2016-09-08 16:12:00

ግረግ ቡርከ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ናብ ኩሉን ንኹልን ክበጽሕ ይድርኹ


ኣብ ቀረባ ምዃን ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ሓሙሽተ ከፍለ ዓለም ብጠቕላላ ካብ 18 ሃገራት ዝተዋጽኡ ተጋባእያን ዘሳተፈ  ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ዘዳለዎ ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 5 መስከረም 2016 ዓ.ም.  ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተራኽቦነት ኣብ ኣዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝብል ሓሳብ ብዘማእከሉ ኣስተምህሮታት ከምእተጀመረን ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብፁዕ ካርዲና ፐልን ብፁዕ ኣቡነ ካሚለይሪን ኣባ ጂኖ ስይልቫንን የኔታ ኣባ ሩይዝን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከን ኣስተምህሮ ይቕርቡ ምህላዎ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዕለት 7 መስከረም 2016 ዓ.ም. ቡርከ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ ኅልውነት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብዚ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኢዮቤል ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣተኵይሮም ድሕሪ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ካብ 18 ሃገራት ካብ ዝተዋጽኡ 40 ጋዜጠይናታት ንዘቕረብሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለን ተጠቃምነት ምዕባለ እደ ጥበብ ብቕዓቱን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሕ ለወጢ ዝገበረን ነዚ ድማ ናይ ታይም ንእተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣብ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበን ኰይኖም ካብ ዝተላእኩሉ እዋን ኣትሒዞም ደሓር ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ካብ ዝተሸሙሉ ዕለት እውን ንነጀው ብቐረባ ዘረጋገጽዎ ከይዲ ምዕባለ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ገሊጾም።

ህልውነት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስቲያን ናብ ኩሉ ናይ ምብጻሕ ጸዋዕታ ትእምርቲ እዩ

ቡርከ ኣብቲ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮን ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን እንክምሉስ ብዛዕባ ከይዲ ሕዳሴ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብሃንን ከምኡ እውን ህልውነት ቅዱስ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስቲያን ከም ተልእዀኣን ባህርያን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለምን ሕዝብታን ክትበጽሕ ዝገብራ እዩ። እዚ ህልውነት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መራኸቡ ብዙሃን ናይዚ ኵላውነት ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኩሉ ስፍራ ንምብጻሕ ቤተ ክርስቲያን ትእምርቲ እዩ።  ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ዘርእይዎን ዝነብርዎን ናይ ርህራሄን ሓልዮትን ተግባር ኵሉ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ናብ ኩሉ እናበጽሔ ኩሉ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ክነብር ይመርሕ ኣሎ ከምዝበሉ ደካሮሊስ ገሊጾም።

ህዳሴ መራኸቢ ብዙሃን ራዲዮ ቫቲካን፥ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ንምሕያል

ስለዚህ ይብሉ ቡርከ ህዳሴ ራዲዮ ቫቲካን ድምጺ ቅዱስ ኣቦናን ድምጺ ቤተ ክርስቲያንን ምሕያል እዩ ዕላማኡ፡ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ክፍሊ ብሃብቲ ሰብን ፍልጠትን ኣዚዩ ልዑል እዩ እቲ ሕዳሴ ይሴባሕ ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዓዋዲት መልኽቲ ቀደም ከምዚ እዩ ዝግበር ኔሩ፡ ከምኡ እዩ ዝነበረ እናተባህሉ ኩሉ ከምዝነበሮ ይኺድ ካብ ዝብል ፈተና ምልቓቕ የድሊ እንክብል ዘንበሮ ሓሳብ ጠቒሶም ሕዳሴ ካብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘላቕቕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ምስዓብ ብሓቂ መንፈስ ዘወዓውዕን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ እምነት ኣብ ምንባር ዝድግፍ እዩ

ቡርከ ኣብ መወዳእታ ካብ ሓደ ጋዜጠይና ብዛዕባ እምነቶም ዕዮኦምን እምነት ኣብ ዕዮኦም እንታይ ይመስል ከመይከ ይነብርዎ እንክብል ንዘቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እምነት ናይ ኣገልግሎትካን ዕለታዊ ናብራኻን ናይ ዕዮኻን መሰረታዊ ረቛሒ እዩ። ንኣብነት እቶም ቅድሚኦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘኪሮም፥ ኣብ ዕዮኻን ተልእኾኻን ኣገልግሎትካን ቅሳነት ካብ እምነት ዝምጭው ጸጋ ምዃኑን ኣብ ጽንኩርን ከቢድን እዋን ዕዉት ክትኸውን ዝድግፍ ኣውን ከምዝዀነ ምስክር እዮም ቢሎም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ርሒቖም ካብ ምርኣይ ብቐረባ ምርኻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ሓላፊ ምዃን ዓቢይ ሓላፍነትን መሳጥን እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.