2016-08-09 16:33:00

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ንናይ ፖለቲካ ግብረ ገባዊ ኩርናዕ ምትኳር


ናይ ፖለቲካ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ኩርናዕ ግምት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ፥ ዝብል ጻውዒት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ንዜጋዊ ተኣማንነት ሕንጸት ሕልና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርገሖ ሰነድ ከምዘቕረበ ክፍለጥ ተእኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ መንጐ ረፓብሊካዊ ዶናልድ ትራምፕን ዴሞክራሲያዊት ሂላርይ ክሊተን ዝካይድ ዘሎ ንናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ምረጹኒ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ዘሎ ፖለቲካው ኩነት ዳህሲሶም እቲ ዕለት 8 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ነቶም ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቕዑ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ንምትካእ ኣሚቱ ዝካይድ ዘሎ ናይ ምረጹኒ ፖለቲካዊ ውደራ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራዊ ኩርናዕ ዘለዎ ኰይኑ ክካይድ የተሓሳስቡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ መሰረት

እቲ ብሰለስተ ምዕራፍ ዝተኸፋፈለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ብሓፈሻኡ ሰፊሕ ትንተና ዘቕርብን እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ስነ ምግባራዊ ኩነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምልከቱ ነጥብታት ዘለዎን ንጹር መርገጺ ሕይወት ምክንኻንን ሰላምን ኤኮኖሚያዊ ፍትሒ ንምንቕቓሕን መሰልን ክብርን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታትን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምክልኻል ዝብሉ ነጥብታት ብጽማሬ መልክዕ ዘቕርብ እዩ።

ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ውልቃዊ ፖለቲካዊ ርእየት ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምትኳር

እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ ድማ ናይ ፖለቲካ ህይወት ሸቶ ናይ ዜጋታትን ተመረጽትን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰራሕተይናታትን ብድሆታት ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ብምትሕስሳብ ኣብ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ውልቃዊ ፖለቲካዊ ርእየት ዘይኰነስ ንናይ ወዲ ሰብ ክብሪ ስግኣት ዝዀነን ሰብኣዊ ክብሪ ምክልኻልን ብምትኳር ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመተ ኸውን ከምዘለዎን ኣተሓሒዙ ድማ ሕጹያት ተመረጽቲ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታቶም ረብሓ ዘይኰነስ ነቲ ብሔራውን ሰብኣውን ምዕባለ ምቹእ ባይታ ዝፈጥርን ኣብ  ናይ ሓባርን ሃገራውን ረብሓ ከማዕድዉ ይግባእ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፉ ዓሰርተ ነጥብታት ከም ምዕዶ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይትንትኑ።

ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምክንኻን

ከም ቀዳማይ ነጥቢ ድኻታትን ኣብ ሕሱም ኩነት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ብምድጋፍ ስዒቡ ድማ ጽንሲ ምንጻል ክውገድን ንደቅንስትዮ ድጋፍን ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከባ ነፍሰ ጹር ኣደታት ካብ ጽንሲ ምንጻል ምርጫ ናብ ሓልዮ ሕይወት ምርጫ ከብላ መታን ድጋፍ ብምቕራብ፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ዝተፈላለየ ናይ ሞት ባህሊ ብምውጋድ ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ንምባል ዝድግፍ ባይታ ምቕራብ። ንናይ ስነ ምርምር ረብሓ ድቅታት ምንሳትን ናይ ሞት ፍርዲ ገበን ንምውጋድን ዘየብቅዕ ምርጫ ምዃኑን ውግእ ምቅዋምን ገና መድሃኒት ንዘይተረኸበሉ ሕማም ጥዑም ሞት ከም መፍትሒ ገርካ ምቕራብ ዝብሉ ናይ ሞት ባህሊ ምርጫታት ብናይ ሕይወት ባህሊ ክትካእ  ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ሰነድ ብምትሕስሳብ ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምኽባርን ሕይወት ክምረጽን ይምዕዱ።

ናይ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀነ ስድራ ቤትን ቃል ኪዳናዊ መርዓ ምክንኻን

