2016-08-06 15:35:00

ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ናይ ካቶሊካውያን ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያት


ሕንጸት ንካቶሊካውያን ዘይገዳማውያን ማሕበራት ውፉያንን ናይ ዘይ ዘይገዳማውያን ማሕበራ ኣባላት መንነት ውፉይነት ብዝብል ኣርእርስቲ ዝተመርሔ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 25 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሳሊዚያኑም መንበረ ጥበብ ናይ መላእ ናይ ካቶሊካውያን ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያት ማሕበራት ጠቕልልቲ ኣሕሉቕ ብምስታፍ ክካይድ መዃኑ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትንን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕብራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝተወከሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ካብ 25 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ መላእ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያት ማሕበራት ልዕሊ 140 ጠቕላሊ አሕሉቕ ዘሳትፍ ከምዝኸውን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትንን ናይ መናንያን ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ዕለት 22 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብውግዒ ዝኽፈ ምዃኑ ሓቢረን፡ ዓለማዊ ምእመንነት ናይ ሕንጸት ባህርያዊ ባይታን ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ሕዳሴ ባህልን መሰረታዊ ተክለ ሰብነትን ምዕባሌታትን ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ማሕበራትን ገዳማውነትን መንነትን መንነት ወንጌላዊ ጸዋዕታ ርኽበት ዝብሉ ነጥብታት እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ሰፊሕ ኣስተምህሮን ምይይጥን ክካይድ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ዕለት 24 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና

ናይቲ መበል 21 ሐፈሻዊ ምሉእ ናይ ካቶሊካውያን ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያት ዓውደ ጉባኤ ተሳተፍቲ “Provida Mater Ecclesia - ቤተ ክርስቲያን ሓላይት እደ  ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 2 ለካቲት 1947 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝወሰንዎ ብዛዕባ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያት ማሕበራት ዝምልከት ናይ ሐዋርያዊ ቅዋመ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምኽንያት እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓዋርያዊ ቅዋም’ዚ ምልስ ቢሉ ብዕምቆት ክጽንዖ እውን ምዃኑ ፒሮ ኣብ ጠቀስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝመሓላለፍኦ ሓበሪታ ኣፍሊጠን ኣተሓሒዘን እቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 24 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ቅዱነቶም ብዝልገሰዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ክጥቓለል ምዃኑ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.