2016-08-11 16:49:00

ብፁዓን ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን መንግስቲ ሃገሮም ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ክተሓባበር ሓደራ ይብሉ


ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ እቲ ንሃገር ብድሆ ዘበለ ኩሉ መፍትሒ መታን ክርከበሉ ምስ ማሕብረሰብ ዓለም ክተሓባበር ናይ የይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤርኮላኖ ሉዱ ቶምበ ዕለት 10 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይታ ከተማ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ሓደራ ቢሎም ናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላት እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝካይድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ደው ክብል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓባር ክዓይ ይግብኦ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ገሊጸን።

ንሰላም ተስፋ ምሃብ

ካብ ነዊሕ እዋን ንነጀው ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጐ ደገፍቲ ዓሌት ዲንካ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪሪን ደገፍቲ ዓሌት ኑወር ምኽትል ርእሰ ብሔር ራይክ ማቻራን ግጭት ይካየድ ከምዘሎን ሽሕ’ኳ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ስምምዕ እንተተፈራረሙ ዘይትግበር ቃል ጥራሕ ኰይኑ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ዓቢይ ኪሳራ የስዕብ ኣሎ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ሉዱ ቶምበ ማሕበረሰብ ዓለም ደቡብ ሱዳን ካብቲ ዝወደቐትሉ ቅልውላው ንኽትናገፍ ብምድጋፍ ንሕዝቢ ናይ ሰላምን ጸጥታን ድሕነትን ውሕስነት ክህቡ እላበው ከምዝበሉ ዝሓበራ ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን፥

መንቀሊ ዓመጽ

ኣናስር ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ኣብ 2013 ዓ.ም. ምዃኑን ማለት ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዜጋታት ዘመዛበለ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ኪሪ ዝተፈጸመ ግብረ ዕልዋ መንግስቲ ዘበገሶ ከምዝዀነ ዘኪረን፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር ልዕሊ 16 ሺሕ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንውትህድርና ዝዳረገ ምዃኑ ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሰን ናይ ብፁዕ ኣቡነ ሉዱ ቶመበ ጻውዒት ሰላም ነዚ ኹሉ ዘዘኻኽር እዩ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.