2016-09-10 14:05:00

“ሕይወት ምረጹ” (ዘዳ, 30፡ 19) ርእሰ ዓመተ ማቴዎስ ዕለት 11 መስከረም 2016 ዓ.ም.


ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር

“ብክርስቶስ ዘለዅም ኩላትኩም ሰላም ይሃልኹም ኣሜን (1ጴጥ. 5፡14)

እነሆ ለምዘበን’ውን ኣይብሓይልናን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ዘመነ ዮሓንስ (2008 ዓ.ም. ግእዝ) ተዛዚሙ ዘመነ ማቴዎስ 2009 ዓ.ም.ግእዝ) ክንጅምር ዕድል ተዋሂቡና ኣሎ። ኣብ ምጅማር 2008 ዓ.ም. ብዙሓት ምሳና ዝተበገሱ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ውሉድን ብሞት ስለዝተፈለዩና ነዚ እንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት ምሳና ሓቢሮም ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። እንተዀነ ከምቲ መጽሓፍ ጥበብ ሰሎሙን “በረኣእያ ዓያሹ ቅኑዓት ሰባት ዝሞቱ ይመስሉ ይኾኑ፡ ካብዚ ዓለም ምሕላፎም ክኣ ዕንወት መሲሉ ይረአ ይኸውን፡። እወ እቲ ካባና ምፍላዮም ጥፍኣት መሲሉ ይረአ ይኸውን ግናኸ ንሳቶም ኣብ ሰላም እዮም ዘለዉ፡ ቅኑዓት ብተሓሳስባ ወዲ ሰብ እኳ ዝተቐዝፉ እንተ መሰሉ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዚብልን ርጉጽ ተስፋ ኣለዎም” (መ.ጥበብ ዘሰሎሙን 3. 2-3) ዝብሎ እቶም ብሞት ዝቐደሙናን ብሕይወቶም ንዘለዓለም ምስ እግዚኣብሔአር ሕያው ከምዝነብሩ ዘይነቓነቕ ክርስቲያናዊ እምነትና እዩ። ከመይ “ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን” (ማቴ.  32፡32) በዚ ምኽንያት እዩ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ሞት ኣልኣዛር ዓርኩ ንማርታ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ” እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ እንተ ሞተ’ኳ ብሕይወት ክነብር እዩ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ሕያው ዘበለ ኵሉ ንዘለዓለም ኣይክመውትን እዩ፡ እዚ ትኣምኒ ዲኺ?” ዝበላ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንሕና’ውን በዚ ሕይወት ዝህብ ቃል መድሓኒና እምነትና ከነሐድስን ክነጸንዕን ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ዘመነ ዮሓንስ ዛዚምና ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣንጅምረሉ ዘሎና እዋን እግዚኣብሔር ዕድመ ይውስኸና ኣሎ። ነዚ ህያብ’ዚ ግን ከመይ ቢልና ኢና ክንነብሮ ንደሊ ዘሎና? እዚ ሕያውን ምንጪ ኵሉ ሕይወትን ዝኸኦነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ባዕልና ነቲ ይሕሸና እንብሎ ክንመርጽ ምሉእ ናጽነት ይህበና ኣሎ። “ሊሚ ሕይወትን በረኸትን ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜዅም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ … እምበኣርከስ ንስኻትኩም ዝረእኹምን ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ ሕይወት ሕረዩ” (ዘዳ. 30፡ 15.   19)። ኣብዚ ሕይወት ምምራጽከ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ክመጸና ናይ ግድን እዩ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ክንምልስ ከኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕግዙና እዮም። እንደገና ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምልስ እንተበልና ሙሴ ንሕዝበ እስራኤል “ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩን ክትበዝሑን ኣብታ ክትወርሱዋ እትኣትዉዋ ዘሎኹም ሃገር እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ምእንቲ ክባርኸኩም ድማ ንእግዚኣብሔር ምረጹ። ንኣኡ ቅድሚ ኵሉ ስርዑዎ ብመገዱ ተመላለሱ ማለት እዩ፡ ካልእ ምስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዘይሰማማዕ መገዲ እንተመረጽኩም ግና ናብ ሞትን ጥፍኣትን ኢኹም እተምርሑ እዩ ዝብለና ዘሎ።

መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብቲ ንኣርብዓ መዓልትን ለይትን ዚጾመሉ ዝነበረ ኣዋን ንሰይጣን ዚሃቦ መልሲ ንኩልና ኣብነት ክኾነልና ኢሉ እዩ። ዲያቢሎስ ሰለስተ ጊዜ ክፍትኖ እንከሎ ብዛዕባ ምድራዊ ምቾት (ፍትወት ስጋ) ብዛዕባ ምድራዊ ሃብቲ (ፍትወት ገንዘብ)፡ ብዛዕባ ምድራዊ ዕብየት (ፍትወት ስልጣን) እዩ ዝፈተኖ። ኣብ መጀመርታ እቲ ፈታኒ “ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ድኣ ኰይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል በሎ” (ማቴ. 4፡3) እዚ ከቢድ ፈተና እዩ፡ ኢየሱስ ብሓቂ ወልደ እግዚኣብሔር እዩ። መንነቱ ከፍልጥ ኣብ ቅድሚ ሰይጣን ንእምኒ ናብ እንጌራ ክልወጥ ግን ኣድላዪ ኣይነበረን። ተልእዀ ኢየሱስ ንደቂሰብ ምስ እግዚኣብሔር ክዓርቆምን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ከሳግሮም ደኣ እምበር ሐይሉ ከርኢ ኣይመጸን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ኢየሱስ ንዲያብሎስ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሔር ብዚወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ከምዘይነብር ምእንቲ ከፍልጠኩም ንሱ ኣዋረደኩም፡ ኣጥመየኩም ዘይትፈልጥዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈልጥዎ መና ከኣ ኣብለዓኩም” (ዘዳ. 8.3) ዚብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጠቒሱ መልሲ ሃቦ፡ ካብኡ ሰይጣን ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ብምጥቃስ ንኻልኣይ ጊዜ “ኣብ እትኸዶ ኵሉ ክሕልውኻ እግዚኣብሔር ንመላእኽቱ ኣይትፈታተኖ ዝቢል ጽሑፍ’ውን ኣሎ በሎ” (ማቴ. 4፡10) ብምባል ቆራጽ መልሲ ክህቦ ንርኢ።  ቃል እግዚኣብሔር ብሓቂ ዕለታዊ መግብና እንተዀይኑ ብናይዚ ዓለም’ዚ ሃብትን ፍትወትን ኣይንሰድዕን ኢና።

እንተዀነ ሰይጣን ነቲ “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” (ዮሓ. 14፡6) ዝበለና መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ ዘይሓፍሮን ዘይፈርሖንሲ ንኣና ንድኹማት ደቂ ሰብ ግዳ ከመይ ገይሩ በቲ ድሮ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድኹም ዝንባሌታት ከም ስስዔ ትዕቢት ቅንኢ ሃኬት ህርፋን ንፍገት ሓሶት ብልሽውና ዝኣመሰሉ ጌይሩ ብቐሊሉ ዘየታልለና? ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ፥ዲያብሎስ እቲ መጻርርትዅም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ ንቕሑ’ (1ጴጥ. 5፡8) ክብል እንከሎ እንተ ደኣ ዘይነቒሕናን ዘይተጠንቀቕናን ሰይጣን መስሓቲ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ሕይወት ሞት ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ ኣብ ክንዲ ድሕነት ጥፍኣት ከም እንመርጽ ክገብረና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እምበኣር መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስስቶስ “ንሕይወት ምረጹ ንሕይወት ዚጻረር ኵሉ ኣወግዱ። ኣብዚ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ፍቕርን ርሕራሔን ኣምላኽ ደኣ ኣስተማቕሩ” ኣናበለ ምሕረት ተቐቢልና ምሕረት ክንገብር ይዕድመና ኣሎ። “እቶም እምነቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዘውደቑ ነታ ናቱ ዝኾነት መገዲ ሓቂ ኪርድእዋ እዮም። እቶም እሙናት ከኣ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዖም ኪነብሩ እዮም፡ ከመይ ኣምላኽ ነቶም ባዕሊ ዝሓረዮም ብምሕረትን ብለውሃትን እዩ ዝጓስዮም” (መጽሓፈ ጥበብ ሰሎሙን 3፡ 9)። ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተትፈልጥስ ንስኺ ምለመንኪዮ ኔርኪ ንሱ ክኣ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ” ክብላ ንርኢ። ብሓቂ ከኣ ሕይወትን ምንጪ ሕይወትን ባዕሉ እግዚኣብሔር ከምዝዀነ የረጋግጸልና፡ ሕይወት ምምራጽ ማለት እምበኣር ንእግዚኣብሔርን ንትእዛዛቱን ምምራጽ ንፍቓዱን ምስጢራቱን ምቕዳም ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብዓሚዪቕ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ምጒዓዝ ማለት እዩ እሞ ምርጫናኸ እንታይ እዩ?

