2016-08-13 20:24:00

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 8 2008 ዓ.ም. (08/14/2016)


ንባባት፡ቆላ 1:12-14፥፥ 2ዮሓ 1፡1-7፥ ግ.ሓ.27፡39-ፍ፥ ሉቃ 11:1-13።   ምስባክ፡አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊመን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም” መዝ. 45፡9።

ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ብማርያም መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ ንምህለል። ምስጢር ምህልላና ኵልና ደቃ ብሓደ አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።

መዝሙር፡ እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘይአውዓያ ይብል። ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልዑል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ክንብላ ይግብአና።

ማርያም መምህር ጸሎት እያ ንሳ ብኹሉ ንአምላኽ ዘሓጉስ ሕይወት ስለ ዝመርሐት ምስአ አሎ ጸሎት ከአ ምስ አምላኽ ሓደ ምዃን እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጥ ከም ዝብሃል ማርያም ካብ ንእስነታ ጸሎት ትገብር ከም ዝነበረት ትውፊት ይነግረና። ወልደ እግዚአብሔር አብ ከርሳ ምስ ሓደረ ፍሉይ ርክብ ምስኡ ረኺባ። ባህሪ ሰብ ካብአ ስለ ዝወሰዶ አደ አምላኽ ተባሂላ። እዚ ርክብ እዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ምስ አምላኽ ዘልአ ርክብ እዩ። ሉቃስ ወንጌላዊ ንምስጢር ወዳ ተስተንትን ከም ዝነበረት ክገልጽ እንከሎ ንኹሉ አብ ልባ ትዓቕሮ ነራ ይብለና።

አብዚ ቅዱስ እዋን ዘመነ ፍልሰታ ፍሉይ ጸሎትን ምህልላን እናገበርና ነሕልፎ አሎና። እዚ እዋን ናይ አስተንትኖ ናይ ሱባአን ጸሎትን ጊዜ እዩ። “ሰአሊ ለነ ማርያም ሃበ ወልድኪ መድኃኔ ዓለም” እናበለን አብዚ እንነብሮ ዓለም ካብ ዘሎ ጭንቅን መከራን ብአማልድነታ ክንሓልፎ ንልምና። ንማርያም ዝልምን ድላዩ ይረክብ እዩ። ሓንቲ ንሳ እትብለና ድላይ ወደይ ጥራሕ ግበሩ ትብለና። ድላይ ወዳ ሰላም ምግባር ንሰባት ምፍቃር ንዝበደሉና ምምሓር፥ ንጽጉማት ምሕጋዝ ንዝተባእሱ ምዕራቕ. . . እዩ። ደቂ ማርያም መለልይኦም ጸሎት እዩ።

አብ ጽርኃ ጽዮን ምስታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ኮይና ጸሎት ትመርሕ ከም ዝነበረት ግ.ሓ. 1፡14 ይነግረና። ማርያም እትመርሖ ጸሎት ነቲ አብ ሕይወታ ዝተመከረትሉ መንፈስ ቅዱስ አብኡ እዩ ዝወስደና። ንሳ ብመንፈስ ቅዱስ አደ አምላኽ ኮይና ንአና ኸአ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና እሙናት ተኸተልቲ ወዳ ከም እንኸውን ትነግረና። ማርያም መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ሕይወት ትነብር ስለ ዝነበረት ነፍስወከፍና አብዚ እዋን ምህልላ ንኹሉ እንገብሮ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ለምንልና ንበላ።

ማርያም አብ ቤተ ዘካርያስ ምስ ከደት ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት እቲ ሕፃን አብ ከርሣ ተሰራሰረ ንኤልሳቤት ድማ መንፈስ ቅዱስ መልአ ይብለና ሉቃስ ወንጌላዊ (ሉቃ 1፡41)። ምስ ማርያም ኢየሱስ ወዳ አብ ከርሣ ነሩ በዚ እዩ እዚ በረኸት አብ ቤት ዘካርያስ ዝአተወ። ሎሚ አብ ሕይወትና አብ ስድራና አብ ሃገርና ማርያም ምስ ወዳ ክትመጽአና እሞ ሰላም ፍቕሪ ምሕረት ክወርደና ንዓድማ። ቤተ ዘካርያስ ብማርያም ተባሪኹ ኩሉ መንፈስ ተሓዲሱ ሎሚ እውን ነዚ እያ እተውህብ ማርያም እሞ ምሳና ኩኒ ንበላ።

ቅ. ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ሓዲስ ሕይወት ምስ ዝተንሥአ ክርስቶስ ክንለብስ ይነግረና፥ ነዚ አብ ሕይወትና ክንርእዮ ንመንፈስ ቅዱስ ብምቕጻል ንለምኖ። ቀጺልና ጸሎት ክንገብር አባና መንፈስ ቅዱስ ክህሉ አለዎ ምኽንያቱ ንሱ ኩሉ ጊዜ ምእንታና ክጽሊ ወላ እውን እንተ ደኸምና ምሳና አሎ።

