉ ዘሎ? ኣብዚ እታ ብምልኣት ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወታ ዝተቐበለት (ሉቃስ 8, 20-21) እኖ እግዚኣብሔር ትደግፈና፡ ናይ ወንጌል ህያዋን ጸሓፍቲ ክንከውን ጸጋ ተውህበና። ኣዴና ኣደ ምሕረት ነቶም ቅንዋት ኢየሱስ ዝተነብሮም ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ድኻታት ብግብሪ ክንድግፎም ትምሃረና። ንዝሳቐዩ ምግልጋል ማለት ንኣካለ ክርስቶስ ምኽባር ማለት እዩ። ድንግል ማርያም ነቶም እግዚኣብሔር ዝሃበናን ኣብ ጉስነትና ዘንበሮም ምእመን ንጽቡቕነቶም ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስና ከነወፍይ ትደግፈናን ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ኣብ ጉዕዞ ናይ ቅድስት ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዘለዎም እውነተይና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ትደግፈና።

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነፍሲ ወከፍና ብቅንኣት መንፈስ ኣንሕዞ ናይ እግዚኣብሔር ምህረትን ታሪኽ ጸዋዕታናን ህይወትናን ዝለወጠ ካብ ኩሉ ምቅዋምናን ድኻምና እዚዩ ዝበርትዔ ብፍቕሩ ኣእዳውና ሒዙ ክንስዕቦ ብቓሉ ዝመርሓና (ሉቃስ 5,11) ታሪኽ ዘዘንትው መጽሓፍ ኣብ ልቡ ዝዓቀበ እዩ። እቲ ናይ ጸዋዕታና ተዘክሮ ብምስጋና ህያው ንግበሮ። መስዋዕተ ቅዳሴና ብምቕጻል ጐይታ ብምሕረቱ ናብቲ ዕጽው ቤትና ስለ ዝኣተወ ነመስግኖ ስለምታይ ነቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌል ንኽንጽሕፍ ከም ቶማስ ብስምና ስለ ዝጸውዓና ነመስግኖ እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ስብከት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.