2016-08-04 16:47:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ሪዮ ናይ ሰላምን ምክብባርን ምልክታ ይኹን


ዕለት 3 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንሕዝቢ ብራዚል ብፍላይ ድማ ነታ ዕለት 5 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ዝጅመር ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድራት እተእንግድ ብራዚሊያዊት ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ተቐማጦ ሰላምታኦም ብምቕራብ ስፖርት ናይ ሰላምን ምክብባርን ምቅብባልን ትእምርቲ ይኹን ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋቲ ገሊጾም።

ኣብዚ ሰላምን ምትሕልላይን ዕርቅን ዝተሓረሞ ዓለም ናይ ኦሎምፒክስ ስፖርት ንኹሎም ተሳተፍትን ተኸታተልትን፥ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲልና ኢና ጒያና ወዲእና ኢና (2ጢሞ. 4, 7-8 ረአ) ዘብሎም ኣስተንፍሶ ክኸውንን ናይ ወርቅን ካልኦት መዳልያታትን ንምዕታር ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እዚዩ ዝበለጸ ክቡራ ዋጋታት ዝዕተረሉ ሰላምን ሕውነትን ዘዕትር ክኸውን ተላብዮም፥ ኵሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ሕብሪ ቆርበትን ዝመዞ ፍልልያት ብዘየገድስ ሰብ ናይ ስድራ ቤት ዘርኢ ሰብ ኣባል ምዃኑ ተፈላጥነት ኣብ ምርካብ ዝቖመ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ሕውነትን ዘማእከለ ስልጣነ ዘረጋግጽ ይኹን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልእኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብምእንጋድ ባህሎም እዚዮም ዝፍለጡ ናይታ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት እተአንግድ ዜጋታት ሃገረ ብራዚል ብምሕሳብ ድማ እቲ ስፖርታዊ ኩነት ንብራዚል ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥማ ዘሎ ሽግራት ንምስጋር ሰናይ ኣጋጣሚ ክዀነሎም ተመንዮም ተስፋን ሓሴትን ዘማዕድው ውሑስን ፍትሓውን ሃገር ብሓባር ኣብ ምሕናጽ ክተግሁ ድማ ሓደራ ቢሎም እግዚኣብሔር ይባርኹም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.