2016-08-09 16:39:00

ኒካራጓይ፥ ብሔራዊ ዓውደ ጉባኤ ስድራ ቤትን ሕይወትን


ካብ ዕለት 19 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጓይ ታሪኻዊትን ጥንታዊት ከተማ ለዮን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ብሔራዊ ዓውደ ጉባኤ ስድራ ቤት ክካይድ ምዃኑ ናይ ለዮን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦስኮ ቪቫስ ሮበሎ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫታካን ኣሊና ቱፋኒ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ድኅረ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘማእከለ ኰይኑ ዓበይቲ ጸገማትን ብድሆታትን ኣባይቲ ስድራ ብመንጽር ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝትንትን ከምዝኸውን ቃል ናይ ለዮን ጳጳስ ናይ ኒካራጓይ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቦስኮ ቪቫስ ሮበሎ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቱፋኒ ኣስዒበን፥ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ኰሚቴ ኣባል ኣባ ማርኮስ ዲያዝ ፕራዶ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዝንበብን ዘንብብን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ስድራ ቤት ኣገዳሲ ንመላእ ሕብረተሰብ

እዋናዊ ብድሆ ኣባይቲ ስድራ ኒካራጓይ ብምልላይ እንታይነት መንቀሊኡ ክሕብር ዝፍትን ዓውደ ጉባኤ ከምዝዀነን ቃል ኪዳን ወይ ከኣ ምስጢረ ተክሊል ንቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ንመላእ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ምስጢረ ተክሊል ዝፍነው ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለም መሰረት ዝገበረ ኣሉታዊ ፍርዲ ንሕብረተሰብ ጎዳእን ናይ ሕብረተሰብ መሰረት ምቅዋምን ከምዝዀነ ብፁዕ ኣቡነ ቪቫስ ኣመልኪቶም ብርግጽ ኣብ ኒካራጓይ ፍትሕ ኣዚዩ ውሑድ ብምዃኑ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብቃል ኪዳንን ምስጢረ ተኪሊልን ዝቐውም ተእሳር ፍቅሪ ንስድራ ቤት ህያው ዝገብር ምዃኑ ብዕምቆት ምሕባር ኣዚዩ ኣገዳሲ ይገብሮ ከምዝበሉ ቱፋኒ የመልክታ።

ርእዮተ ዓለም መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ ጾታዊ ስምዒት

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ካብቲ ባርህያዊ ጾታዊ ስምዒት ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ኣሎ ዝብል ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም መሰረት ዘለዎ ሰብኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘደናግርን ዘመዛብልን ትምህርቲ ንስድራ ቤት ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ክገልጽ ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ዓይነት ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒት መሰረት ኣልቦ ምዃኑ ብኣምክንዮ ዝተደገፈ ትንተና ዘቕርብ እውን ምዃኑ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ቪቫስ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቱፋኒ ሓቢረን፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብቲ ዘካይዶ ኣኼባ ወጻኢ ተጋባእያን ብጉጅለ ተመዳዲቦም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ናይ ዕዮ ኣኼባ ከምዘካይዱን ኣብቲ ጉባኤ ምስ ዝሳተፉ ናይ ስነ ቤተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሊቃውንቲ ክዝትን ክመኻኸርን ኣብ ፍጻሜ ድማ ንመላእ ኣብ ኒካራጕይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ናይታ ሃገር ቤተ ክርስቲያንዊ ማሕበራውን መዳይ ዝትግበርን ኣብ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መምርሒ ዝኸውን ሰነድ ከርቅቕ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.