2016-07-30 19:32:00

ናይ ሓቀኛ ክርስትያን መምዘኒ ኣብ ናይ ምሕረት ተግባራት እዩ!


‘ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ።ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።’ (ማቴ 25,35-36)

እዘን ቃላት ኢየሱስ ኣብዚ ዘመንና ተመላሊሱ ኣብ ሕልናናን ሓንጎልናን ዝመላለስ ሕቶ ይዛመዳ፣ እቲ ሕቶ እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ! ኣብ ዓለም ሕሰም እንተልዩ ! ጥሙያት ጽሙኣት ቤትኣልቦ ስደተኛታት መሊኦም ካብ ሃለው እግዚኣብሔር ደኣ ኣበይ ኣሎ ! ልዕሊ ኩሉ ንጹሓት ሰባት ብሰንኪ ዓመጽን ራዕድን ውግእን ክሞቱ ከለው እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ ! ፈውሲ ኣልቦ ሕማማት ምትእስሳር ሕይወትን ፍቅርን ክብጥሱ ከለው እግዚአብሔር ኣበይ ኣሎ ! ሕጻናት ክምዝመዙን ክዋረዱን ከለው ብዘስቅቅ ሕማማት ክሳቀዩ ከለው እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ ! ኣብ ቅድሚ ናይቶም ተጠራጠርትን ብሓዘን ዝተጐብኡ ሻቅሎትን ጭንቀትን እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ ! ብሰብኣዊ መንገዲ መልሲ ክትረኽበሎም ዘይከኣል ሕቶታት ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ንኢየሱስ ጥራሕ ኢና ክንጥምት ዘሎና ነቲ ሕቶታት ከኣ ናብኡ ነቅርቦ፣ መልሲ ኢየሱስ ከኣ እዚኣ እያ `እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ እዞም ዝጸብጸብናዮም ሽጉራት ኣሎ` እትብል እያ፣ ኢየሱስ ምሳኦም ኣሎ ! ምሳኦም ይሳቀ ! ምስ ነፍሲወከፍ ብዕምቀት ሓደ ይኸውን ! ኢየሱስ ምሳኦም ብዕምቆት ካብ ምውህሃዱ ዝተላዕለ ምስኦም ዳርጋ `ሓዳ ኣካል` የቅውም፣

ኢየሱስ ባዕሉ ምስዞም ብቃንዛን ስቃይን ዝተፈተኑ ብምውጋን ነታ ኣቀንዛዊት መንገዲ ቀራንዮ ፍኖተ መስቀል ምሳኦም ክጐዓዛ ብፍቃዱ ተቀቢሉ፣ ኣብ መስቀል እንክመውት ከኣ ንኩሉ ስጋውን ሞራላውን መንፈሳውን ቅንዋት ዘመደ ኣዳም ብፍቅሪ ኣብ ገዛእ ርእሱ ለቢስዎ ንሰማይ ሒዝዎ ብምኻድ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር የወፍዮ፣ ኢየሱስ ንመስቀል ሃንጐፋይ ቢሉ እንክቅበል ናይ ኩሉ ዘመናት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዕርቃንን ጥሜትን ጽምእን ጽምዋን ስቃይን ሞትን ሃንጐፋይ ቢሉ ተቀቢልዎ፣ ሎሚ ምሸት ኢየሱስ ንሕናኸኣ ምሳኡ ሓቢርና ብፍሉይ ፍቅሪ ካብ ውግእ ሃዲሞም ኣብ መንጎና ንዝርከቡ ሶርያውያን ኣሕዋትና ብፍሉይ ፍቅሪ ሃንጐፋይ ቢሉ ይቅበሎም ይሓቊፎም፣ ብሕውነታዊ ፍቅርን ፍሽኽታን ሰላም ንበሎም ! ንቀበሎም !

ሎሚ ምሸት ፍኖተ መስቀል ናይ ኢየሱስ እንደገና እንክንዝክር በተን ዓሰርተ ኣርባዕተ ናይ ምሕረት ስረሓት እንብለን ኣቢልና ምሳኡ ክንወሃሃድ ከምእንኽእል ንግንዘብ፣ እዘን ናይ ምሕረት ተግባራት ንምሕረት እግዚኣብሔር ክፉታት ክንከውንን ብዘይ ምሕረት ወዲሰብ ምንም ክገብር ከምዘይክእል ንክንርዳእ ጸጋ ክህበና ንምልማን ይሕግዛና፣ ንዝጠመየ ዝብላዕ ምሃብ ንዝጸምኤ ዝስተ ምሃብ ንዕሩቊ ምልባስ ንቤት ኣልቦ መሓድሮ ምልጋስ ንጋሻ ምቅባል ንዝሓመሙን እሱራትን ምብጻሕ ንዝሞቱ ምቅባር ወዘተ፣ ብነጻ ንዝተቀበልናዮ ብነጻ ንሃብ፣ ነቲ ንእተሰቅለ ኢየሱስ ዝውክል ዝተጐስየ ሰብ ንምግልጋል ማለት ዝጠመየ ዝጸምኤ ወዘተ ንክነገግል ንጽዋዕ ኣሎና፣ ኣባኡ ንእግዚአብሔር ክንረኽቦ ኢና፣ ንጐይታና ክንትንክሮ ኢና፣ ነዚ ከኣ ኢየሱስ በየናይ መለክዒ ናይ መወዳእታ ፍርድና ከምእንቅበል ኣብ ዝገልጾ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ‘ነዞም ነኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርክምዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ’ እንክብል ኣረጋጊጹልና  ኣሎ እንክብሉ ነታ እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ እትብል ሕቶ እግዚኣብሔር ኣብ ሽጉራት ከምዘሎን ነዚኦም ብምግልጋል ክንረኽቦ ከምእንኽእልን ምናዳ ኣብዚ ግዜ እዚ ውግእን ጭቆናን ራዕድን ጥሜትን ድኽነትን ብዘኸተሎ ጸገማት ብስደት ኣብ ፈቅዶኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዎ ስደተኛታትን ስራሕ ብምስኣንን ብኻልእ ጸገማት ንዝሳቀዩ ከም ንክርስቶስ ገርና እንተኣገልገልና ንእግዚኣብሔር ክንረኽቦ ንክርስቶስ ከኣ ክንድህስሶ ከምእንኽእል ብምግላጽ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.