2016-08-06 15:20:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ተሳተፍቲ ዓለም ለኸ ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ዓ.ም.


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍትዋት ኣሕዋተይ ስድተይናታን ተመዛበልትን ዝተፈለለያ ሃገራት ተሳተፍቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ሪዮ፥ ራሚ አኒስ፡ ያች ፑር ባይል፡ ጃምስ ንያንግ ኪየንግጀክ፡ ዮናስ ኪዳነ፡ አጀሊና ናዳ ሎሃሊት፡ ሮሰ ናቲከሎኮንየን፡ ፓውሎ ኣሞቱም ሎኮሮ፡ ዩስራ ማርዲኒ፡ ፖፖለ ሚሰንጋና ዮላንደ ቡካሳ ካቢካ፥

ኣቐዲመ ሰላምታይ ይብጸሕኩም እናበልኩ ኣብ ሪዮ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ክትዕወቱ ድማ ምንዮተይ እገልጽ። እቲ ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ 2016 ዓ.ም. ተሳታፍነትኩም ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ትብዓትን ሓይልን ኣብ ዓለም ሕውነትን ሰላምን ክረጋገጽ ሕውነትን ሰላምን ዝጭርሕ ክኸውን እምነይ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም መላእ ሰብኣዊ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ሰላም ዝከኣል  ምዃኑ ብምስትውዓል ብሰላም ኩሉ ረባሒ ብውግእ ድማ ኩሉ በራሲ ምዃኑ ክእመን ተስፋ ኣሎኒ።

ምስክርነትኩም ንኹላትና ሰናይን ኣባና እውን ሰናይ ዘነቓቕሕ ክኸውን እናተመነኹ ሓደራ ስለይ ጸልዩ፡ እግዚኣብሔር ይባራኽኩም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነታ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎፒክ ስፖርት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ስደተይናታን ተመዛበልትን ወኪላ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት መለለዪ ገይራ ንእትሳፍ ጋንታ ተመዛበልትን ስደተይናታን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.