2016-07-31 17:40:00

ር.ሊ.ጳ! ንዓለም ምስ ኤየሱስ ኰንኩም ለውጡ! ዝቅጽል ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ፓናማ


እቲ ዝሐለፈ ሰሙን  ሮቡዕ አብ ፖላንድ ከተማ ክራኩፍ  ዝተጀመረ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘሳተፈ መበል 31 ዓለምለኸ ዕለተመንእሰያት ሎሚ ቀጺሉ ውዒሉ አማስይኡ ተዛዚሙ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንግሆ ብናይ ፖላንድ ሰዓት አቁጻጽራ ሸሞንተን ፈረቃን አብታ ከተማ ዝርከብ  ገዳመ መለኮታዊ ምሕረት በጺሖም ናይቲ ገዳም መነኲስያትን መነኮሳንን ብድሙቅ አገገባብ ተቀቢሎምዎም፡ አብቲ ገዳም ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ፋውስቲና ኮቫልስካ ክአ ብብሕቲ ብጽሞና ጸልዮም።

ብድሕሪኡ  ካብቲ ገዳም ሐደ ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ  ገዳም ቅዱስ  ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ  በጺሖም ንሐሙሽተ መንእሰያት ክአ  አናዚዞም።  አብ ገዳመ ቅዱስ ዮሐንስ  ብካህናት ፖላንድ  ተሰንዮም  መነኲስያት መነኮሳንን ውፍያትን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነትን አብ ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም። ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ንመንበረ ጵጵስና ክራኩፍ ተመሊሶም።

አጋ ምሸት ካብ መንበረ ጵጵስና ክራኩፍ  ናብቲ  12  ኪሎሜትር  ርሒቁ ዝርከብ   ካምፖ ምሕረት  ዝጽዋዕ  ዓቢ ቅርዓት  ተጓዒዞም  ክአ ምስቶም መበል 31 ዓለም ለኸ  ዕለተ መንእሰያት ዝስተፉ ዘለዉ ካብ መልእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሐደ ሚልዮን ዝኾኑ መንእሰያት ዓለም  ጸሎተ  ዋዜማ    ከም ዘካየዱ   ክፍለጥ ከሎ ፡  ሎሚ  ወርሒ ሐምለ 31  ናብቲ ካምፖ ምሕረት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ  ተጓዒዞም    ነቶም አብቲ ካምፖ  ክጽብይዎም ዝጸንሑ ልዕሊ ሐደ ሚልዮን መንእሰያት ዓለም ሰላም ኢሎም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።

ሎሚ ረፍዲ ሰዓት ዓሰርተ አብቲ Campus misericordiae  ካምፖ ምሕረት  ዝጽዋዕ ሰፊሕ ሜዳ መበል 31ዓለም ለኸ  ዕለተ መንእሰያት 2016 ብካርዲናላት ጳጳሳት ካህናትን ተዓጂቦም ቅዳሴ አዕሪጎም።

አብዚ አብ ፖላንድ ከተማ ክራኩፍ ዝካየድ ዘሎን ሎሚ ምሸት  ዝፍጸመን መበል 31 ዓለም ለኸ ዕለተመንእስያት ካብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሐደ ሚልዮን መንእስያትይሰተፉከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብዚ መዕጸዊ ዓለም ለኸ ዕለተመንእሰያት 2016 አብ ዘስምዕዎ ስብከት  ብሐጺር   ዝተፈተኹም መንእሰያት  ንኢየሱስ ክርስቶስ መድኀኔ   ዓለም  ክትረክብዎ  ናብዚ ንፖላንድ  ከተማ ክራኩፍ  መጺእኩም።

ናይዚ ዕለት”ዚ ቃለ  ቅዱስ ወንጌል  ኢየሱስ ክርስቶስን ዘኬዎስ ዝተባህለ ሰብን አብ ኢያሪኮ ዝገብረዎ  ርክብ   አዘኻኺሩ   ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ኢየሱስ ክርቶስ   ባእላ ኩሉ ሰብ ከም ዝገብር ሕይወቱን ሕይወት  ወዲ  ሰብን  ወትሩ ከም ዝራኸቡ  ክንርዳእ ንክእል ኢሎም ።

