2016-08-02 17:17:00

ናይ ፖላንድ መራሒት መንግስቲ፥ ኣብ መንእሰይ መጻኢት ስድራ ቤት


ትርጉም ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ፖላንድ ናይታ ሃገር መራሒት መንግስቲ በኣታ ማሪያ ስዝይድሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መንእሰይ ናይ መጻኢት ስድራ ቤት ተክለ ሰብነትን ተመስሎን ዝትንትን እዩ እንክብላ ገሊጸን፥ ምስ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ክብል ኣብ ፓላንድ ሓዋርያዊ ዑደት ንኸካይዱ ንምዕዳሞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይደን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ምስ ቅዱስነቶም ተራኺበን ከምዝነበራን ብዛዕባ ስድራ ቤት ፖላንድን ሕቶ ማሕበርሰብ ፖላንድን ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ከምዝሓተትወን ጠቒሰን ብሓቂ ንሃገረ ፖላንድ ዘለዎም ዓቢይ ግምት ብቐረባ ከረጋግጽ ከምዘኽኣለን ሓቢረን፥ እቲ ሕቶታቶም ክሳብ ክንደይ ንፖላንድ ቀረባ ምዃኖም ዘረጋግጽን ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሉደ ፖላንድ ቀረባ ምዃኖም ድማ ከምዘረጋገጻን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዜጋታት ፖላንድ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ቦታታት ንግደት ዘካይድሉ እዋን ምዃኑ እውን ገሊጾም ብሓቂ ኣብ ፖላንድ ምብጻሕ ብምክያዶም ኣነን መንግስተይን ሕዝቢ ፖላንድን ሕጉሳታ ኢና ኢለን፡ እቲ ምስ ህዝቢ ፖላንድ ዘካየድዎ ርክባት ካብቲ ገሚተምዎ ዝነበሩ ንላዕሊ ኣዚዩ እወታዊ ኰይኑ ከምዝረኸብዎ ድማ ተስፋ እገብር። ኣብ ገዝኦምን ቤተይናን ከይኖም ከምእተሰምዖም ድማ ርግጸይና እየ ኢለን።

ቅዱስቶም ኣብ ፖላንድ ዘስምዕዎ ዘረባን ዘካይድዎ ርክባትን ኩሉ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝበልዎን ዘርአይዎም ፍጻሜታት ኩሉ ዘደንቕን ኣዚዩ ኣገዳስን ሕይወት ዝትንክፍ እዩ። እምነትን ቃል ተኣምኖን ብተግባር ዘመሓላልፍን ኩሉ ከስተውዕሎን ከስተንትኖን ብዝኽእል መገዲ ዘቃልሑን እዮም። ብሓቂ ዘደንቑ ጽኑዕ ኣቦ እዮም።

ኣብ ኣውሽዊዝን በርከናውን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣእምሮን ልብን ኮታ ኩለንተናኻን ዝትንክፍ እዩ ነሩ። ኣነ ይብላ እተን መራሒት መንግስቲ ተወላዲት እቲ ከባቢ እየ። ገና ካብ ንእስነተይ ታሪኽ ናይቲ ሰፈረ ሕልቂት ብቐረባ ዝፈልጦ እዩ። ካብቲ ናይ ናዚን ፋሺስታውን መቕዘፍቲ ዝተረፉ ዜጋታት ገና ብሕይወቶም ዘለዉ ዝብልዎን ዘዘንትውዎን ታሪኽ ብቕረባ ዝሰማዕኩን ንኣኣቶም ብቐረባ እውን ዝፈልጦም ብምዃነይ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰፈር ሕልቂት ምብጻሕ ኣካይዶም ዝነበርዎ ኩነት ብጥልቂ ዝምስጠኒ እዩ ኔሩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሕጂ ድማ ቅዱስ ኣቦና ዝነበርዎ ኩነት ዓሚዩቕን ሰብ ተኩላ ሰብ ከይከውን ዘተባብዕ እዩ። እታ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰፈር ሕልቂት ምብጻሕ ዘካይዱላ መዓልቲ ኣብቲ ሰፈር መስዋዕቲ ቅዱስ ማሲሚሊያኖ ኮልበ ዝዝከረሉ ዕለት ብምንባሩ ድማ ነቲ ምብጻሕ ፍሉዩ ገይርዎ እዩ።

ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ዘስምዕዎ ቃል ኣብ ሃገረ ቫቲካን እውን ምብጻሕ ኣካይደን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝዘተያሉ ርእሰ ጉዳይ ምንባሩ ዘኪረን ብዛዕባ ምንጻል ጽንስን ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ክሰዓርን ኮታ ሰብኣውነት ብናይ ሕይወት ባህሊ ክኹላዕ ዝብል እዩ። ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ስድራ ቤት ትርጉም ቤትኣውነቱ ስሒቱን ክቡራት ዋጋታት እናተረስዑን ኣብ ሕብረተሰብ ዝተኣታተው ዘሎ ቅልውላው ዝፍወስ ክቡራት ዋጋታት ኣብ ኣባይቲ ስድራ ብምብርባር እዩ። እዚ እዩ ቅዱስ ኣቦና ዘተባብዑዎ። ኣብ ፖላንድ ካብ ዝፍጸሙ ፍትሕ ቃል ኪዳን ዝስርዑ ምስጢረ ተኪሊል ኣዚዩ ክብ ዝበለ እዩ። እዚ ድማ ንፖላንድ ዓቢይ ተስፋ እዩ ቢለን እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና መንእሰይ ሎሚ መግለጺ ናይ ጽባሕ ስድራ ቤት ከምዝኾነን፡ ከምዚ ምዃኑ ድማ ዓቕምን ሃብትን ኣብ ሕንጸት መንእሰይ ምውዓል ናይ ጽባሕ ተስፈይና ስድራ ቤት ውሑስ ምግባር ምዃኑ ተንቲኖምዎ እዮም።

እዞም መንእሰያት እቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተቐበልዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ዝኸድዎ እንተድኣ ኣብጺሖሞን ነቢሮሞን ብሓቂ ኩነት ዓለምን ሃገራትን ከምዝልወጥ እምነት ኣሎኒ ቢለን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖላንድ ንምስኻዕ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊነን ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.