እቲ ናይቲ ሰነድ ሳልሳይ ምዕራፍ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ቃል ኪዳናዊ መርዓ ኣምር ዝተረጋገጸ ዕሙቕ ኣፍልጦ ምስፋሕን ነዚ እቲ ተኣማኒ ኣሃድነትን ዘይፍታሕን ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ሓደኣውነት ዝብል ኣምር ናይ ሕብረተሰብ ማእከላዊ ቅዋመ ዝብል ኣምር ምክልኻል ከምዝግባእ ዘረድእ ኰይኑ፡ ነቲ ጾታዊ ተማላእነት ዝምልከት ተባእትን ኣንስትን ዝብል ተማላእነት ብምንቕቓሕ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ርእየተ ዓለማዊ መሰረት ገይሩ ካብቲ ባህርያዊ ጾታዊ ስምዒት ፍልልያት ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት እውን ኣሎ ዝብል ትምህርቲ ንኣባይቲ ስድራ ግብረ ገባዊ ኤኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ድጋፍ ብምቕራብ ወለዲ ንናይ ደቃቶም ሕንጸትን ዕብየትን ሕይወትን ግብረ ገብን መስረት ገይሮም ኣብ ዝግብርዎ ጻዕሪ ካብ መንግስቲ ድጋፍ ክረኽቡ ጻውዒት የቕርቡ፡ ብምቕጻል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ስራሕ ናይ ምርካብ መሰሎም ክኽበርን ስደተይናታት ዝምልከት ሃገራዊ መምርሒ ስደተይና ዜግነት ዝቕበልሉ ዕድልን ናብ ዜግነት ምርካብ ዘብቅዖም ሕንጸት ክረኽቡን ስድራ ቤት ስደተይናታት ካብ ተፈላሊኻ ምንባር ሓደጋ ክድሕኑን ስደተይና ተዋሃሂዱ ክነብር ናይ እተእንግድ ሃገር ሉኣላውነት ሕግታታ ከኽብርን ንስደት ዝዳርጉ ምኽንያት ተጸኒዑ ጸኣት ስደተይና መፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝብሉ ተግባራት ተነቓቕሕን ደገፋ እውን ከምእተቕርብ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሰነዶም የመልክቱ።

ጥምየትን ድኽነትን ምውጋድ

ውሕስነት ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ዕለታዊ መነባብሮኻ ብኽብሪ ንምንባር ዝድግፍ ወርሓዊ ደሞዝን ነቲ ስንኩፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ፍሉይ ድጋፍ ምቕራብን ጥምየትን ድኽነትን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ምንቕቓሕን ምትብባዕን ናይ ድኻታታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ልቓሕ ምስራዝን እዚ ድማ ምስ ልምዓትን ምጥፋእ ድኽነትን ዝተኣሳሰረ መደብ ክኸውንን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባርን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ህይወት ባህልን ብምንቕቓሕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅድም ፍርዲ ዝተሓንገጠ ፖሊቲካ ምንጻልን ጽልእን ንስደተይናታትን ኣድልዎን ኢፍትሓውነትን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ዘተባብዑ ምርጫታት ብምቅዋም ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኵለ መደያዊ ድጋፍ ተቕርብ ምዃና እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ የረጋግጽ።

ኣብ ማእከላይ ብምራቕ ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ከብቅዕ

እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ ኣብ ፍጻሜኡ፥ ስድራ ቤትን ቅርጽታት ኤኮኖምን መንግስትን ሰብኣውነት ብምሉእነት ብኽባርን ናይ ወዲ ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምክንኻን ዝኣመተ ድኽነት ምውጋድን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ምትኳርን ተፈጥሮን ፍጥረትን ምክንኻን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ምግባርን ግብረ ገባዊ መስፈርት ዘመልክቶ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣጠቓቕማ ውሱንነትን፡ ንናይ ወተሃደራዊ ተልእኾታት ዝወጽእ ወጻእን ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብን ካብ ንውግእ ኣማራጺ መፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ዘኽእል ናይ ሰላም ጻዕርታት መዓላ ይኹን ቢሉ ኣተሓሒዙ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዘሎ ብሰፊሑ ንማሕበረሰብ ክርስቲያንን ንኡሳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ህላዌ ዓቢይ ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ ግጭት  ኣማራጺ መፍትሒ ክርከበሉ ጻውዒት ብምቕራብ መላእ ዓለም ናይ ሰላምን ምክንኻን ሰብኣውነትን ዝብል መገዲ ይስዓብ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ የፍልጣ።








All the contents on this site are copyrighted ©.