ናይ ሎሚ ወንጌል መጸዋዕታ ንጸሎት እዩ። ኢየሱስ ክጽሊ ዝረአየ ሓደ ካብ አርድእቱ ጸሎት ምሃረና ኢሉ ሓቲትዎ። እዚ ዳርጋ ከምቲ ሓደ ሰብአይ “ዓሣ አይትሃበኒ እንታይ ድአ ከመይ ገርካ ዓሣ ከም ዝገፍፍ ምሃረኒ” ዝበሎ እዩ። እዚ መስተውዓሊ ረድኢ ጸልየለይ አይ ኮነን ኢሉ ምሃረኒ ከመይ ኢለ ክጽሊ ኢሉ ሓቲቱ። ኢየሱስ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ዘርአዮ ጸሎት ምግባር እዩ። ሓዋርያት ክጽሊ ብዙሕ ጊዜ ርእየሞ ስለዚ አሰሩ ክኽተሉ ጸሎት ምሃረና ኢሎም። ሎሚ እውን ኢየሱስ ጸሎት ክምህረና ንሕተቶ ንሱ ኩሉ ጊዜ ነቶም ናቱ ክጽልዩ ይደልዮም እዩ። ኢየሱስ ወላ እኳ ኩሉ ሕይወቱ ጸሎት እንተ ነበረ ንኹሉ ዘጠቓለለ ጸሎት ምሂርዎም። “አቦና አብ ሰማይ እትነብር . . . . ዝብል ጸሎት አብ ኩሉ ክንጅምር እንከሎና እንጽልዮ ጸሎት።

ኢየሱስ፥ ጸሎት እቲ ዝበለጸ መጋበር አብ ሕይወትና ከምዝኾነ አብዚ ዝመሃረና ጸሎት ገሊጹልና። ካባና ዝድለ ቀጺልና ክንጽሊ፥ ብትዕግስትን ትሕትናን ክንጽሊ እዩ። አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና እንተ ረአና ክንጽሊ ንደሊ ግን ንጸሎት ዝኸውን ጊዜ የብልና እንተ አሎና እውን ፍርቂ ፍርቂ እዩ። ልብና ቀልብና አብ ካልእ ገርና ብአፍና ንደግም እዚ ግን ሰይጣን እውን ይኽእሎ እዩ። ጸሎት ክንገብር ከሎና ብአፍና ንልፍልፍ ሽዑ ጎቦታት ብጸሎትና ክንቀሳቐሱ ንደሊ እዚ ግን ክኸውን አይክእልን እዩ ምኽንያቱ ብምሉእ እምነት አብ አምላኽ ስለ ዘይንጽሊ።

አብ ሕይወትና ክንዕወት ጸሎትና ክስማዕ አገባብ አጸላልያናን ክንቅይር ከምኡ ብናይ ጸሎት ሓዊ ብውሽጥና ክንቃጸል አሎና። ከም ሓዋርያት ምሉእ ትሕትና ለቢስና “ጎይታ ጸሎት ምሃረና” ንበሎ። ጸሎት ቀሊል ነገር ግን ዓበይቲ ነገራት ከም ዝፍጸሙ ዝገብር እዩ። ጸሎት ጉዳይ መንፈስ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ከዘኻክረና እንከሎ “ከመይ ገርና ኽንጽሊ ከም ዝግብአና አይንፈልጥን ኢና ግን እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና” (ሮሜ 8፡26)። ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ክሕግዘና ብቐጻሊ ክንልምኖ ክንጽሊ ይግብአና።

ጸሎትና አብቲ አምላኽ ዝደልዩ መሰረት ገርና እንተ ጸለና ክሰምዓና እዩ። ብዙሕ ጊዜ ክንጽሊ እንከሎና ንአምላኽ ዝደለናዮ ክገብረልና እምበር ድላዩ ክንገብር አይንጽልይን ኢና ግን ንድላይ አምላኽ ቀዳምነት ሂብና ንአምላኽ ከም አቦና እናረአና ክንጽሊ እሞ ንድላዩ ክንገብር ክንጽሊ ይግባእ።

አብ ጊዜ ጸሎት እንገብሮ ርክብ ከምቲ አብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ርክብ እዩ። ወላዲ ውሉዱ ዝጎድእ ክሳብ ዘይ ኮነ እንተ ለመኖ ይህቦ እዩ፥ አምላኽ ፈጣሪናን አፍቃሪናን ግዳ ክሳብ ክንደይ ዘይሰምዓና። ነዚ ርድኢት ሒዝና ከምቲ ንሱ ዝበለና “ለምኑ ክውሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾውን ኳሕኳሕ አብሉ ክኽፈተልኩም እዩ” አብ ልብና ገርና ምስ አምላኽና ንራኸብ ምስኡ ናይ ውሉድ ልመና ንለምኖ ክሰምዓና ኸአ እዩ።