ብርግጽ ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘሎና እታ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እትወስድ መገዲ ቀላል እያ ዝበለና የልቦን፡ እኳ ደኣ መድሓኒናስ “ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ መዓልቲ መዓልቲ’ውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ። ምኽንያቱ እቲ ንነፍሱ ኬድሕና ዚደሊ ኬጥፍኣ እዩ። እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ” (ሉቃ. 9፡ 23-24) እዩ ዝበለና። እዚ ከኣ ሕይወት ዝህብ መሲሉና ብናይዚ ዓለም እዚ ፍትወትን ገንዘብን ሃብትን ስልጣንን ከይንታለል ከይንማረኽን እሞ ብኣኡ ኣቢልና ናብ ጥፍኣትን ሞትን ከይነብል ኢሉ እዩ። ነዚ ኵሉ ይትረፈኒ ክንብል እከሎና ብርግጽ ካባና ተጋድሎን መስዋዕትነትን ይሐትት እዩ። ኣብ መጠረሽታኡ ግን ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም እንወርስ ንረጋገጽ። ብምሉእ ልብና ባዕሉ ደጋጊሙ ኣፍሊጡና እዩ። ከም ደቂ ሰብ መጠን ንበልዖ መግቢ ንኽደኖ ክዳን ንነብረሉ ገዛ ካልእ ጥሪትን ንብረትን ክንደልን ክህልወናን ናይ ግድን እዩ። ኢየሱስ ግን “ንኣኻትኩም እዚ ኲሉ ከምዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ ንስኻትኩም ግና ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኲሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ” (ማቴ. 6፡ 32-33) ብምባል ሓልዮት ኣምላኽ ወትሩ ምስቶም ብትብዓት ንሕይወትን ሓቅን ጽድቅን ዝመርጹ ከምዝኾነ የረጋግጸና። ኣብ መጠረሽታ እዚ ምድራዊ ሕይወት እቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ “እቲ ዝስዕር ከምኦም ጻዕዳ ክዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነ እውን ንስሙ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ኣይክፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ክኣምኖ እየ” (ራእ. 3፡5) ክብል ከሎ ከኣ እቲ ንሕይወት ዚመርጻ ሰብ ብእውነት ብፁዕን ዕዉትን ሰዓርን ከምዝዀነ የተኣማምነና።

ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ማቴዎስ እምበኣር ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሰዓታት እንደግሞ “ኦ ጐይታና ወሃብ ሕይወት ንነፍሲ ትሑታት እትምልከት ብመንፈስ ንዝተጨነቑ ሸለል ከይበልካ እትቕበሎም ንስኻ ኢኻ፡ ንዚስደዱ ረዳኢ ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ንጭኑቓት መድሓቲን ንጥሙያት እትሓሊ ሕነ ግፉዓት እትፈዲ ዓርኪ ምእመናን ጠበቓ ጻድቃን መዕቆብ ንጹሓን ብሓቂ ንዝጽውዑኻ ሰማዒ ሓጋዚ መበለት ነባዪ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ (ናይ ምሸት ጸሎተ ኪዳን) ብምባል ክንውድሶን ከነመስግኖን ክንልምኖን ይግባእ። ሓዲሽ ዓመት ማለት ሓድሽ ሕይወትን ሓድሽ ተመግሶን እውን ማለት እዩ። ነዚ ዝወሃበና ዘሎ ክቡር ጊዜ ብምስጋና ተቐቢልና ብሓድሽ መንፈስን ብሓዲሽ ናህርን ክንብገስ፡ እቲ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” ዝዀነ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመርሓናን ክድግፈናን ድልው ምዃኑ ኣይንጠራጠር። መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦና ክንከውን ትብዓትን ጥበብን ዝህበና እቲ መጸናንዒ መንፈስ ሓቂ መንፈስ ጽድቅን እውን መገዲ ሕይውት ክሕብረና ምኣ`ኑ ንኣምን። ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ዝበርህ ሽግ ሒዝና “ዓኾዃይ!” እናበልና ንገዛናን ንደንበናን ንዞሮ፡ እቲ ዝኣረገ ኣብቂዑ እቲ ሓድሽ ክጅምር “ዓመት ንዓመት የድግመና” እናበልና ሓዊ ክንሳገር ከሎና ነዚ ሓድሽ ዓመት ብታሕጓስ ንቕበል ከምዘሎና እዩ ዘመልክት’ሞ ብሓቂ ዓመት ሰላምን ቅሳነትን ዓመት ጥዕናን ጽጋብን ዓመት ፍቕርን ሕውነትን ክኾነልና ንምነን ንጽልን። ብሰላም ክንእከብ የኽእለና ዝተባረኸ በዓላት ዮሓንስ መሰቀል ከኣ ይበረልና። “ኵሉ ዝርከባ ሰላም እግዚኣብሔር ወትሩ ምስ ኩልኻኩም ትኹን” ፍቕሪ እግዚኣብሔር’ውን ኣብ ማእከልኩም ይሰስን። ነዚ ክረምቲ ኣናምጽአ ዝናም ዝህብ ምሕረት እውሪዱ በረኸት ዝዕድል እንስሳ ገዳምን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኡ ይትስፈዉ፡ ንሱ ድማ ንሕዝቡ ሰላም ዚህብ እዮ’ሞ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ” (ሰላም ዘዘመነ ክረምት)። እታ ንርእሳ ሕይወት መሪጻ ንወሃቢ ሕይወት ዝወለደትልና ኣዴናን ኣደ መድሓኒናን ኪዳነ ምሕረት ከኣ ንነፍሲ ወከፍና ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና፡ ሰናይ ዘመን ይግበረልና፡ ኣሜን፡

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኤርትራ

ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም








All the contents on this site are copyrighted ©.