2016-08-02 17:12:00

ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ.፥ ንስኻትኩም ወለንተይናታት ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ተስፋ ኢኻትኩም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስቶም ኣብዚ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ለኻዊ ፍጻሜ ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዝነበሩ ኣባላት ማሕበራት ወለንተይናታት ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ካብ ክራኩፍ ዓሰርተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ታውሮን ኣሬና ኣብ እተሰምየ  ናይ ስፖርት ሕንጻ ተቐቢሎም ቃለ ምስጋናን መርሕ ቃልን ከምዝለገሱ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ቅድም ኣቢሎማ ካብ ናይ ክራኩፍ መንበረ ጳጳስ መስኮት ተቐልቂሎም ነቶም ኣብቲ ወጻኢ ሕንጻ ዝርከቡ ዝነበሩ ከፋንውዎም ንዝተረኽቡ በሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ማንም ከይተጸበዮ ሰላምታ ኣቕሪቦምን ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላን ኣብዘን ኣብ ክራኩፍ ሓቢርና ኣብ ዘሕለፍናየን መዓልታት ዘርአኽምዎ ፍቕርን እምነትን ምዉቕ ማሕበራውነት ክርስትንና ዝድነእቕ እዩ። የቐንየለይ ብሰላም የራኽበና ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ከምቲ ቅድም ቢሉ ዝተገልጸ ምስቶም ወለንተይናታት ንምራኻብ ናብ ናይ ስፖርት ሕንጻ ከይዶም ነቶም ወለንተይናታት እውን ነዘርአኽምዎ ናይ እምነት ምስክርነት ብሓቒ አመስግን ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ናይ ተስፋ ምልክት ኢኻትኩም ንኽርስቶስ ብዘለኩም ፍቕሪ ንሓደ ክቡር ዕላማ ምግልጋል ሰናይን ምንጪ ሃሴትን ምዃኑ መስኪርኩም ኢኹም።

ብለጋስነት ነቶም ተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብምግልጋልን ብምትሕብባርን ዝመስከርዎ እምነት ቅዱስ ኣቦና ንኢዶም ኣባላትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምዃንኩ መስኪርኩም ኢኹም ምስ በሉ ነቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣርማን ኣሳእልን ነቲ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘገልግል ምሳለጢ ዝንበሮ ማህደርን ስእልን ኩሉ ዘዳለወ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ጽሑፋውን ጥበበይና ተወላዲ ፖላንድ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም.  ብሕማም መንሽሮ ምስ ተጠቕዔ በዚ ምኽንያት ሓኻይም ነምሕዋዩ ዝከኣሎም ክግበሩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 2 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈልየ መንእሰይ ሓው ተረኺቡ ቃል ምስክርነት ከምዘስምዔ ማሶቲ ገሊጸን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብቋንቋ ስፓኒሽ ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ስለ እቲ ዝገበርዎ ኣመስጊኖምን ስለ ጸሎቶምን  ኣገልግሎቶምን ንእግዚኣብሔር ነመስግን እቶም ዘሰነይዎም ካህናት ገዳማውያንን ደናግልን ውፉያትን ነመስግን ኢሎም።

ናይቲ ኣብ ክራኩፍ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢት ኮሚተ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣድረዘይ ሙስኩስ ወለንተይናታት ናይ መጻኢ ተስፋ እያቶም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዘኪሮም እዚ ሓቒ ዝኸውን ድማ ተዘክሮ ምስ ዝህሉ እዩ። ተዘክሮ ሕዝበይን ስድራ ቤተይን ናይ ግሊ ታሪኸይን ተዘክሮን ምስ ዝህሉ እዩ፡ ዝሓለፈ ተዘክሮን ተዘክሮ እዋናውን ተዘክሮ ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝውረስን። ብዘይ ተዘክሮ ናይ መጻኢ ተስፋ ንምዃን ዘይከኣል እዩ። ንወለድን ኣቦ ሓጎን ዓባይን ጽን ምባል ንሳቶም ህያው ተዘክሮ እያቶም። ብኻልእይ ደረጃ ድማ ናይ መጻኢ ተስፋ ድየ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ  ተዘክሮ ዘሎኒ ድዩ ኣብ ህልው ኩነት እንታይ ክገብር ይኽእል ዝብል ሕቶ ምቕራብ የድሊ።

ምብራትዕ የድሊ። ዘይደሃል ምዃን የድሊ፡ ናይቲ ብሕማም መንሽሮ ዝተፈለየና ሓውና ታሪኽ ብሓዉ ዝቐረበ ምስክርነት ቅድም ቢልና ዝሰማዕናዮ ንሱ ምሳና ሓቢሩ ኣብቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክርክብ ዓቢይ ሃረርታ ዝነበሮ እዩ። ኣይበጽሔን ነቲ ዘጋጠሞ ሕማም ብትብዓት ገጢምዎ እዩ። እዚ መንእሰይ ሓውና ሎሚ ምሳና የሎን ኰይኑ ግና ዘርኢ መጻኢ ተኺሉ እዩ። ኣብ ጸሎቱ ህልዋት ኢና ኣብ ጸሎትና ህልው እዩ፡

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና እቲ መበል 32 ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘኪሮም ድማ ኣብኡ ክርከብ ድየ ኣይክርከብን ኣምላኽ ዋንኡ፡ ግና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ምዃኑ ርግጸይና እየ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ምስ ኣበሓጎታትኩም ዓባይኩም ዘቲኹም ዶ ምስ ወለድኹም መኺርኩም ዶ ብትብዓት ዘርኢ ተስፋ ዘሪእኩም ዶ እንክብል ክሓተኩምም ምዃኑ ርግጸይና እየ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.