2016-08-04 16:54:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንፈሳዊ ንግደት ናብ ኣሲዚ


ዕለት 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝፍለጥዎ ዕለት 4 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ናብታ ቅዱስ ፍራንቸስካዊት ከተማ ኣሲዚ ናብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 4 ነሓሰ ስለ ስርየተ ሓጢኣት ማሕበረ ክርስቲያን መንፈሳዊ ንግደት ናይ ምፍጻም ቤተ ክርስቲያንዊ ቅዱስ ባህሊ ጅማረ ዝኽሪ መበል 800 ዓመተ ምሕረት ኣሲዚ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ቅዱስነቶም ባዕሎም ከምዝገለጽዎ ድማ እቲ መንፈሳዊ ንግደት ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብዚ መደብ መንፈሳዊ ንግደት’ዚ ድማ ኩሉ በማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እግዚኣብሔር ከንብረሎም መታን ብጸሎት ከሰንዮም ሓድራ ቢሎም ከምዝነበሩ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ፥  ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት’ዚ ድማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ናይ ግሊ ናይ ጽሞና ጸሎትን ኣስተንትኖ ፈጺሞም ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 18 በደል ሓውኻ ምሕዳግ ኣብ ዝብል ኢየሱስ ንጴጥሮስ፥ ነቲ ዝበደለካ ሓውኻ ሸውዓተ ሳዕ ዘይኮነስ ሰብዓ ጊዜ ሕድገት ግበር ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሰረት ገይሮም ኣስተንትኖ ከምዝለገሱን ምስ ናይ ፍራንቸስካውያን ገዳም ኣሓው ሰላምታ ተለዋዊጦም ንምእመናን እውን ሰላምታ ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.