ናይዚ ዕለት”ዚ ቃለ ወንጌል እቲ  ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ተራኸበ  ዘኬዎስ  ዝተባህለ ሰብ  ምስቶም  ብህዝቢ ተቀብልነት ዘይነበሮም  ገዛእቲ  ሮማውያን  ተሐባቢሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ንህዝቡ  ዝምዝምዝ  ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስተራኸ ግን ሕይወት ዘኬዎስ ፍጹም  ከም ዝተቀየረ ጠቂሶም ምስ ክርስቶስ  ብምርኻብ ሕይወት  ከም ዝቅየር አገንዚቦም።

በሽሕት ዝቁጸሩ ካህናት ነቲ አብ ካምፖ ምሕረት መዕጸዊ ሥርዓተ ቅዳሴ መበል 31 ዓለም ለኸ  ዕለተ መንእሰያት ዝተሳተፈ  ካብ ሐደ ሚልዮን  ዝበዝሕ ህዝበ ክርስትያን  ቅዱስ ቁርባን  ሂቦም።

ድሕሪ ቅዱስ ቁርባን  አብ ቅድስቲ መንበር ናይ  ምእመናን  ጳጳሳዊ  ቤት ምኽሪ  ሊቀ መንበር  ብጹዕ ካርዲናል  ሪኤልኮም ናይ  ከተማ ክራኩፍ ሊቀ ጳጳሳት  ብጹዕ ካርዲናል  ስታንስላው ዲቪሽን  ንርእሰ  ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ናይ ምስጋና  ቃል  አስሚዖም።

 ቅዱስ አቦና  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ መበል 31 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት  2016 ብሰላም ትገጀሚሩ ብሰላም ምፍጻሙ   ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር  ዝተመስገነ ይኹን ኢሎም ።

ድሕሪ  ፍጻሜ   ሥርዓተ ቅዳሴ  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ ምስቲ  አብ  Campus misericordiae  ካምፖ ምሕረት  ዝጽዋዕ  ሰፊሕ  ሜዳ  ዝነበሩ  ልዕሊ ሀደ ሚልዮን ዝኾኑ  መንእሰያትን  ዓበይቲ   ሰባትን ብሓባር  መልአከ እግዚአብሔር   ጸሎት ደጊሞም።

መልአከ እግዚአብሔር  ጸሎት  ኣብ ዝደገሙሉ ግዜ  ድሕሪ ፍጻሜ   ዓለም ለኸ ዕልተ መንእሰያት ብሐባር ክነኽብር ንዝፈቀድልና እግዚአብሔር ነመስግን።

ንዕለተ መንእሰያት  ዝጀመሩ  ቅዱስ ዮሐንስ አብ መንግስተ ሰማያት ኮይኖም ምስና  ተሐጒሶም  ሐጎስ ቅዱስ ወንጌል አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክነብጽሖ ክሕጉስና ኢዮም። አብዚ ብሐባር ዝቀነናሉ ግዜ ዓለምለኻዊ  ሕውነት ብክርስቶስ ተመኲርና  እግዚአብሔር  ዝተመስገነ ይኹን    ቃል  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ።

ድሕሪ መልአከ እግዚአብሔር  ጸሎት ክአ   ዝቅጽል  ዓለም  ለኸ  ዕለተ  መንእሰያት  አብ ፓናማ ከም ዝካየድ  ሐበሬታ  ሂቦም።

 ቅዱስ  አቦና  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ድሕሪ  ሥርዓተ ቅዳሴ ንቤተ ጵጵስና ክራኩፍ  ተመሊሶም  ምስ መሰነይቶምን  ውሉደ ከህነትን ንምሳሕ መአዲ ቀሪቦም ድሕሪ ቀትሪ  ምስቲ ነዚ ዓለም ለኸ መንእሰያት 2016  ዘዳለወ ኮሚቴ  ተራኺቦም  አመስጊኖሞም።

ብድሕሪኡ አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ክራኩፍ  ምስ ላዕሎዎት  ሰበ ስስልጣናት መንግስቲ  ፖላንድን  ቤተ ክነትን ተፋንዮም ቅድሚ ሐደ ሰዓት  ብሰላም  ንመነበረ ሐዋርያ ቅዱስ  ጰጥሮስ  ብሰላም ተመሊሶም  በዚ ክአ እቲ ንሐሙሽተ መዓልቲ  አብ ፖላንድ  ከተማ ክራኩፍ ዝተኸየደ  ዕለተ መእሰያት  2016 ተፈጺሙ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.