ጸሎት አብ መለኮታዊ ግልጸት እዩ ዘቕርበና። አብ ነፍሲ ወከፍ ብጸሎት አብ አምላኽ ክንቀርብ ከሎና ካብ ጥበብ አምላኽ ንምሃር ሽዑ ሓዲሽ ምስጢር ንረክብ። ጸሎት ከም ቤት ትምህርቲ ድላይ አምላኽ እንታይ ከምዝኾነ እንምሃረሉ ቦታ እዩ። አብዚ ቤት ትምህርቲ አምላኽ ድላይና ወይ ክንገብሮ እንኽእል አብቲ ናይ አምላኽ ፍልጠት ተራና ክንጻወት ዕድል ይኸፍተልና። ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ዘፍ 18፡20-32 ዘሎ እንተ አንበብና አብርሃም ምእንቲ ሰዶምን ጎመራን ክሳብ ዝደክም ክልምን ከም ዘፍቀደሉ ንርኢ። ሎሚ እውን ንአምላኽ ክንራኸቦ እንተ ኸአልና ከምቲ ንአብርሃም ዝሰምዖ ንአና እውን ድላዩ ክገልጸልና ይክአል እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ አብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ክንገብር እንከሎና ሓዲስ ነገር ብዛዕባ አምላኽ እንምሃር። እምብአር ክንጽሊ ከሎና መጀመርያ ንአምላኽ ክንሰምዕ አሎና ድሕሪኡ እንታይ ከም እንሓትት ዘሎና ክንፈልጥ ንኽእልን ምስቲ ዝድለ ክነሰማምዖ ንኽእል።

አምላኽ ኃጢአን ክድሕኑ እምበር ክጠፍኡ አይደልን እዩ። አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ከም እንርእዮ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ካብቲ ዝወደቕናዮ ክንምለሶ ዝደሊ አምላኽ እዩ። አብ ሉቃ 15 ዘሎ ብዛዕባ እቲ በታኒ ወዲ እቲቦ ወዱ ዝምለሰላ መገዲ የማዕዱ ነሩ ይብለና። ባህሪ አምላኽ ምፍቃር እዩ ወላ ሓደ ካብኡ ክጠፍእ አይደልን እዩ ንሕና ኢና ካብኡ እንኹብልልን እንጠፍእን ስለዚ ሎሚ እውን ክንምለሶ ይጽበየና አሎ።

አምላኽ ክሰምዓና ቅሩብ ካብ ኮነ ነፍሲወከፍና ካብ ምሕረቱ ጸጋ ክንረክብ አብኡ ንቕረብ። ሰይጣን ተዓዊትሉ/ላ ሓደ ሓውና/ሓፍትና ካብ መገዲ አምላኽ እንተ ወጸ ከም አብርሃም ክንጽልየሎም ይግባእ እምበር አብ ምፍራድን ምዅናን ክንቀዳደም የብልናን። ኃጢአት ክንጸልእ እምበር ኃጢአተኛ ክንጸልእ የብልናን። “ጸሎት ጻድቕ ብግብሪ ብዙሕ ተስልጥ እያ” (ያዕ 5፡16)።

አምላኽ ቀጺልና ክንልምኖ እንተ ኸአልና ክሰምዓና ስንድው እዩ። አምላኽና ክድቅስ አይከይድን እዩ ኩሉ ጊዜ ካባና ክሰምዕ ይደሊ እዩ። ንሱ ምአስን አበይን ብኸመይን ንጸሎትና ከም ዝምልስ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ናይ ምጽላይ ልምዲ ክነጥፍእ የብልናን ከምኡ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና ክንጽሊ ይግብአና ምኽንያቱ ጸሎት ንልቢ አምላኽ ይኸፍተልና። ነቲ ዝፈላልየና አልዩ አምላኽ አብ መንጎና ከም ዝኃድር ይገብር።

ሕይወት ኢየሱስ ብጸሎት ጀሚሩ ብጸሎት ወዲኡ። እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ሕይወት ነፍሲወከፍና አማናይ ክርስቶስ። ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት ነሩ ከምኡ ብዙሓት ቅዱሳን ኩሎም ዝገበርዎ እንተሎ ጸሎት ቀንዲ ነገር እዩ አብ ሕይወቶም። ሎሚ እምብአር እዚ ቅዱስ እዋን ጸሎት ብልብና ክንገብር እሞ አብ አምላኽ ክንምለስ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ 2፡12-14 ዝተነበትና ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ድሕነት የዘኻኽረና። እዚ እሙን ዝኸውን በቲ አምላኽ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘተንሥኦ አብ እንአምኖ እዩ። ስለዚ ነዚ እምነት ከምዘለዎ ቀጺልና ሒዝናዮ እናተጎዓዝና ኢና ክንጽሊ ዘሎና። ነዚ እምነት መሰረት ገርና እና ምእንቲ ወለዲ፥ ቤተ ሰብ፥ አዕሩኽ ብፍላይ ከአ ምእንቲ ዓለምና ብዝተፈላለየ ጸገማት ንእትሕመስ ዘላ ክንጽሊ ዝግብአና።

ኵሉ ጊዜ ንጸሊ አምላኽ ጸሎትና ምህልላና ሰሚዑ ሰላሙ ፍቕሩን ምሕረቱን የውርድለና። ውላዲተ አምላኽ አደና ማርያም ጸሎታን ርድአታን ኩሉ ጊዜ አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.